Dehai News

ወዳጀ "ተቛወምቲ ዝተጠመቕኩም => ሰብ ፍሉይ ረብሓ ነጨ-ለባሽ ሸቃጦ/ነጋዶ $ € £ን ተቛመርቲ ናብ ኽድዓትን ዕሱብነትን ምእካብ ገንዘብን ግብረ-ሽበራን ከም ሞያን ስራሕን ቆጺርኩም ዝተዋፈርኩም ናይ ኸተማ ሸፋቱን |Militia Dollar"!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 16 June 2024

     ካብ ኤርትራ፣ ገሌኹም ብረትኩም ደርቢኹም ገለ ናብ ሳዋ ኬድኩም ሃገራዊ ጉብእኩም ንኸይትፍጽሙ ትምህርትኹም ኣቛሪጽኩም፣ ገለ ብገንዝብ መንግስትን ህዝብን ልዑል ገንዘብ ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ተላኢኹም ንሃገርኩም ተመሊስኩም፣ ነቲ ቁልፎም ሸጥ ኣቢሎም/ ቅናተን ኣሲረን ዘምሃርኹም ክቡራት ኣኣቦታትን ኣዴታትን ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፣ ነቶም ከማኹም ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋትታት ኣብ ክንዲ ምግልጋልን ምስትምሃርን፣ ኮብሊልኩም ሳንቲም ዘየውጽእልኩም ባዕዳውያን ተገልግሉ |ግልያ ኮንኩም| ዘሎኹም [ https://www.tiktok.com/@tseg.../video/7362966103884139808...] ገለ ሰሪቕኩም ገለ ከቢድ ወንጀል ፈጺምኩም ካብ ሃገር ዝሃደምኩም፣ ገለ ቆልዑትን ትሕተ-ዕድመን ዕያውትን ጠለ-በጊዕ ምጉሳይ ገዲፍኩም ናብ ትግራይ ዝጸደፍኩምን ዝኾብለልኩምን ስድራቤትኩምን ኣዝማድኩም ጠርኒፍኩም ዘውጻእኩምን፣ ሃገር ኣብ' ትደልየኩም ጽንኩር ኩነታትን ከበባን ዕጽዋን ምሕንቖን ኩቦ ደርቢኹምላ ዝሃደምኩምን ...ወዘተረፈ፣ እሞ ብሓሶት ኣብ ኣብ ደገ ተቐሚጥኩምን ኣብ ማዕዶ ተኾይጥኩምን ኢድኩም ከየርሳሕኩምን ከይሓወስኩምን "ተቛወምቲ' ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣሎና ደለይቲ ፍትሒ'" እናበልኩም፣ ናይ ወረጃ ወሓላሉ ለመጨለ ዘረባ/ተግባር-ኣልቦ ትጸውዩን ናይ ሓሶት ተዋስኦ ትሰርሑን ምስሉያት፣ ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ እናታለልኩም ብርሂጾምን ብቐዝሒ ከርዲዶም ብሙቘት ርሂጾም ዘምጽእዎ ገንዘቦምን ብወርቃዊ ግዜኦምን ዕድላቶምን፣ ኣብ ድሕሪ-መጋረጃም ምስ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ኮንኩም [ንደቅኹምን ቤተ ሰብኩምን፣ ኣብ' ኣንጻር ኤርትራውያን ዝካይድድ ዘሎ ግብረሽበራ፣ ከምዘይተሳትፍዎም 100% ርግጸኛ'] ንባዕሉ ናይ ወንጀል ወንጀል እዩ!

     እንድሕሪ ናይ ብሓቂ "ተቛወምቲን ሓለይቲ ህዝብን" ኮንኩም ኔርኩም፣ ስለምንታይ ዕጥቅኹም ኣጸጊዕኩምን ሰንዲኹምን ኣሕዋትኩምን ስድራቤትኩምን ዕዳን ዕንዲዳን ጌርኩም |ተመዊልኩምን ለሚንኩምን| ኣሽሓት $ £ ንገበኛታት ሸየጥቲ ደቂ ሰባት ጫሕ ኣቢልኩም ኸፊልኩምን እናተቐጥቐጥኩምን፣ እታ እንኮን ሓንትን ዘይትድገምን ኽብርቲ ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ሞት ኣእቲኺም ካብ ሃገር ሃዲምኩም? ስለ ምንታይ ከምቶም ዘይድገሙ ወለዶ ኣልማዝ ዝኾኑ ጀጋኑ ሰውራውያን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን ንሜዳ ኤርትራ ዘይወረድኩም?

     እቲ ብጻዕዳ ሓሶትን ውስልትናን ውጹእ ምስሉይነትን ከም "ጸላኢን ጋኔንን ሰይጣንን ቐታልን..." ኣቐሚጥኩሞ ደዊንኩም ኳኽ ኣምሲልኩሞ ዘሎኹም መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግምባርን ጅግና ሕዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን፣ እቲ ካብ ማዕዶን ቀይሕን ጸሊምን ዝተፈላለየ ሕብስቲ እናበላዕኩም ብናይ ርሑቕ መቆጻጻሪ [Remote Control] "ሓራ ከነውጽኣካ ኢና" ትብልዎ ለዋህን ጽኑዕን ህዝብን እኮ፣ ኣብ ኤርትራ ደኣ ምበር ኣብ ኣማሪካን ሃገራት ኾባጁን ካልኦት ኣይኮኑን ዘለዉ። "ዘሕምቖ'ሎኒ ሻፎ/ሽተት በዓል 4 ጠሬሩ በትሪ ሃቡኒ" እዩ ናታትኩም ሰባት/ባእታታት ናይ ተጻታት ሕሱር ዕላማ ነገር።

     ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ' ጀጋኑ ኤርትራውያን ማሙቕ ሓዳሮምን ዝፈትዎም ደቆምን ኣደራሾም ትካላቶምን ስርሖምን ትምህርቶምን ንብረቶምን ጠንጢኖም'ዮም፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት'ውን ከይተረፈ |ኣማሪካ ኤውሮጳ ኣውስትራልያ ሶቬት ሕብረት ነበርን ኣፍሪቃን ኢትዮጵያ ሱዳንን ሶማልያን...ወዘተረፈ| ስርሖም ትምህርቶምን ገዲፎም፣ ንሓርነት ህዝብን ሃገርን ኢሎም ወርቃዊ ግዚኦምን እታ እንኮን ዘይትድገምን ኽብርቲ ህይወቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ኮይኖም ዝሓለፉን ዝተሰውኡን፣ ብጅላታት መዳፍዕን ጠያይትን ዝተበጃጀሉን ዝሰንከሉን! ከምቶም ኣብ' ግዜን ድሕሪ ናጽነትን ሳናጡኦም ጠቕሊሎም ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ኤርትራውያም፣ ምህዳምን ምኹብላልን ምፍላስ' ጠፊኡዎም ነይሩ'? እስከ ንዛረቦን ንብሎን ንጽሕፎን ብጥንቃቐ ኣቐዲምና ንሕሰበሉ!!!

     ከም ሳዕቤኑ ድማ፣ ኣብ ደገ ኩድም ኢልኩም ጸሊምን ጻዕዳን ሓንፈጽን ሕብስቲ ናይ ጓና እናኣኾምሳዕኩም ዊስኪ እናጨረምኩም፣ ነቲ ኣብ ሃገር ካብ 60 ዓመታት ጀሚሩ ምስ ዕሩቕ ዝባኑን ፍርቂ ኸብዱን|ዓሪቑን ጠምዩን| ኮይኑ፣ ምእንቲ ሓርነትን ምኽባር ልኡላውነትን ድሕነት ህዝብን ኣንጻር ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራንሓያላት ባዕዳውያን መወልቶምን ኸቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን፣ ከይሓፈርኩም ብማዕዶ ክትጻረፉን ክትድውኑን ክትራገሙን "ተቛወምቲ'" በሃልቲ ተቛመርትን ዕንኪላሎን ደለይቲ ቛንጣ ጸብሕን፣ እቲ "ተቛዋሚ" ዝበሃል ኣምር ብሰንክኹም ገጹ ተደዊኑን ማድዩን ተባላሽዩን ከም ዘሎ ክትፈልጥዎ ይግባእ።

     ብወገነይ ናይ'ዞም ግብረ-ሽበራውያንን ዕሱባትን ኸደምትን ደምበ ዕንኪላሎን፣ ኣብ ዝሓለፈ 2-4 ዓመታት ጀሚሮም እቲ ሕቡን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ደዊኖምን ጀሊሖምን ብወለንትኦምን ድሌቶምን ተጠሊዖም "ትግራዎት ኢና" ኢሎም ዝኣወጅን፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ዝወደቑሉን ዝተሰውኡሉን ዝሰንከልሉሉን ፍትሓውን ሓርነታውን ዕጥቃውን ሰውራዊ ቓልሲ ናይ ዓቀይቶት 'ሸፋቱ' ኢሎም ተጠሊዖም ዝመደሩሉን፣ ኣረሜናዊትን መስፍናዊትን ገበነኛ ጉጅለ ህውሓት/ማለሊት ነበር ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኩናት ምስ ወልዐት ስናዕ ቀያሕ መሸማዕ ጨርቂ ተጎምጒሞምን እናምበልበሉ "ትግራይ ትስዕር/ወያነ ትግራይ ትዕወት" እናጉርዑ ኣብ ጎደናትታት ኣማሪካ ኾባጁንን ከም ኣእዱግ ዘንገርገሩን ዕስለ ሃደምትን ተቛመርትን ኣምሰሉን እዮም።

     ንባዕሉ እተን ትቕመጡለን ሃገራት ሕግን ስነ-ስርዓትን ከየኽበርኩም፣ ንኣኽበርቲ ጽጥታታት 'ተን ሃገራት ብኣእማን ደኪርቢኹም ንብረተን ኣበላሺኹምን ኣዕኒኹምን ኣቃጺልኩምን፣ እተን ዝጥውራኹም ዘለዋ መንግስታት ንባዕለን ግዳይ ናታትኩም ኮይነን፣ ብግምጣሉ ድማ ንሳተን ናይ ዕስለ ግብረ-ሽበራውያንን ሎቛምጽን ከድዓትን ዕሱባትን ተበልጽትን ሓሰውትን መሕብኢ በዓቲ ኮይነን ኣሎዋ !!!......

     እዚ ኹሉ ነውራምን ውርደተኛን ዘሕፍር ተግባራት ፈጺምኩም ድማ፣ ንስኻትኩምን መሰልትኹምን ሰብኣውነትን መሰልን ፍትሕን ዘይትፈልጡ ብሃማት/ቦሶሮታት፣ ተጠሊዕኩም "መሰለልና' ንፍትሒ' ንቃለስ" ክትብሉ ኣስሕኮ ዘይብልኩም -ሰብኣውያን ጸበብቲን ሸፋቱ ኣሸበርትን ባእታታት ኢኹም። ትም ምባል'ውን ውርዝይና'ዩ። ገጽኩም ትርሓቕ!

     ነቶም ሰሪሖምን ጽዒሮምን ርሂጾምን ህይወቶም ዝመርሑ ሰላማውያን ኽቡራት ኤርትራውያን ድማ፣ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታትን ዓመታዊ ንግደታትን ብሓንሳብ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃገሮምን ባህሎምን ከይዛተዩን ንሓድሕዶም ከይላለዩን ሁኰት ክትፈጥሩን ክትብትኑን ትፍትኑን፣ ከም ገለ ሕዋሳት ዝተተንከፈት ሓንጎል ዕስለ ጽሉላት ተኣኪብኩም በባትርን ሓጺነ-መጺንን ካልኦትን ክትስሃልዎም ህይወቶም ክትቀጥፉን ምጉያይን፣ ኣብ ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራን ባህልናን ፍጹም ተራእዩ ኣይፈልጥን'ዩ። እዚ ድማ ምስ 'ምቅዋምን ፍትሕን ዘራኽብ ፍጹም የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዕድልን ኣጋጣምን እንተረኺብኩም ከም ጥሩፋት ኣመንቲ ክርስትና ነብሲ-ቕትለት ዝፍጽሙን |ንኣብነት ኣብ 1970ታትን 1990ታትን ኣብ ኣመሪካን ደቡብ ኣማሪካን ዝተፈጸመን| ሕሉፋት ኣረሜናውያን |Religio-Fascism| እስላማውያ ኣልካዒዳን ኣይሲስ ቀተልትን ክትኾኑ ትኽእሉ ኢኹም!

     *እዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መሳኹትን ድሕረ-ገጻትን ናይ እኩይ ጽንተት ስነ-ሓሳባት፣ ብቓልን ሓረጋትን ጽውያን መደረን ብተንቀሳቓስን ደረቕን ስእልታት ብጭብጢ ተሰኒዱ'=>.....

~~~~~~~~~~~~

*=> ውፉይ/ውፉያት!!!

https://www.facebook.com/share/v/w3HYdxcyYzAFzAp9/

*=>ኣድቂቕካ ዝሓየኽካዮን ቀስ ኢልካ ዝሰተኻዮን ሓሲብካ ዝጸሓፍካዮን፣ እቲ ኣይሓንቕ እዚ ኣይስርንቕ እቲ ኻልእ'ውን ኣየሕፍር ኣየንዕቕ !!!

https://www.facebook.com/share/v/QaT2m5pvw6dKp4FB/

*=> ሓንቲ ቦሶሮ ትግራይ ትስዕር ገለመለ ውሒጣ ወይ ድማ መርቂና ትህውትት፣ እቲ ሓደ

https://www.facebook.com/share/v/xcx9jCi6Jfj2fGBX/

*=> ነዚ ጐሓፍን ውዳቕን ሸንፋው ኣፍ ጋብላን መሰልቱን ገለ መትከልን ዕላማ- ኣልቦ

https://www.facebook.com/share/v/5b8u3kPQwiK9b9z4/

. *=> ብሩህ መጻኢ ትግራይን |TDF|<=>ቀይዲ-በተኽ [ስርዓተ-ኣልቦ] ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ ዘራፊ ትግራይን |TDF|ይእክል ትግራይን |ትግራይ ትስዕር| መሰልቶምን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጻት'ዮም!...

https://www.facebook.com/share/v/b4Q7oBtxaRuqYjri/

*=>መውጠይጠይትን ዘማሪትን ብዶላር ኣማሪካን ኤውሮን ውተፋ ዝሰኸረትን ዝመርቀነ

https://www.facebook.com/share/v/vcuUFdXuCJ1KmjPK/

*=>ዕስለ ዕንኪላሎ ይኣክል ወያነ ትዕወት፣ "ካባኹም ናባኹም ንሕና ተዓዘብቲ ኢና"!

https://www.facebook.com/share/v/WXfM7Yuk63KJX6HD/

*=> "ናይ ዓራት ትሕቲ ኾበርታን ሽልማት ሃምቦፍ ተጋሩን ጉዳማት ተቛመርቲ ዝካይዱዎ ናይ 'ዓራት ቓልሲ' "! ሚያዝያ 11, 2023

https://www.facebook.com/share/v/7cZie9V2CBHo2E4p/

*=>"ንሕና ነዞም ኤርትራውያን እንተ ዘይስዒርና ነዞም ሻዕብያን ደገፍቶምን ዝበሃሉ ኤርትራውያን እንተዘይስዒርና'ሲ፣ ኣበይ ደኣ' እቲ ዓወትና? ዓወትና' ነዚ'ኣኦም ምስዓር'"!

https://www.facebook.com/share/v/1dtDXVFVkg5btMwH/

*=> ተቛመርቲ ደንበ ዕንይንይ ደለይቲ ጽብሕን ትግራይ-ትግርኝን ጸላም መጻኢን ይኣክል

https://www.facebook.com/share/v/TVoDPnj7RZ6keqKn/

--------------------------------

 

     ሕጂ' ኸኣ እቲ ሕሱር ብእምነትን ሃይማኖትን ናይ ቀዳም ምምሕዳራዊ ዞባታትን|ባዕዳዊ ቛንቛታት ወረዳን ኣውራጃን| ቀቢላን እንዳን ከባቢን ድሑርን ጸቢብን ናይ ምፍልላይ ሸርሕታት ምስ ፈሸሎም፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምጅማር ሰውራዊ ዕጥቃዊ ቓልሱ 01 መስከረም 1961-በዓል ሓርነትን ናጽነት ኤርትራ 24 ጉምቦት 1991-ዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣትን 20 ሰነ ዓመታዊ ህዝባዊ ንግደታቱን ንኸየብዕል ሰንደቕ-ዕላምኡ ንኸይሕዝን ምኽታርን ምኽልካልን፣ በባትርን ካራሩን ጌርካ ቆልዓ-ሰበይቲ ህዝቢ ምስሃልን ምህራምን፣ ኣብ ግብረ-ሽበራን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምእካብን ምዝራፍን ንግድን ሰጊሮምን ተዋፊሮምን ኣሎዉ።

     እዚ ኹሉ ከይኣኽሎም ድማ፣ ኣብ ቤተ እምነትን ጸሎትን |ቤተክርስትያናት| ኣትዮም ብዘሕንኽ እኩይ ተግባር ንኻህናትን ምእመናንን ምርባሽን፣ ኣብ ውራያት ውልቀሰባትን ሰብ ሰሪሑ ከይበልዕን ስድራቤቱ ከይኣልን ከይጥውርን፣ ከም ዕስለ ኣኽላባትን ሸፋቱን ከቲርካ ምቕጥቃትን ምስንካልን ምቕታልን፣ ከውታ ጸልማት ለይቲ ከለላ ጌርካ ከይተረፈ'ውን ነቶምም ንጹሃት ኤርትራውያን ሃገራውያን ተኣኻኺቦም ናብቲ ገዛውቶም ከይዶም ድቃስ ክኸልእዎምን ክሃርምዎምን ይረኣዩ ኣለዉ። ሃገረ-እስራኤል ናይ' ኣጸያፊ ግብረ-ሽበራ ኣብነትን ጭብጥን እያ።

     እዚ ጉዳይ ኣብ ሓደገኛ መርበብ ቱኽቶዃን [Tiktok] መሳኹትን መናፍሕ ሓሶታት ጥሩምባ [ብኣሉታዊ ጐድኑ] ኣብ ክንዲ ዝመሃሩሉን ፍልጠቶም ዘስፍሑሉን፣ ንሓያሎይ መንእሰያትናን ዓበይቲ ከይተረፉ ከም ናይ ዕጸ-ፋርስ ወልፊ ሓኒቑ ሒዙ፣ ንካልኣይ ግዜ ዘይድገም ወርቃዊ ግዚኦም ኣባኺኑን ናይ ዓውደ ስነ-ፍልጠታትን ዝተፈላለዩ ሞያታትን ዝመሃርሉን ዝቐስምሉን ዝውንንሉን ዕድላት ኣቃጺሉን፣ ባሮትን ግዙኣትን ናይ' ትካላት ዕንወት ጌሩዎም ኣሎ። ካው' ሓሊፉ'ውን፣ ናይ ዘይእዱብ ነውራም ቃላትን መዋግእን ፈኸራን ጃህራን ምፍርራሕን መርዛም ጽልእን መስፋሕፋሕ፤ ናይ ጽንተት ድምጺ ቆፎታት |ራድዮ| ወጋሕታ ትግራይን ሩዋንዳ 1994 ዝመሳሰል መናፍሕ ወሪዱ፣ እቲ ዝኸፋአን ዘጸይፍ ድማ ኣጽፋሩ ገቲሩ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳርን ፍቑራትን ኣትዩ፣ እቲ ጽውያ ብቖምሽውሽጥን |ሞታንትን| ኮይኑስ፣ ንህይወቶም ማንካ ዘየልዓሉላ ኽቡራት መንእሰያት ናይ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ህይወቶም ብሞት ይቕዘፉ ኣለዉ! እዚ ግብረ-ሽበራ' ከይሳዕረረ እንከሎ፣ ብሕጋዊ መዳይ ደው ክብልን ከብቅዕን ኣለዎ።

     ኣብ መወዳእታ፣ ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘሕብን ትሪኹምን ኣብ'ተን ሰለስ ሃገራዊ ኣዕኑድ ዝኾና ሃገራዊ በዓላትኩክምን [01 መስከረም 1991 24 ጉምቦት 1991 20 ሰነ...] ህዝባዊ ኣኼባኹምን ዓመታዊ ናይ ምትእኽኻብ ንግደታትኩምን መንፈሳዊ ትካላትኩምን |ቤተ-ክርስትያናትን መሳጊድን| ውልቃውን ዕለታውን ሰላማዊ ውራይኩምን ንጥፈታትኩምን ክርብሹን ከዕገርግሩን ንዝመጽኹም ኩሎም ተጻባእትን ስርዓተ-ሕጊ ኣልቦ ቀይደ-በተኻት ግብረ-ሽበራውያን፣ "ርእሰ-ምክልኻል" ዝብል ሕጋዊ ኣምር ስለ ዘሎ ተወዲብኩም ንኽብረትኩም ሃገርኩምን ማንነትኩምን ባህልኹምን ኣነባብራኹምን ብትብዓት ክትከላኸሉ ይላበወኩም!!!

 

                                                             <2>1•2•3•4•5•6•7•8•9•<2>

 

•√> ብዙሕነትን ጽባቐን ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√> ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንጀጋኑ ስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትናን!!!

•√> ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ኣሎና ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት፣ ብድሩት ዘቤታዊ ዓቕሚ ሃገር ኣብ ምህናጽን ምምዕባልን ልኡላውንት ሃገር ምሕላውን ምውሓስን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ኣርካናት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን ንጡፋት መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

•√> ውድቀት ንሓሳዊ መጣቖሲ ፈሽፋሽ!

•√> ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

30 ጉምቦት 2024

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

*=>"እናተቓለስና ሃገር ከነዐሪ፣ ኣሸጊሮሙና በዓል እከይ ግብሪ"

Eritrean Music E.P.L.F.

[Eritrea HBO]

https://youtu.be/E03D7SqYAOE?si=It5wUFF9z1TVOXdG

******

 


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events