Dehai News

ከይፈተኑ ዝተማረኹ እንታይ ይብሉ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 21 October 2024

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ፍሽለት ኣሜሪካ ዝረኤናሉ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ምስ ኣሜሪካ ከይተሰማማዕካ ክንበር ኣይከኣልን ዝብሉ ናይ ከይመከቱ ዝተማረኹ ሙሩኻ ዘረባ ክስማዕ ብሓደ ወገን የስሕቕ ብሓደ ወገን ከኣ የሕዝን። ገበል ዝሃበካ ተቐበል፥ ንዓና ንኤርትራውያን ኣበደን! (ሓያላን ዝበሉኻ ተማእዘዝ ማለት’ዩ)
ምሳና ምስ ኤርትራውያን ገበል ዝሃበካ ተቐበል ኣይሰርሕን። ገበል ከይውሕጠና ኣይንፈርሕን። ሓቂ ሒዝና ሕንዚ ገበል ነምክኖ።  ቀደም እኳ ተረሲዕና ኣብ ዝነበርናሉ ዘይፈራህናን ዘይተንበርከኽናን ሎሚ ግዳ ዓለም ፈሊጥዎ ሓቅና፣ ኤርትራዊየ ንብል ኣፍልብና ነፊሕና፣ ባንደራና ኣብ ኩሉ ተንበልብል ትነግር መን ምዃና፣ ዓሻ ጥራሕዩ ዝብል ንግበር ኣሜርካ ዝበለትና። ወዮድኣ እዞም ሙሩኻት ኣመዛዚኖም ዘይዛረቡ። ግዜን ኩነታትን ዘየንብቡ ኮይኖም እምበር፣ ኣሜርካስ እንተ ብልቦና ወይስ ብትንኩልና ምሳና ክትመጻደቕ ፍሑኽ ትብል ዘላያ ትመስል። እንተ ንሕናሞ ሰላም ንዝደሊ ሰላም ኢና። ጉዳይ ኣሜርካ ግን ተመን ዝረኤ ብልሕጺ ተዳህለ እዩሞ ፍልልይ ልሕጽን ተመንን ጽቡቕ ጌርና ኢና ነለልዮ። 


ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events