Dehai News

ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ወሲና | ቢቢሲ ትግርኛ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 24 July 2024

ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ወሲና

 ረቡዕ 24 ሓምለ 2024
ደስታአን ዝገልጻ ኣዋልድ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ
ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራታት ከቋርጾ ከምዝወሰነ ብዘውጽኦ ምልክታ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ‘ናብ ኵሎም ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ ናብ ከምዚ ውሳነ ክበጽሕ ዘገደዶ ምኽንያታት ብምንጥቃስ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዱ በረራታት ከቋርጽ ምዃኑ ገሊጹ።

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ “እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998 ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከምዘቋረጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ [2018] ስሩዕ በረራኡ ዳግም ጀሚሩ።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ እቲ መገዲ ኣየር ብስሩዕ ካብን ናብን ኣስመራ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ኣብዚ መግለጺኡ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን፡ ብወገን በዓል መዚ ሲቭል ኣቭየሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ” ምባሉ ጠቒሱ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረረታት ከቋርጽ ተወሲኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኵሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕዕዞኦም ከይሰናኸል ብእዋኑ ኣማሪጺታት ከናድዩ ተላብዩ።

ብዙሓት ተጓዓዝቲ እዚ መንገዲ ኣየር፡ ዋጋ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝተጋነነ ከምዝዀነ ብምሕባር መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2018 ክጅምር እንከሎ ንኣብነት ካብን ናብን ኣስመራ ናይሮቢ 400 ዶላር ዘኽፍል ዝነበረ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1300 ዶላር ከምዝደየበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት መስመራት እውን ብዝተመሳሳሊ እቲ ዋጋ ኣመና ከቢድ ከምዝዀነ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ዝብል መረረታት ክስማዕ ጸኒሑ ነይሩ።

ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ ተጓዓዝቲ "እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋታት ኣመና ተጋኒኑ’ዩ" ክብሉ ጽኒሖም እዮም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ዋጋ ትኬት ወሰኽ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።

ይዅን’ምበር፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ትኬትን ሕጂ ዘሎን ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ንሓደ በረራ 279 ዶላር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ንኣፍሪቃውያን ናብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ “ንኣፍሪቃውያን ወገናትና ንምብዝባዝ ዕላማ የብልናን” ኢሉ እዩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ፡ እንትርፎ እቲ ሓሓለፉ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከቋርጾ ዝጸንሐ በረረታት፡ መዓልታዊ በረራታት ካብን ናብን ኣስመራ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ናብ ኤርትራ ብዘይካ መንገዲ ኣየር ኢትየጵያ፡ መንገዲታት ኣየር ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ዱባይን በረራታት የካይዳ’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢጣልያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መንገዲ ኣየር ኢጣልያ ናብ ኣስመራ በረራ ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ነዚ እዋናዊ ውሳነ ኤርትራ ኣመልኪትና ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።




Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea

Dehai Events