Dehai News

ሃገር ናይ ኩሉ'ያ፡ ጨለ ዘረባ፡ መንከ'ኣይኮነትን ኢሉ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 19 October 2024

ሃገር ናይ ኩሉያ! ጨለ ዘረባ፥ መንከ ኣይኮነትን ኢሉ?

ሃገር ናይ ኩሉያ ክበሃል ከሎና እንታይ ማለትኮን ይኸውን? ሃገር ናይ ኩሎም ዜጋታታ ምዃናኸ መን ይጠፍኦ? ናይዚ ሕቶዚ መበገሲ እንታይ ኮን ይኸውን? ነዚ ኣበሃህላዚ ዝጥቀሙሉ ሰባት መብዛሕትኦም ዳርጋ ኩሎም ኣበርክቶ ዘይገበኡሩ ወይ ተጻባኢቲ መንግስቲ ኢዮም።  መንግስቲ ምጽባእ ማለት ሃገር ምጽባእ ማለት እዩ፣ ሃገር ምጽባእ ህዝቢ ምጽባእ ማለት እዩ። ህዝቢ ዝጻባእ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ሃገር ናይ ኩሉያ ክብል ኣይክእልን። ሕልናዊ ቅሳነት ስለ ዝሰኣነ እዩ ነዚ ዓይነት ሕቶ ዘልዕል። ኣብታ ጌጋ ኣተሓሳስብኡ ምስ ደረቐ ክም ንቑጽ ጉንዲ ኣይተዓጻጸፍን (ደጊሙ ኣይሓስብን)። ጉንዲ እኳ ቦኽቡኹ ምስ ሓመድ ተሓዊሱ ድኽዒ ኮይኑ ነቶም ህልዋን ኣትክልቲ ዝያዳ ሂወት ይህብ።

እሞ ሃገር ንመን ትብጽሖ ካብ ኮነ እቲ ሕቶ ብዘይ ቀልዓለም መልሱ ብቕዳምነት ነቶም ዝተቓለሱላ፡ ዝደኸሙላ፡ ዝተሰዉኡላ፡ ዕድመ ንእስነቶም ዝኸፈሉላ፡ ጉልበቶም ዘወፈዩላ፡ ፍልጠቶም ዘበርከቱላ፡ ገንዘቦም ዝሃቡላ፡ ንብረቶም ዝወፈዩላ፡ ብሕልናን መንፈስን ዝጽሉዩላ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቶም ብደመም ዝከላኸሉላ ትብጽሖም።  ብጀካቶም ሕልናዊ ቅሳነት ሲኢኖም ዘይሕተት ሕቶ ዝሓቱ ገዲፍካ፡ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ በብክእለቱን ሂወቱ፡ ንብረቱን ፍልጠቱን ጉልበቱ ገንዘቡን ጾሎቱን ስለ ዘበርከተ ሃገር ሃገሩያ።

ጽሑፈይ ብኣብነት ጌራ ክድምድም። ሓንቲ ስድራ ክልተ ውላድ ዝነበሩዋ ነበረት። ወለዲ ብዕድመ ዝደፍኡ ስለ ዝነበሩ ኩሉ ትጽቢቶም ካብቶም ክልተ ደቆም ነበረ። ሕቲ ሓደ ወዶም ህርኩት ነቲ ናብራ ልክዕ ከም ዎሎዱ ኮይኑ ተተሓሓዞ። እቲ ሓደ ግን ኣየውፍር ኣየእቱ ሃካይ ነበረ።  ወለዲ እርጋኖም ገንፊሉ ናብ ምስንባት ኣቢሎም ስለ ተጋማገሙ ንደቆም ጸዊዖም ከውርሱዎም መደቡ። ነቲ ህርኩት ስለቲ ጽቡቕ ጌሩ ዝናበዮም ኣርባዕተ ሕሚስት (4/5) ኣውረሱዎ። ነቲ ሃካይ ዘይግደሰሎም ዝነበረ ስለ ዝወለዱዎ ጥራሕ ሓደ ሕሚስት (1/5) ኣውረስዎ። ኩሉ ዝዘርኦዩ ዝሓፍስ። ጽቡቕ ዝገበረ ጽቡቕ ይሓፍስ። ሕማቕ ዝገበረ ሕማቕ ይሓፍስ።  ኣራጢጥካ ሓንቲ ከይገበርካ ሃገር ናይ ኩሉያ ኢልካ ወዲ ሃገር ክገብሮ ዘለዎ ኣበርክቶ ከይገበርካ ነብስኻ ምስቶም ዝገበሩላ ምስራዕ ሃገራዊነት ኣይኮነን። ንሃገርካ እትገብሮ ከከም ዓቕምን ክእለትን ትሕዝቶኻን እዩ።

ሰማእታትና ብስራሕና ይደበሱ።



ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events