Dehai News

ሓጸርቲ ጽሑፋት፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 13 March 2025

* ቀቓዊት ደርሆ ብዘይ ጥዑይ እንቋቁሖ! 
ዶ/ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቃቃዊት ደርሆ ዝኣጎለ እንቋቁሖ ከተጫጭሕ ትፍትን ንዝኣጎለ ብርጌድ ንሓመዱ ከጫጭሕ ኣብ ትሕቲ መንገብገቡ ሙቆት ክህቦም ይፍትን ኣሎ። ዘገርም'ዩ። ዝኣጎለ እንቋቁሖ ኣብ ቁሪ ይኹን ኣብ ሃሩር ኣይጫጭሕን እዩ። እኳድኣ ምስነቕዔ ጨንኡ ፈራ'ዩ። ፈራ ከኣ ፈራዩ ኢልካ ኣይትጉሕፎን ኢኻ። እንታይድኣ ኣዕሙቕካ ኢኻ ትቐብሮ ጠንቂ ሕማም ስልአ ዝኾነ። ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚኣ ዝጎርሔ'ዩ ዝመስል ነዞም ኣጉላት ምቕባሮም ክጥዕሞ ብወገን ዓፋር ዘዋፍሮም ዘሎ።

* ብርጌድ ንሓመዱ መጽሓፍን ጥሕሎን ምስ ትቕርበሎም፡ ነታ መጽሓፍ ቁሊሕ ኣይብሉዋን እዮም ነታ ጥሕሎ ይመርጹ። ካብ ታሪኽ ዝመሃሩ ጥሕሎ ከብዶም መሊኦም ክሓድሩ ይፈትዉ። እዚ ከኣዩ ናብ ትግራይ ክጽግዑ ዝኸዱ። ጥሕሎ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ቀልቀል ኮይኑ ይጎሓፍ። መጽሓፍ ግን ነባሪ ፍልጠት ይህብ። ስለዚ ሓፍ ኮፍ ንሓመዱ ከም ጥሕሎ በሊዕካ ንቐልቀልዩ።

* ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ክኽፈትዩ ዝብል እምንቶ የብለይን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈተነ ምስ ዝግበር ግን ቀዳምይ ምርኮኛ ዶ/ኣቢይ ኣሕመድ እዩ ክኸውን። ብኸመይን እንታይ ዓይነት ሙሩኽ ንዝብል ግን ንግዜ ንግደፎ።

* መራሕቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ መጺኣትና፡ ኤርትራ ክትሃርመና ትዳሎ ኣላ፡ ኤርትራ ንሓይሊ ኣምሓራ ትሕግዝ ኣላ፡ ኤርትራ ምስ ግብጺ ኮይና ከተጥቅዓና ተሰማሚዓ፡ እሰያስ ክወረና'ዩ፡ እሰያስ ናባና ይጥምት ኣሎ፡  ሰራዊት ኤርትራ ብቡሬ ይቀላቐሉ ኣለዉ፡ ወዘተ ዝብል ዘህተፍትፍ ሕማም መዓስዩ ክሓድጎም? እቶም ብብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኣምኖም ደብተራታት፡ ጦንቆልቲ፡ ጾሎት ደገምቲ፡ ናይ ሽግርካ ፈውሱ ምሳና ኣሎ በሃልቲ፡ ክእለቶም ነዞም ስም ኤርትራ እናጸውዑ ክብህርሩ ዝነብሩ ዘይፍውስ ድዩ? ዓሰብ ዝበሃል ሕማም ፈውሱ ምስ ዋናታቱ ተላዚብካ ጉቡእካ ከፊልካ እንተዘይኮይኑ ዋላ ፍንጃል ማይ ካብ ባሕር ኤርትራ ብሓይሊ ምውሳድ ካብ ብዕራይ ጻባ ምሕላብ ማለት'ዩ። መንግስትን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትርፎ ቅሳነት፡ ሰላምን ብልጽግቲ ሃገርን ክትህልዎም ካልእ ክፉእ ምንዮት የብሎምን። ሰላም ጎረባብትና ኣካል ሰላምና እዩ።

* ጀነራላት ኣቢይ ኣሕመድ ንውግእ ዘጓሃህሩ ዘለዉ ዝተማረኹሉ ታሪኽ ዝረስዑ (ባጫ ደበልየን መሰላቱን) ዕጫ በዛብህ ዝዘንግዑ፡ ብዓቢኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ ሽግር ክወጽእ ዘይደልዩ ናይ ስልጣን ጅነራላት እዮም። ዳግማይ ማጮሎት ሳሕል ዘድልዮም ይመስሉ።

* ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣርትፍሻል ኮይኑ ይስምዓኒ። ባንቡላ ከም ዝፈቱ ቆልዓ ብድሮውን ዝብል ባምቡላ ምጽዋት ዝፈቱ መንግስቲ እዩ። ኣብ ክንዲ ቀዳማይ ድልየት ህዝቢ ንሰላም ዝሰርሕ ጸረ ህዝቢ ምልዮናት ተለቂሑ ድሮውናት ይገዝእ። እቲ ንኤርትራ ከጥቅዕ ዝሸመቶ መራክብ ኣዛርባጃን ሒዘንኦ ዝነበራ ኣምላኽ ይመስገን ብዘይ ገልታዕታዕ ኣብ ኢድና ኣትዩ። እንተ ብወገን ኤርትራ'ሞ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሰላም ኣብ ሞንጎ ጎረባብትና ሃገራት እዩ። ሃሊሉ ንዝመጽ ግን ኣኽቢድና ካብ ምጽዓኑ ድሕር ምባል የለን።

*  ምስ ውዱቕ ክወድቕ'የ ንዝበለ ምርጭኡ ክሳብ ዝኾነ ስቕ ኢልካ ምርኣዩ ዝሓሸ እዩ። ከተረድኦ ወርቃዊ ግዜኻ ምጥፋ ኣየድልን። መኻሪኡ ዘይሰምዕ ግዜ ባዕሉ ከስምዖ እዩ። ምትእኽኻብ ንሓመዱን ካልኦትን ምስቲ ዝወድቕ ዘሎ ስርዓት ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ ከም ዘይትስኡ ክወድቁ እዮም። ፖሎቲካዊ ውድቀት ከም ካብ ኢድካ ወዲቑ ዝስበር ንዋት ስለ ዘይኮነ ቁሩብ ግዜን ዓቕልን ይሓትት። ዉዱቓት ምስቶም ቅኑዓት ክወዳደሩ ከለዎ 0.000001% ኣቢሎም እዮም። ካብኦም ሰዓብቶም ይበዝሑ። እቲ ጸገም ፖሎቲካዊ ሽፋን እንበር ፖሎቲካዊ ኣምር የብሎምን። መበገሲኦም ካብ ወገን፡ ዓሌት፡ ኣውራጃነት፡ መቦቆላዊ ቅልውላው፡ ሕስድና፡ ቅንኢ፡ ጽምኢ ስልጣን፡ ወዘተ እዩ።

* ሞጎስ ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ፡
* ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
* ዓወት ንሓፋሽ፡

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events