ሓያሎ ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ ዓለም እናተቐየረ ገና ካብ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዝተላቐቑ ኣይመስሉን። ሃገርን ህዝቢን ዝሕምስ
ዘሎ ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ምንጩ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ናይዞም ልሂቃንን ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲን ኮይኑ፡ ሕማም ምስፍሕፋሕን ዘይናትካ
ምንባሃቚን እውን ምስኡ ዝኸይድ ካልእ ካብዚ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ዝነቅል ሕማሞም እዩ።
ብዙሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝኽሰት ግጭታት፡ ጠንቁ ሕማም ምስፍሕፋሕን ምግባትን እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ወገናት ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ “ብሄረይ ብሄርካ” “መሬተይ መሬትካ” ግጭታትን ምስሕሓባትን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብፍላይ
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብቲ መሬተይ እትብሎ ቦታ ንዝርከቡ ደቂ ካልኦት ብሄራት ምቕታልን ምግፋዕን ምፍንቓልን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት
ቆልዓ ሰበይቲን ኣረጋውያንን ብሰንኪ ዓሌቶም ነዊሕ ካብ ዝሰፈሩሉ መረበቶም ምሒኻ ምድርባይን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ይርከብ። ህዝብታት
ኢትዮጵያ ከም ደቂ ሓንቲ ዘመናዊት ሃገር መጠን ኣብ መላእ ሃገር ብናጻ ክንቀሳቐሱን ክነብሩን ዝግብኦም ክንሱ፡ ንዶባትካ ናይ በይንኻ ፍሉይ
ሕዛእቲ ቆጺርካ፡ ኣብ ቦታኻ ንዝሰፈረ ወዲ ካልእ ብሄር ብጭካነ ምጥቃዕ፡ ናብቲ ቦታይ እትብሎ ከባቢ ተወላዶ ካልእ ዓሌት ከይኣትዉ ምኽልካል፡
ነቲ ቀንዲ መሰረት ዘመናዊ ማሕበረሰብ ዝኾነ ሓድነት ህዝብታት መመሊሱ ዝሕምርግ ዘሎ ኮይኑ፡ ናብ ብታነ ሃገር ከየምርሕ ዘስግእ ሓደገኛ
ክስተት ፈጢሩ ይርከብ። እታ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ “ናተይ እያ - ናተይ እባ” ኣብ ዝበሃለሉ ኩነት እያ ዘላ - ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ።
ሕማም ምስፍሕፋሕ ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይምዃኑ እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም እዩ።
ጠንቂ ውድቀት ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ረቛሒታት እቲ ዝዓበየ፡ እዚ ካብ መስፍናዊ መስፋሕፍሒ ኣተሓሳስባ ዝነቅል
ዘይናትካ ክትግብት ናይ ምድላይ ዓማጺ ባህርያት እዩ። ብሕልፊ ድማ ናብ ባሕሪ ገጽካ ምስፍሕፋሕን መስኰት ባሕሪ ክትምንዝዕ ምድላይን
ንኹሎም ዝሓለፉ ስርዓታት ናብ ውድቀት ዘምርሖም ሕዱር ሕማም እዩ።
ሕልሚ ምስፍሕፋሕ ልሂቃንን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ ተሳዒሩ ከብቅዕ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ድቃሶም ክነቕሑ ዘይምኽኣሎም
ዘገርም እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ደግሲ ናይዚ ሕማም’ዚ ብዓውታ ከጋውሕ ሰሚዕና። ተልመዴን ተንታኖ ጂኦ-ፖለቲካ፡ ኣብ ማሕበራዊ
መራኸቢታት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ መንግስታዊ ሚድያታት እናተዓደሙ፡ ንኻልእ እኳ ከደናግሩ ዘይክእሉ እንተኾኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ
ትፋእ ሕማሞም ክዶግሑሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ምጉቶም ብቐንዱ ኣብቲ ፍሉጥ ጽውጽዋያዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝሰረተ’ዩ። ካብ ሕጊን ስነ-ሞጎትን
ወጻኢ ደሞግራፊያዊ፡ ቁጠባዊን ኤትኒካዊን ረቛሒታት እንተላይ ብዝሒ ህዝቢ ዝኣመሰለ ምኽኒት ድማ ከም ተወሳኺ ምስምስ ይቐርብ። ብፍላይ
ድሕሪ ምዝዛም ግጭት ትግራይን ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ሒዞሞ ይርከቡ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ እትስራዕ ሃገረ ኢትዮጵያ፡ ሕጊ ዝፈልጡ፡ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትን ስነምግባርን ናይዚ
ዘመን’ዚ ዝቕበሉ ለባማት መራሕቲ እንተዝዕደሉዋ፡ ለማኒት ኣገልግሎት ወደብ ወይ መስኰት ባሕሪ ዘይኮነት ተለማኒት ክትከውን እዩ ዝግባእ
ነይሩ። ወደባት ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኬንያ ክትጥቀመሉ ዝኽልክላ የለን። ኣህጉራዊ ሕጊ እውን ነዚ ዝቃወም ኣይኮነን። ኣፍደገ ባሕሪ
ዘይብላ ሃገር፡ ምስ ጎረባብታ ብምርድዳእ፡ ልዑላውነት ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተደኰና ሃገራት ኣኽቢራ፡ ብወደባተን ክትግልገል፡ በዚ
መስኰት’ዚ ኣቢላ ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ጥዕና ብዘለዎ መገዲ መራኽባ ከተንቀሳቕስ መሰል ኣለዋ። ካብኡ ወጻኢ ግን ኣህጉራዊ ሕግታት
ዝህባ መሰል የለን።
ኣገልግሎት ወደብ ብቐንዱ ቁጠባዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ንወናኒ ወደብን ተጠቃምን ዘርብሕ እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ
ህዝቢ፡ ኣገልግሎት ወደብ ንኢትዮጵያ እናሃበ ክረብሕ ዘይብህግ ሃገር ኣብ ከባቢና ክህሉ ኣይክእልን። ብግብሪ እውን ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት
ኤርትራ ክሳብ 1998 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን ብናጻ ክትጥቀመሉ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘፍቀደ፡ ክሳብ’ቲ ስርዓት
ወያነ ባዕሉ ዝሕሰሞ፡ ወደባት ኤርትራ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣርባሒ ኣገልግሎት ይህብ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ
ተኸታታሊ ወራራት ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ሳልሳይ ወራር (2000) ከይተረፈ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ተኸሲቱ ትካላት ረድኤት ብወደብ ዓሰብ
ሓገዘን ከእትዋ ኣብ ዝሓታሉ ዝነበራ እዋን ኤርትራ ሰናይ ፍቓዳ ገሊጻ እያ። እንተኾነ መሪሕነት ወያነ ‘ኤርትራ ካብ እተርብሕ ንሕና ንጐዳእ’
ብዝብል ሕስድና ነቲ ሓሳብ ነጺጉዎ።
ልሂቃን ኢትዮጵያ ዕላማኦም ወደብ ምጥቃም እንተዝኸውን እምበኣር ዝቃወሞም ኣይምበይ ምረኸቡን። እኳ ድኣ ሃገራት ከባቢና
ንረብሓአን ስለዝኾነ ሓንጐፋይ ምበልኦ። እንተኾነ ሕልሞም ገማግም ባሕሪ እንዳማትካ መንዚዕካ፡ ኣቋውማ ህዝቢ (ደሞግራፊ) ብምቕያር ኣፍደገ
ባሕሪ ምውናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸጋታት ባሕሪ ምምዝማዝ እንተላይ ወተሃደራዊ ህላወኻ ኣብ ባሕሪ ምርግጋጽ ምዃኑ፡ ከይሓብኡን ከይሓነኹን
ክምድሩ እዮም ዝስምዑ። እዚ ድማ፡ ዘመናዊ ዶብ ሃገራት ብምቕያር ጥራይ እዩ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ማሕበረሰብ
ዓለም ዝነባበረሉ ዘሎ ኣህጉራዊ ሕግታት ከም ‘ቻርተር ሕቡራት ሃገራት’ን ‘ሕብረት ኣፍሪቃ’ን ካልኦት ኣህጉራውያን ሕግታትን ግን ነዚ ዘፍቅድ
ኣይኮነን። ሓደ ካብ ኣዕኑድ መትከላት ማሕበረሰብ ዓለም ልኡላዊ ዶብ ሃገራት ተቐቢልካ ተኸባቢርካ ምንባር እዩ። ዶባት ዘመናውያን ሃገራት
ክትቅይር ምፍታን ብዓለም ደረጃ ከምጽኦ ዝኽእል መዘዝ ቀሊል ስለዘይኮነ፣ ከምዚ ዓይነት ጠለብ ብዝኾነ ምኽንያታት ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን።
ንኣብነት ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ካብ ሶማልያ ተፈልያ ክትከይድ ዝጸንሐት ክንሳ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃባን።
ኣፍልጦ ምሃባ ምስ ኩሎም ኣህጉራዊ ሕግታት ምጽራርን ንሓደ ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ መትከላት ማሕበረሰብ ዓለም ዘዕኑን ብምዃኑ ዝከኣል ኣይኮነን።
ልሂቃን ኢትዮጵያ ድኣ ኣበየናይ ዓለም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ?
ጠለብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ወደብ ኣብ ዝኾነ እዋን ቅቡል እዩ። እቲ ኢትዮጵያውያን ዝሓስብዎ ግን ኣገልግሎት ዘይኮነ ጎበጣ ዘይናትካ
ግዝኣት እዩ። እዚ ድማ ወራር ስለዝኾነ ክፍጸመሉ ዝኽእል ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ የብሉን። ኮይኑ ተሪፉ ብሓይሊ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ንሳቶም እውን ኣግሂዶም ናይ ሓይሊ ኣማራጺ ከም ተኽእሎ እናቐመጡ ክዛረቡሉ ኣይሓንኩን እዮም። እንተኾነ ስነ-ሞጎት ሓይሊ ገዛእቲ
ኢትዮጵያ እውን ዘይተሃቀነ ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ተፈቲኑ ብተደጋጋሚ ዝተሳዕረ እዩ።
ሻለቃ ዳዊት ወልደግዮርጊስ ዝተባህለ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣብታ “ክህደት በደም መሬት” ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ
30 ዓመት ናይ ሰሜን ኲናት (ሓርነታዊ ኲናት ኤርትራ)፡ ንሱ “ግዝኣታዊ ሓድነታን ናይ ባሕሪ ዶባን ንምዕቃብ” ኢሉ ዘመኽነዩሉ ወራር ኣስታት
ሓደ ሚልዮን ወተሃደር ከምዘጥፍአት ይገልጽ። እዚ ኣብ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኮይኑ፡ ድሕሪ ስዕረት ናይዞም ክልተ ስርዓታት ብደገፍ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዝተዀየጠ ስርዓት እውን፡ መጋበርያ ግሎባዊ ስትራተጂ ምዕራባውያን ብምዃን፡ ንዳግማይ ወራር ተዓሲቡ፡ ብሃብቲን
ህይወትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጣሊዑ ኣማኢት ኣሽሓት ኣህሊቑ ከብቅዕ ነዚ ቀዳሞት ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዘይተዓወቱሉ ዕማም ከፈጽም
ኣይከኣለን። ሰለስቲኦም ስርዓታት ብፈጠራዊ ታሪኽን ሕማም ምስፍሕፋሕን ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፈጸምዎ ገበን ብህይወትን ሃብቲ ሃገርን
ክትመን እንከሎ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሕጂ’ኸ ነዚ ገበን’ዚ ክደግሙ ድዮም ዝሓስቡ ዘለዉ? ‘ብሰላም ብሓባር ምንባርን ምርባሕን ይከኣል’ዩ’ ዝብል
ለባም ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ባሕሪ እንተድኣ ኢልካዮ ኣፉ ማይ ይመልእ እዩ እሞ፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንደገ ኣብ ምቕያር ይሕግዘና
እዩ ዝብል ቅማረ? እዚ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንማንም ከታልል ዝኽእል ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ታሪኽ ብዙሕ ስለዝመሃሮ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ!