ኣብ ሞንጎ ሓደ ዓላማ ዘለዎም ሰባት፡ ጉጅለ ወይ ውዳቤ፡ ፖሎቲካ ከም ሃይማኖት እመን ወይ ክሓድ ኣይኮነን። ዕገብ ወይ ኣዕግብ፡ ኣስምዕ ወይ ስማዕ፡ ኣረድእ ወይ ተረዳእ፡ ኣብ ዝብል ስነ ሞጎትስዊ ትንታኔ ተሞርኲስካ ዝግበር ክትዕ እዩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ክትዕ ግላዊ ዘሰሓሕብ ዘጻልእ ነገር የብሎምን። ብሓሳብ እንተተረዳዳእካ ኣብ እስትራተጂ ክትፈላለ ልሙድዩ፡ ኣብ ተግባር ግን ዘፈላሊ የለን። ካብዚ ወጻኢ እንተኾይኑ ግን ብዓላማ'ውን ኣብ ሓደ ኣሎኻ ኣየስምዕን።