ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ተዛሚዶም ሕቶታት ዝቐረብሉ ምላሽ እንክህብ፡ "ንቐይሕ ባሕሪ ኢልና ኤርትራ ናይ ምውራር ባህጊ የብልናን፡" ኢሉ።
"እንዘረራረበሉ፡ እንመኻኸረሉ ኢና ንብል ዘለና፣ ንዋጋእ ኣይበልናን። እንተዀነ፡ ክመጽእ ዝኽእል ኲናት ንምክልኻል እኹል ምድላዋት ክንገብር ኢና።"
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ዳርባ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት እዘን ሃገራት ናብ ኵናት ከይኣትዋ ሻቕሎት ነይርዎም'ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፈጥር ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ጻውዒት ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ኤርትራ፡ "ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ፡" ተማሕጺና እያ።
"ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምሕታት ግን ከም ነውሪ ዝቝጸረሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ፡" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኢትዮጵያ ጻሕታሪት ኵናት ከም ዘይትኸውን ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡" ኢሉ።
ሕቶ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ምላሽ ዝረኽበሉ ኵነታት ክረጋገጽ ሓቲቱ።
"ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ፣ እንካ-ሃባን ብዝተመስረተ ዝምድና ዝተደረኸ ክኸውን'ዩ ድልየትና።"
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ኰይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ክህልዋ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ "ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ" ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ "ግጉይ" ሸውሃት'ውን ከምዘቖጥዓ ኤርትራ ገሊጻ'ላ።
"ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን"።
ሚኒስተር ዑስማን ብተወሳኺ፡ ኣብ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዀነ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢዶም ከእትዉ ድሌት ከምዘይብሎም ብምግላፅ፡ ክቐርበሎም ንዝቐነየ ክስታት ጣልቃ ምእታው፡ ነጺጉ።
-----------------------------
ተወሳኺ ኣብ...