Dehai News

ህዝባዊ ግንባር።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 23 December 2024

ህዝባዊ ግንባር ንዓለም ዘገረመ ታሪኽ ዝሰርሔ ውድብ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪኽ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ጽንኩር መድረኽ ቃልሲ ዝብላዕ ዘይነበረሉ ህሞት ምስ እንስሳ ዘገዳም ተቓጺጹ ቆጽለመጽሊ በሊዑ ኪዳኑ ከይጠለመ ዓወት ዘምጽኤ ሰውራ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ብቑሪ ሮርሓባብ ተጨቢጡ፡ ብህሮሩማ ጸሓይ ደንከል ተቖልዩ ቁልፉ ዘይፈትሔ፡ ዕጥቁ ዘየውረደ ግንባር እዩ። ነቲ ኣይክኣልን ዝተባህለ ግጥማት መነባብሩኡ ከይሓንኮሎ መኪቱ ዝተዓወተ ግንባር እዩ። ስም ህዝባዊ ግንባር ብዝፈሸሉን ዝተዓስቡን ክዝንጠል ከሎ ድፍረት ንህዝብናን ንኽብርናን ነጻነትናን እዩ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር መንፈስ ህዝቢ እዩ። መንፈሱ ዝተነኽኤ ህዝቢ ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ማለት ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ማለ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ንህዝባዊ ግንባርን ህዝብን ከፈላሊ ዝፍትን ዕሱብ ይኹን ሃሱስ፡ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይደገ ዕጫኡ ፍሽለት እዩ። ፍሽለት ከኣ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕዱር ሕማምዩ። ህዝባው ግንባር ይመክር ኣሎ። ዝረሓቐ ክቐርብ፡ ዝተጋገ ክእረም፡ ዝጠለመ ክጥዓስ። እዚ ዓይነት ዕድል ዝህብ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕዩ። 
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ፡

ተጋዳላይ ስዩም ኪዳነ - ምሽጥራዊ ልኡኽ፡ብዓል ሞያ፡ ስፖርተኛ|Seyoum Kidane - Secret agent & freedom fighter - ERi-TV

Dehai Events