Dehai News

ምህለላ ኲናት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 15 March 2025

15 መጋቢት 2025

ምህለላ ኲናት


ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ “ኲናት ዘይተርፍ’ዩ. . . ጸቕጢ እንተዘይተገይሩ ካርታ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክቕይር ዝኽእል ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ቀረባ ግዜ ክባራዕ ይኽእል’ዩ. . . ማሕበረሰብ ዓለምን ሓያላን ሃገራትን ንምዕጋቱ ክጓየዩ ኣለዎም” ዝድርሳኑ ምህለላ ኲናት፡ ኣእዛን ደላዪ ሰላም ህዝቢ ኣደንቊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዝዓርግ ዘሎ ምህለላ ኲናት፡ ከም ወትሩ ብውጹእ ሓሶታት ተሰንዩ ስም ኤርትራ ክልዓል ይስማዕ’ዩ። “ሰራዊት ኤርትራ መሬት ትግራይ ሒዙ ኣሎ. . . ኤርትራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለዘይማእምኣ ንምፍሻሉ ኲናት ክትውልዕ ትኽእል እያ. . . ሓደ ወገን ህወሓት ምስ ኤርትራ ወጊኑ ኣሎ. . . ኤርትራ ንፋኖ ትሕግዞም ኣላ. . . ብድሕሪ ኤርትራ ግብጺ፡ ስዑድያ ወዘተ. ኣለዋ” . . .እቲ ሃለውለው ወመዳእታ የብሉን። ክፍለጥ ዘለዎ ሓቅታት፦

- ጸጋታት መሬት፡ ባሕርን ደሴታትን ኣብዚሑ ዝዓደሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘይናቱ ብሂጉን ጠሚቱን ኣይፈልጥን። ኣብ ታሪኹ ተወሪሩ እምበር፡ ወሪሩ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን። ብቓላት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ዘይናትና ኣይንደልን፣ ናትና ኣይንህብን” ፍሉጥ መትከሉ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኤርትራ ካብቲ ብብይን ኮምሽን ዶብ ዝተሓንጸጸን ዝተመልከተን ኣብ ካርታ ዓለም ዝሰፈረን ኣህጉራዊ ዶብ ወጻኢ፡ ዝሓዘቶ ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ስድሪ መሬት የለን።

- ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ዞባና ጣልቃ ኣትያ፡ ንሓደ ወገን ደጊፋ ነቲ ካልእ ከተጥቅዕ ረብሓ ኮነ ድልየትን ሸውሃትን የብላን። ከም ውዕል ፕሪቶርያ ዝኣመሰለ ስምምዓት ድማ፡ ንሰብ ጉዳይ ዝምልከት እምበር ብቐጥታ ንኤርትራ ዝምልከት ኣይኮነን። ሱዳናዊ ጀነራል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኤርትራ ደጋፊት ሓደ ወገን ወይ ካልእ ኣይኮነትን፣ ኤርትራ ኩሉ ሳዕ ደጋፊት ሓቂ እያ።” ኢ ሉ ነይሩ። ብርግጽ ድማ፡ ባህጊን ተገዳስነትን ጻዕርን ኤርትራ፡ ናብ ሰላምን ርግኣትን ህዝብታት ዞባና ዝቐንዐ ጥራይ እዩ።

- ብኣመለኻኽታ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ክፋል ዞባና ዘሰክፍ ኩነታት ምስዝህሉ ናይ መላእ ዞባና ስክፍታ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ካብ ግዳማዊ ምትእትታው ተሓዪብካ፡ ንዘቤታውያን ተዋሳእቲ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ብምትሕግጋዝ ዞባውያን ሓይልታት ፍታሕ ክርከበሉ ኣለዎ ዝብል ንጹር መርገጺ ኣለዋ። ካብዚ መትከላዊ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ከውሕስ ዝኽእል ርእይቶኡን መትከላቱን ኣነጺሩ እናገለጸ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዘማዕብል፣ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምዕባለን ሽርክነትን ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብሃናጺ ጽምዶን ብግብርን ውፉይ ጻዕሪ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ምስ ኩለን ሃገራት ዞባና ዘካይዶ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ድማ፡ ብዘይካ ርግኣት ናይዚ ዞባ ካልእ ዛዕባ የብሉን ።

ጸላም ንጸላም ክቕንጥጦ ኣይክእልን’ዩ’፣ ብርሃን ጥራይ’ዩ ንጸላም ክቕንጥጥ ሓይሊ ዘለዎ። ምህለላ ኲናትን ምስዋር ጽልኢን ድማ ሰላምን ርግኣትን ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ፡ ፍርሒን ምጥርጣርን፡ ጽልእን ግጭትን ኣብ ክንዲ ምስዋር፣ ለይቲን መዓልቲን ንኲናት ኣብ ክንዲ ምምህላል፣ ንሰላምን ምትሕብባርን ምውፋይን ምትባዕን ይሓትት። ከምቲ ኣሪስቶትል ዝብሎ፡ “ውግእ ካብ ምስዓር ንላዕሊ፡ ሰላም ምህናጽ እቲ ዝበለጸ ዓወት እዩ።” 

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ!




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events