Dehai News

ሢመት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤርትራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 07 February 2025

Eritrean Orthodox Tewahdo Church 
1. ነገረ ልደት ወልኅቀት
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ፈራሕያነ እግዚአብሔር ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ መንፈሳውያን ስድራቤት፡ ኣቦኦም ቀሲስ ተስፋይ ዳፍላን ኣደኦም ወይዘሮ ክብራ መልከን ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ሽምዓንዲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ ዓመታዊ ክብረ በዓል ታቦት ዓዶም ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ዝኽበረሉ ዕለት 19 ታኅሣሥ 1947 (28/12/1954 ዓ.ም.ፈ.) ተወልዱ። ኣብ መበል ፵/40 መዓልቶም ጸጋ ክርስትና ሃብተ ውልድና፡ ኣብ ትውልዲ ዓዶም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ቅዱስ ገብርኤል ተጠምቁ`ሞ ናይቲ እዋን ስሙይ ሊቅ እቲ ከባቢ ዝነበሩ የኔታ ሃብተማርያም ‘ኤልያስ’ ኢሎም ሰመይዎም። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ብሕፃንነቶም “ወልህቀ በበህቅ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ። ንኣዝማዱ እናተኣዘዘ በብቑሩብ ዓበየ።” (ሉቃ. 2፥51) ከም ዝተባህለ ንስድርኦም ብምእዛዝን ብምግልጋልን ዓብዮም፡ ዕድሜኦም ንትምህርቲ በጺሑ ኣእምሮኦም ቀለም ክቕበል፡ ልሳኖም ቃላት ክናገር ምስ ጀመረ፡ ኣብ ዓዲ ጋውል መባእታዊ ኣካድያማዊ ትምህርቲ ተማህሩ።
ግብረ ዲቁና ኣብ መበቆል ዓዶም ኣብ እግሪ ናይ ሥጋ ወላዲኦም ዝኾኑ መልአከ ሰላም ተስፋይ፡ ካብ መልክአ ፊደል ክሳብ ጸዋትወ ዜማ ምስ ተማህሩ፣ ብበዓለ መንፈስ ቅዱስ 1965 (1972 ዓ.ም.ፈ.) ካብ ብፁዕ አቡነ ሚካኤል ኣብ ኣሥመራ መዐርገ ዲቁና ተቐበሉ። ብዕድመን ብፍልጠትን ኣብ ዝዓበይሉ፡ ንኃዎም ከብጽሑ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ከዱ እሞ፣ ኣእዛን ዘጥልል ብዜማ መላእክት ዝተዓጀበ ቀለምን ውሽጦም ዘስተማቐሮ መንፈሳዊ ሰላምን ናይቲ ገዳም፣ ብዝመጽዎ መገዲ ምምላስ ከልኦም። ስለዚ ድማ ወላ እዃ ሸውሃት መንፈሳዊ ትምህርቶም ገና እንተዘይዓገበ፡ ፍቕሪ ገዳማዊ ሕይወት ደሪኽዎም፡ ካብ ሕጊ ሥጋ ሕገ ነፍስ ከም ዝበልጽ ዝተፈልጠ’ዶ ኣይኮነን ብዝብል መንፈሳዊ ትሩፋት፤ “ምንተ ይበቊዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኀጉለ። ሰብከ ንኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ።” (ማቴ. ፲፮፥፳፮/16፥26) ንዝብል ቃል ጐይታ ዘኪሮም ብገዳማዊ ሕይወት ንእግዚአብሔር ንምሥማር፡ ኣብ መበል 18 ዓመት ዕድሜኦም ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ኣተዉ። ገዳም ደብረ ድማኅ፡ ናይ መንፈስ ውሉድ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብዝኾኑ አቡነ መርቆሬዎስ ኣብ 14 ክ.ዘ. ዝተገደመ፣ ካብ ኣሥመራ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ምምኅዳር ቆላ ሰራየ ተዶኪኑ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም እዩ። ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን፡ ልዕሊ 300 ዓመት ዘቑጸሩ ቅዱሳን ሥዕላት፡ ተፈጥሮኣውያን ናይ ከውሒ ኣጋንእ፡ ናይ አቡነ መርቆሬዎስ ዘጋል መስቀልን ካልኦትን ንዋያተ ቅድሳትን ዝውንን ንነዊሕ ዘመናት ማእከል ናይ ቅኔ፡ ኣቋቋም፡ ዜማን ቅዳሴን ትምህርታት ብምዃን ከገልግል ዝጸንሐ፡ ብሥርዓተ ጳኩሚስ ዝመኃደር ገዳም እዩ።
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ “ከይተመሃሩ ኣይፈልጡን፡ ከይፈለጡ ድማ ኣይጸድቁን” ንዝብል ናይ ኣበው ምኽሪ መሠረት ጌሮም መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምቕጻል፣ ንነዊሕ ዓመት ብናይ ቅዳሴ ኣገልግሎትን ናይ ዜማ ትምህርትን ዓቢይ ስም ኣብ ዘለዋ ገዳም አቡነ መርቆሬዎስ፡ ጉባኤ ዘርጊሖም ኣርድእት ብምእካብ ሥሙያት ሊቃውንተ ሃገር ካብ ዘፍረዩ ዓቢይ ሊቅ የኔታ ገብረ እግዚአብሔር፡ ግብረ ክህነት ምስ መዝገብ ቅዳሴ ኣጠናቒቖም ተመሃሩ። ቀጺሎም ካብ ትምህርቲ ናብ ትምህርቲ ብምስጋር ሃብተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅኔ ምስ ኣገባቡ ካብ የኔታ ዮሓንስ ድኅሪ ምምሃሮም፣ ናብ ወገራ በንከር ልደታ ለማርያም ብምኻድ ሰማያዊ ምስጋና ኣቋቋም ካብ መምህር የኔታ መርሓጽድቅ ቀሲሞም ብ1980 (1987 ዓ.ም.ፈ.) ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ናብ ገዳም ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዓዶም ዘመናዊ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ክሕነፅ ምስ ረኣዩ፣ ብዘይ ኣገልገልቲ ደኣ ንኽዕጾ`ዶ ተሓኒፁ ብዝብል መንፈሳዊ ቅንኣት ንዓመትን መንፈቕን ተቐሚጦም 27 ዲያቆናትን ካህናትን ኣፍርዮም ናብ ገዳሞም ኣተዉ።

2. ኑባሬ ገዳም

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ገዳም፡ ማኅበር ከይብደል መፍቅደ ደብር ከይጎድል ብማለት ደኺሙኒ ከይበሉ ትሕትና ብዝመልኦ ንቕሓተ ሕሊናን ትግሃት ርድእናን ንኣረጋውያን ክረድኡ፡ ንማኅበር ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ፤ ብቁርጺ ውሳኔ ንዓለም ሓዲጎም ኣመኩሮ ኣተዉ። ገዳማውያን ኣበው ርድእናኦምን ኣገልግሎቶምን ብምምዛን ‘ይደልዎ’ በልዎም እሞ፣ ብዕለት ፲፮ ሓምሌ ፲፱፻፹፮ (23/07/1994 ዓ.ም.ፈ.) ካብ ኢድ ቆሞስ አቡነ ዑቕባሚካኤል፡ አባ ኤልያስ ተባሂሎም ሰማያዊ መዓርግ ዝኾነ ኣስኬማ መላእክት፡ ምንኵስና ተቐበሉ። ነዊሕ ከይጸንሑ ብዕለት 29 ነሓሴ 1986 (04/09/1993 ዓ.ም.ፈ.)ድማ ብኢድ አቡነ ፊልጶስ ኣብ ኣሥመራ መዐርገ ክህነት ተቐብኡ።
ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣትኂዞም “ዘኢያጥብዐ ወዘኢነሥአ መስቀለ ሞቱ ወዘኢተለወ ድኅሬየ ኢይደሉ ሊተ ወኢይክል ይጸመደኒ። ጨኪኑ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ እትፍለየሉ መከራ ተቐቢሉ ዘይሰዓበኒ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።” (ማቴ. 10፥38) ንዝብል ትምህርተ ወንጌል መሠረት ብምግባር ከይሰልከዩ ኣርዑት ምንኵስና ጸዊሮም ነፍሶም ንእግዚአብሔር ሥጋኦም ንማኅበር ብምውፋይ ‘ረድእ ዘበጥብአት’ ኮይኖም ማኅበር ኣብ ዝለኣኾም ብዙኅ ናይ ርድእናን ልምዓታውን ሓዋርያውን ዕዮታት ከም ረድኢ፡ ሊቀ ረድእ፡ መጋቢን ሽማግለን ብምዃን ንከባቢ 26 ዓመታት ኣገልገሉ። ንህልውና ማኅበር ዝፍትን ደርቕን ሕጽረት እቶትን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ክሳዕ ኣድያቦ ትግራይ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ክሳብ ተከዘ ከይተረፈ ብምኻድ ተልእኾ ማኅበር ይፍጽሙ ነበሩ። ብተወሳኺ እውን ናብ ደምበላስ፡ ሻንብቖን ካልኦት ከባቢታትን ብምዛር ንገዳም ክዕንግሉ ላዕልን ታሕትን ብምባል ኣብ ምስጋር እቲ ጽንኩር እዋን ዓቢይ ኣበርክቶ ምግባሮም ዘይርሳዕ እዩ። ብተወሳኺ ጎኒ ጎኒ ናይ ርድእና ተልእኾ ማኅበር፡ ኣብ እግሪ የኔታ ገብረእግዚአብሔር ብምዃን ብዙኃት ኣርድእት ምሂሮም ምፍራዮም ይዝከር።

3.ገዳማዊ ንጥፈታትን ልምዓታዊ ሥራሓትን

ድኅሪ ዕረፍቲ ኣበምኔት ገዳም ዝነበሩ ቆሞስ መምህር ዑቕባሚካኤል፣ ብማኅበር ናይ ልቦናኦም ስፍሓት፡ ናይ ኣእምሮኦም ርቀት ተመዚኑ ምስ ተመርጹ፣ መዓርገ ቁምስና ካብ ብፁዕ አቡነ ዲዮስቆሮስ ተቐቢሎም፣ “እስመ መምህረ ሕግ መምህር ኤልያስ አበምኔት ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ።” ብምባል አበምኔት ገዳም ደብረ ድማኅ ኮይኖም ተሾሙ። ካብ ዕለት 29 ታኅሣሥ 1995 - 10 ሓምሌ 1997 (07/01/2003 – 17/07/2005 ዓ.ም.ፈ.) ብደረጃ መምህርነት ኣብ ዘገልገሉሉ እዋናት፣ ኣብ ገዳሞም ዓበይቲ መንፈሳውን ልምዓታውን ሥራሓት ኣሰላሲሎም እዮም።

ዋላ እኳ ዝበዝኀ እዋን ኣብ ተልእኾን ጉስነትን ካብ በረኻ ናብ በረኻ እናበሉ ዝሓለፍዎ እንተኾነ፣ ቅድሚ መምህርነት ምሻሞም ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ቀሊል ዘይኮነ ኣበርክቶ ምግባሮም ይዝከር። ንኣብነት ዝኸውን ዘመናዊ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ምንጪ ማይ እቲ ገዳም ዝኾነ ከትሪ ንእሽቶ ሓጽቢ፡ ሓደ ደርቢ ዘለዎ መዕረፊ ኣጋይሽ፡ እንዳደወል፡ ክልተ ዓበይቲ ባስካ ምጥቃስ ይከኣል።
4. ሢመተ ጵጵስና

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ድኅሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ገዳማዊ ሕይወት ንዝዓበየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ጻውዒት ካብ ገዳሞም ናብ ኣሥመራ ንኽመጹ ጻውዒት እኳ እንተመጾም፣ “ኢትኩን መፍቀሬ ሢመት” ዝብል ናይ አበው ቃል ዘኪሮም ኣበዩ። ደኃር ግና ብብዙኅ መጠንቀቕታን ትእዛዝ ገዳምን መጺኦም፡ ብዕለት 10 ሓምሌ 1997 (17/07/2005 ዓ.ም.ፈ.) ብኢድ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ሥርዓተ ሢመት ጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙሎም ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ተባሂሎም መዓርገ ጵጵስና ተቐብኡ።

ድኅሪ ሢመቶም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ብምዃን 7ተ ዓመታት ኣገልገሉ። ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብፍጹም ትግሃትን ሃይማኖታዊ ቅንኣትን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝለኣኾም ሓዋርያዊ ተልእኾ ብምንጣፍ ብቊጽሪ ብዙኃት ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ቀብኡ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ብዕለት 11 መስከረም 2005 (21/09/2012 ዓ.ም.ፈ.) ናይ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጳጳስ ኮይኖም ድኅሪ ምምዳቦም፣ ከም ቀዳማይ ሥርሖም፡ ቀዲሙ ብብፁዕ አቡነ ዮሓንስ ዝጀመረ ልዕሊ ኃሙሽተ ሚልዮን ዝግመት፡ 42 ክፍልታት ዘለዎ በዓል ክልተ ደርቢ ሕንፃ ቤት ጽሕፈት ካብ ውልቀ ሰባትን ማኅበራትን ገበርቲ ሠናይ ብምትኅብባር ብኸቢድ ጻዕሪ ኣብ ፍጻሜ ኣብጽሕዎ። ጎኒ ጎኒ ካልእ መንፈሳዊ ዕዮታት ጉልበቶም ከይተረፈ ብምሕዋስ ዓቢ ባስካ ሓነፁሉ። ጸኒሖም ድማ ምስ ምምኅዳር ዞባ ብምርድዳእ ፕሮቶኮሉ ዝሓለወ ልዕሊ 220,000.00 ናቕፋ ዝወድአ መንበረ ጵጵስና ኣሥርሑ። ንነዊሕ ዓመታት ብነበርቲ ከባቢን ተማሃሮን ሓመልማሎ ንዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ቤተ ክርስቲያን ንምምላስ፣ ካብ ፍቓድ ዋኒን መሬት ምውጻእ ክሳብ ምንባር እምነ መሠረትን ምቕባእን ብምስታፍ ንዝነበረ ሕጽረት ፈትሑ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣገልግሎቶም ብምስፋሕ ኣብ ሓሌብ መንተል ተዛረብቲ ቋንቋ ብሌን ዝጥቀሙሉ ቤት ጸሎት ኣሥርሑ፡ ኣብ ዓዲ ሽርድባ ንኡስ ዞባ ዓዲ ተከሌዛን ቤተ ክርስቲያን ባሪኾም ታቦት ኣእተዉ፡ ኣብ ዓዲ ጉሽ ንኡስ ዞባ ዒላ በርዕድ ጸገም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ንዝነበሮም ሽግር ንምፍታሕ ገበርቲ ሠናይ ወዲቦም ቤተ ክርቲያን ብምሥራሕ ባሪኾም ታቦት ኣእተዉ፡ ታሪኻዊ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ቁስቋም ዳግማይ ብምብርባር ታቦት ኣእትዮም ሥርሑ ከም ዝጅምር ጌሮም፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ካብ ዝኾኑ ነበርቲ ሰብ መዓርግ ኣፍርዮም ናብ ኣገልግሎት ኣብጽሑ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓዲ ወሰንስሩቕ፡ ዓዲ መልሂግ፡ ዓዲ ቤሎን ሓደስቲ ሕንፃ ብምቕባእ ታቦት ኣእተዉሉ። ኣብ ዓቢ ቤተ ክርስቲያን ከረን ዝኾነ እንዳ መድኃኔ ዓለም ድማ ገበርቲ ሠናይ ብምውሕሓድ ኣዳራሽ ትምህርተ ሰንበት፡ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት፡ ቦታ ጥምቀትን መኻዚኖን ኣሕነፁ። ብዝያዳ ድማ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክሰፍሕ ብማለት ሊቃውንት፡ መንእሰያት ትምህርተ ሰንበት ብምትብባዕ፡ ሓዋርያዊ ዑደት ብምፍጻም ዓበይቲ ሥርሓት እናሠርሑ ክሳዕ 2015 ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ልዕሊ 430 ዲያቆናትን 120 ካህናትን ብምቕባእ ዓቕሚ ቤተ ክህነት ኣብቲ ዞባ ዳርጋ ብሓደ ሲሶ ክዓቢ ዕዙዝ ተራ ተጻወቱ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ዝነበሮም ናይ ኣገልግሎት ብቕዓትን ክእለት ምኅደራን ተራእዩ፡ ብዕለት 29 ሓምሌ 2013 (05/08/2021 ዓ.ም.ፈ.) ብኢድ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ኃሙሻይ ፓትርያርክ መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ተቐበሉ።
5. ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ርእሲ ናይ ሃገረ ስብከት ዕዮኦም፡ ንሠለስተ ዓመታት ጳጳስ ገዳማት ኮይኖም ክነጥፉ ድኅሪ ምጽናሕ፣ ካብ ወርኃ ነሓሴ ናይ 2008 (08/2015 ፈ) ኣትኂዞም ድማ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብምዃን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣበርክቶ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ርእሲ ናይ ሃገረ ስብከት ዕዮኦም፡ ንሠለስተ ዓመታት ጳጳስ ገዳማት ኮይኖም ክነጥፉ ድኅሪ ምጽናሕ፣ ካብ ወርኃ ነሓሴ ናይ 2018 (08/2015) ኣትኂዞም ድማ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብምዃን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ብቕዱስ ሲኖዶስ ተመደቡ። ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ምስፋሕ፡ ኣታዊታት ኣብ ምብዛኅ፡ ጽሕፈት ጽቡቕ ውሕደት ብምፍጣር ዓየዩ። ከምኡ እውን ንነዊሕ ዓመታት ብሰንኪ ባጀታዊ ዓቕምን ምኅደራዊ ጸገማትን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሕንፃ መንፈሳዊ ኮሌጅ ከም ዝቕጽል ብምግባርን መሠረታዊ ቀረባት ብምምላእን ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ኣብ ምጅማሩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገበሩ። መንፈሳዊ ኮለጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ፡ ተመሃሮ ብዲፕሎምን ዲግርን ክልተ ዙር ምምራቑ ይዝከር።
6. ሓዋርያዊ ዑደትን ምብጻሕን
ብተወሳኺ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተላኢኾም፣ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ሃገረ ስብከታት ሐዋርያዊ ዑደት ብምግባር ብፍቕዲ ብዙኃት ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ቐቢኦም፣ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾምን እምነ መሠረት ኣንቢሮምን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ኣቒሞምን እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ ሠለስተ ጊዜ ብምኻድ ኣገልገልቲ መዲቦም፡ ታቦት ኣእትዮም፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኸሉ። ናብ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ብተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓንሳብ ዑደት ገበሩ። ኣብ ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብጉዳይ ዕርቅን ካልእን ዝገበርዎ ክልተ ዑደታት፣ ዓዲ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ በጽሑ። ናብ ጁባ ክልተ ጊዜ ብምምልላስ ገበርቲ ሠናይ ኣወሓሒዶም ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ኣሕነፁን ንዝነበረ ዘይምስምማዕ ኣርግኡን። ብተመሳሳሊ ናብ ሃገረ ኡጋንዳ ኣርባዕተ ጊዜ ብምኻድ እምነ መሠረትን ምረቓን ናይ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ፈጺሞም፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣቖሙሉ። ናብ ሃገረ ኬንያ እውን ሓንሳብ ብተመሳሳሊ ጉዳይ ምብጻሕ ፈጸሙ።

ንጥፈታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣብ ግብጽን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምኡ'ውን ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምውካል ብተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ምብጻሕ ናብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ፈጺሞም እዮም። ከም ኣብነት ናብ ሃገረ ግብጺ ክልተ ጊዜ ብምብጻሕ ዑደት ጌሮም ኣብ ኃባራዊ ዝምድና ምስ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎድሮስ ካልኣይ ብምርኻብ ዘተዩ።

7.ንጥፈታት ክርስቲያናዊ ውሕደት

ብተወሳኺ እውን ዋና ኣመኃዳርን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ከም ምዃኖም መጠን፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራውን ዓለምለዃውን ጉባኤታት እውን ተሳቲፎም እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ አብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ብመሠረት ቃለ ዓዋዲ አንቀጽ 121 ዝእዝዞ፡ ንምሥጢራት ቤተ ክርስቲያንን ነገረ መለኮትን ብዘይምልከት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተሠርዐ፣ ኣብ ናይ ኃባር ናይ ኦሬንታልን ምሥራቕን ኣብያተ ክርስቲያናት ጉባኤ ድማ ኣብ ግብጺ ዝተሠርዐ ምስታፎም ይዝከር።

8. መንፈሳዊ ኣበርክቶ

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ጎኒ ጎኒ እዚ መዓርጎም ዘሰከሞም መንፈሳዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን፡ በረኸት ጉባኤ ክሳተፍ ብማለት ኣብ ገዳም ንዝቐሰምዎ ናይ ሰዓታትን መዝገብ ቅዳሴን ሞያ፡ ኣብ ትርፊ ጊዚኦም ዲግዲጊት ብምዕጣቕ ብዘይ ብኩራት ኣብ ቤቶም ተመሃሮ ብምቕባል ክምህሩ ምጽንሖም ካብኦም ግብረ ዲቁናን ክህነትን ኣጽኒዖም ኣብ ዝለዓለ ሢመት ዝበጽሑ ደቆም ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።
ብተወሳኺ እውን ብዘይካ እቲ ዘይቦኽርዎ ወርሓውን ዓመታውን ክብረ በዓላት፣ ሥራሕ ምኽንያት ከይገበሩ ኣብ ጾመ ኣርብዓን ፍልሰታን ብዘይ ምቑራጽ ሰዓታት ዕለታዊ ብምቛም፡ ከምኡ እውን በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጣዕመ ዜማ ዘወትር ቀለም ከየንጠቡ፡ ልቢ ዝምስጥ ኣገልግሎት ብምቕራብ ነዚ ወለዶ ሠናይ ኣርኣያ ናይ ኣገልግሎት ክኾኑ ኽኢሎም እዮም። እዚ ድማ “ትሕትና ዘለዎ ኣገልግሎት ቅሙጥ ወርቂ እዩ።” ንዝብልዎ ብተግባር ዝምስክር ምዃኑ መሰኻኽሩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

እምበኣር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና ክሳዕ ዕለት ሎሚ ደኺሙኒን ሰልክይንን ከይበሉ ኣብ መንፈሳውን ምኅደራውን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ተጊሆም ክሳዕ ሢመተ ፓትርያርክነቶም፣ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ኮይኖም ክለኣኹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
9. ሥርዓተ ምርጫ ሻዱሻይ ፓትርያርክ
ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃጋፍ እዩ ፈጢሩ። ስለዚ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2017 (06/11/2024 ዓ.ም.ፈ.) ጉባኤ ብምሥራዕ ንመሥርሕ ምርጫ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ዝምልከት ውሳኔ ኣሕለፈ። ነዚ ተኸቲሉ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ብሊቀ መንበርነት ዝመርሕዋ 13 ዝኣባላታ ኣምራፂት ኮሚተ ብቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተመዘት፣ እታ ኮሚተ ካብ ዓሠርተ ኣቦታት ሠለስተ ሕጹያት ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪባ ኣጽደቐት።
1. ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ 2. ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ 3. ጳጳስ ብፁዕ አቡነ መርቆሬዎስ
ብድኅሪ እዚ ኣብቲ ብዕለት 30 ኅዳር 2017 (09/12/2024 ዓ.ም.ፈ.) ዝተኻየደ መሥርሕ ምርጫ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ብድምጺ ተሳተፍቲ ምስ ተመርጹ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኦተቤኤ ክኾኑ ብምሉእ ድምጺ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸደቐ። እዚ ጉባኤ ብምሉእ ተሳታፍነት ናይ ገዳማት፡ወከልቲ ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወጻእን፡ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ሓለፍቲ መንበረ ፓትርያርክ፡ መፈሳውያን ኮሌጃትን ትምህርተ ሰንበትን ድምጺ ዝሃቡሉ፣ ወከልቲ መንግሥቲ ሃገረ ኤርትራ ከምኡ እውን ልኡኻት ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብተዓዛብነት ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ።
10. ሥርዓተ ሢመት ወተቀብኦ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ
ድኅሪ መሥርሕ ምርጫ፡ እንሆ በዛ ሎሚ ወርኃዊ በዓል አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኾነት፡ ዕለት 18 ጥር 2017(26/01/2025 ዓ.ም.ፈ.) ድማ ሥርዓተ ሢመት ጸሎተ ተቐብኦ ተፈጺምሎም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ፮/6ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለዉ።
ዘመን ኣገልግለቶም ይባርኽ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!




Sp

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events