Dehai News

መንገዲ ባሕሪ በየን ኰን ይኸውን?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 21 April 2025

መንገዲ ባሕሪ በየን ኰን ይኸውን? 

ብልማኖ ኤውሮጳውያን ዘይተረኽበ ገምገም ባሕሪ 

 ብኑረዲን ፋራሕ  
 እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ከቢድ ውግእ እናተኻየደ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምድምሳስ ብርቱዕ ወራር ኣብ ዝኸፈተሉ፡ ሰውራ ኤርትራ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ኣብ ዘካይደሉ ግዜ ኣብ 1978 ዝተጻሕፈ እኳ እንተዀነ፡ ባሕሪ ንምውናን ካብ ዓሌታት ማእከል ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓሌታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘቕነዐ ተጻብኦታት ሓድሽ ከም ዘይኰነን ምስ ዘለናዮ ግዜ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ከም ምዃኑን፡ ‘መንገዲ ባሕሪ በየን ኰን ይኸውን?’ ዝብል ብኑረዲን ፋራሕ ዝተዳለወ ጽሑፍ ፕሮፈሰር ስዒድ ሰመተር ሶማላዊ ጸሓፋይ ካብ ዘስፈሮ ትንተና ርዒሙ ቀሪቡ ኣሎ።

ሽግ ታሪኽ ወሊዕና መዛግብቲ ኣእምሮና እንድሕር ፈቲሽና ንቀርኒ ኣፍሪቃን ነዊሕ ገማግም ባሕርታቱን ንምቍጽጻር ዝተኻየዱ ተኸታታሊ ዕጥቃዊ ግጭታት ከም ዝነበሩ ንረክብ። ሓይልታት ግዳም በብተራ እናተመላለሱ ብሓይሊ ውግእ እናደምሰሱን ዝምታ እናኣካየዱን ንኣማኢት ዓመታት ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምልኪ እናኣእተዉን ከም ዝጸንሑ ንርዳእ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ሓይልታት ናይ ሓድሕዶም ሓይሊ ዝፈታተኑሉን ተዋስኦታት ዲፕሎማሲ ዘካይዱሉን ኣብ ዓንኬል ሰዓርን ተሳዓርን ዝጸማመዱሉን ዞባ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ዑስማናዊ ሃጸይነት ቱርኪን፡ ሱልጣናዊ ስርዓት ከደዊ ግብጺን ብምስሌነታቶም ገይሮም መላእ ገማግም ባሕሪ ሶማልን ኤርትራን ክቈጻጸሩ ምጽነሖም ይዝከር። ስዒቦም ከኣ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያን ንሓጺር ግዜ ድማ ፖርቱጋልን ነዚ ከባቢ ክቈጻጸሩን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጥርታት ክሰሓሓቡን እዚ ሽግ ታሪኽ የብርሃልና። ባና ዲፕሎማስያዊ ወጥርታትን ምስሕሓብን ኣብ ዝፈጠሮ ድነ ናይ ዝተኸወሉ ጽላሎት ብዓል ዮሃንስ፡ ምኒሊክን ሃይለስላሰን ከኣ ንዕዘብ። ብትሑት ድምጺ እናኣማትኡ ብህድኣት ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሻት ነገስታት ኤውሮጳ ሕቱም ደብዳበታት ሒዞም ጠጠው-መጠው ክብሉ ይረኣዩ። ጠበንጃታት ካብዝን ካብትን እናኣረዩ ክእክቡ ድማ ይረኣዩ። ህድእ ንበል እሞ ሎሚ(1978) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብቲ ናይ ቀደም ይፍለ ዶ? ኢልና ንሕተት። ብዕላማ ሓደ እዩ። ብቕዲ ግና ክፈላለይ ይኽእል። ዓውዲ ውግእ ብዘመናዊ ታንክታት ሰማያት ከኣ ብደሃያት ዘመናዊ ነፈርቲ ኲናት የንጐድጉድ ኣሎ። ሚልዮናት ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣንጻር እታ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሶማል ንምውጋእ፡ ልዕለ ሓያል እትበሃል ሃገር ኣብ እትሕግዘሉ ግዜ ኢና ዘለና። ናብቲ ናይ ቀደም ምልስ ኢልና ድማ ንጠምት። ኣብ ሕምብርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ “ሸዋ” እትበሃል ብንግስነት እትመሓደር፡ ወይ’ውን “ትግሬ” እትበሃል ካልእ ግዝኣት ምስተን ጐላጉለንን ገማግም ባሕረንን ዕጣን ዝተከሉ ጓህሪ ዝመልአ መበኰርያ ዝመስላ ሶማልን ኤርትራን እንታይ ዘራኽብ ኣለወን?

ነዚ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ዝተሰነደ መዛግብቲ ታሪኽ ገናጺልና ንተዓዘብ። ሃጸያትን ነገስታት ኢትዮጵያን ካብቲ ዝተኸወሉሉ ድነ ታሪኽ ወጺኦም ባዕላቶም ክዛረቡ ይሓይሽ። ቅድሚ ሕጂ ‘ኢትዮጵያዊን ነብሪን ሕብሪ ቈርበቶም ነይቅይሩ’ ዝብል ምስላ ሰሚዕና ንኸውን። ኣብ ዝዀነ ናይ ዘበናት መድረኽ ከም ዓብላሊ ስትራተጂያዊ ራእይን ናይ ውሽጣዊ ጸገሞም መፍትሒ ዝመስሎም ዋንነት ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ዘካይድዎ ጻዕሪን ንተዓዘብ።

ገማግም ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኤውሮጳውያን ከይሓዝዎ እንከለዉ ነገስታት ኣቢሲኒያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክረኽቡ ሓገዝ ወጻእተኛታት ክሓቱ እንከለዉ ኣብ ታሪኽ ንዕዘብ። ባዕላቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ደገፍ ክሓቱ እንከለዉ ኣብቲ ገምገም ዋንነት ከም ዘይብሎም ይምስክሩ። ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ገምገም ብሓይሊ ምስ ሓዝኩም ንዓና ኣረክቡና ክብሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ታሪኽ ንርኢ። መኳንንትን፡ ነገስታትን ሃጸያትን ኢትዮጵያ ዳርጋ ተመሳሳሊ ሜላን ዲፕሎማስያዊ ተንኰልን እናዘርግሑ ንኤውሮጳውያን ክሓባብሉ እንከለዉ ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ንዕዘብ።

ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቐን ካብ ዝርከባ ቦታታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ሸዋ’ እትበሃል ከም ቁመት መራሒኣ ብዓቐን ጸባብ ዝዀነት ብነገስታት እትመሓደር ግዝኣት ነይራ። ንጉስ ናይታ ግዝኣት ሓጺር ደኣ ይኹን እምበር ከም ብዝሒ ማያት ባሕሪ ብዙሕን ክዕገት ዘይከኣልን ዓቢ ዕላማታት ነይሩዎ። ሸዋ ንብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ካብ ካልእ ቦታታት ተነጺላ ብእምባታት ኣብ ዝተኸበ ስፍራ ተደኲና ትርከብ። ኣብ ከባቢኣ ኸኣ ንሓድሕደን ብውግእ ዝሕመሳ መተሃላልኽቲ ንግስነታት ጎጃም፡ ጎንደርን ትግሬን ነበራ። መራሕቲ ናይዘን ንግስነታት፡ ብዝሒ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ደገፍ ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዎ ንመቓናቕንቲ ዝስዕረሉ ድልዱል ሓይሊ ከም ዝዀነ ካብ ተሞኵሮ ዝተረድኡ ነገስታት እዮም ነይሮም። ንእግሪ መንገድና ደጊያት ካሳ ምራጭ (ዳሕራይ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ንሃጸይ ቴድሮስ ንኽቀትሉ መንገዲ ስለ ዝመርሐ) ካብ እንግሊዛውያን ብዝተቐበሎ ህያብ ዕጥቂ ሓያል ንግስነት ክምስርት ክኢሉ ነይሩ።

እንግሊዛውያን ናጻ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክህብዎ እውን ቃል ኣትዮምሉ ነይሮም። እወ፡ ድሕሪ ናይ ዘበናት ትጽቢት፡ ሸቐጥ እተእትወሉን እተውጽኣሉን ወደብ። ኣገዳስነትካ እተርእየሉ ወደብ። ኣበይ’ሞ ተረኽበ። ገማግም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ዋንነት ካልኦት ህዝብታት እዩ ቀጺሉ። ኣብ ትሕቲ ደቂ ዓዲ ወይ ከኣ ምስቶም ንኤርትራውያንን ሶማላውያንን ደናክልን ስዒሮም ዝተቘጻጸሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እዩ ቀጺሉ።

 ከም ጸሎት መቝጸርያ ዝደጋገም ልማኖ ባሕሪ

ነገስታትን ሃጸያትን ኣቢሲንያ ኣብ ገማግም ንምብጻሕ ሜላ ክቕይሩ፡ ብልሓት ክምህዙን ኣዘራርባኦምን ልማኖኦምን ክለዋውጡን መርገጻት ክቐያይሩን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምፍላጥ ኣየጸግምን። ቱርክን ግብጽን ቀይሕ ባሕሪ ክሕዙ እንከለዉ፡ ናብ ነገስታት ኤውሮጳ ከይዶም ብምስምስ ክርስትና ምሕዝነት ክገብሩ ይረኣዩ። ገማግም ባሕርታት፡ ኤውሮጳውያን ክሕዝዎ እንከለዉ ድማ ሰረት ብዘይብሉ ናይ ሓሶት ታሪኽ ሰፊሕ ዋንነት ባሕሪ ከምዘለዎም ይእውጁ።

ንጉስ ሸዋ ድሒሩ እውን ናይቲ ብወራር ዝሓዞ ግዝኣታት ሃጸይ ዝነበረ ምኒሊክ ብረስናዊ ሕማም ሃተፍተፍ ከም ዝብል ኣብ ኣእምሮኡ ባዕሉ ዶባት ይስእል ነይሩ። ምኒሊክ ይኹን ዮሃንስ ሰራዊቶም ብኣጽዋር ድሕሪ ምዕጣቖም ዝተርፎም ዝነበረ ብቐንዱ ሃረር ዝብሉሉ ገማግም ባሕሪ ምውናን እዩ። ዕጥቂ ዘለዎ ኸኣ ገማግም ባሕሪ ብወራር ክሕዝ ይኽእል። ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ዕድል ከኣ ይኽፈት ዝብል እምነት ነበሮም። ገማግም ባሕርታት ዝተቘጻጸሩ ኤውሮጳውያን ፈቒዶምሎም ወደባት ክጥቀሙ እንድሕር ክኢሎም እውን ጸቢብ ዕድል ናብ ገፊሕ ክቕየር ዘኽእል መቋመሪ እማመታት የዳልዉ ነይሮም። ብተኸታታሊ ዝነገሱ ዮሃንስን ምኒሊክን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ዝነበረ ናይ ሓድሕድ ፍልልያት ብምምዝማዝ፡ ሓለፋ ክህቦም ናብ ዝኽእል እናሻረዉ ናብ ገማግም ባሕሪ ናይ ምብጻሕ ትምኒት ይደፍኡሉ ነበሩ።

ምስ ዮሃንስን ምኒሊክን ብዛዕባ ገማግም ባሕርታት ዝዋገዩ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ነቶም ካብ ወራራት ኣቢሲኒያ ኣባቲኾም ዘይፈልጡ ዕጥቂ ዘይብሎም ደቀባት ሶማል፡ ኤርትራውያንን ደናክልን ኣላዚቦም እውን ኣይፈልጡን። ናይ ትግሬ መስፍን ይኹን ንጉስ፡ ወይ ንጉስ ሸዋ፡ ንነፍሱ ሃጸይ ኢሉ ዝጽውዕ ወይ ሃይለስላሴ፡ ከም ጸሎት መቝጸርያ ዝደጋግምዎ ወይ ብዲፕሎማሲ ዝፍለጡሉ ናይ ልማኖ ቃል ‘ገምገም ባሕሪ’ እዩ። እዞም ዝዘከርናዮም ነገስታት ኣብ ዘዘበኖም ኣሎ ዝበሃል ንኤውሮጳውያን ክስሕብ ዝኽእል ናይ መቋመሪ እማመታቶም የቕርቡ ነይሮም። ሕልምታቶም ኣብ ንጹህ ጨዋም ሑጻ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ክፍታሕ ቀንዲ ዝጥቀሙሉ ምስምስ ሃይማኖት እዩ ነይሩ።

ካብ ዘለናዮ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እሞ ምኒሊክ ንጉስ ሸዋ 1878 ናብ ኤውሮጳውያን ዝጸሓፎ ደብዳበ ነንብቦ፡ “ዓደይ ካብ ዓድኹም ርሑቕ እዩ። ናብ ገምገም ባሕሪ፡ ናብ ዘይላዕ፡ ታጁራን ዓደንን ዘብጽሕ ዝነበረ መንገዲ ብኣስላም ተዓጽዩኒ ኣሎ። ሸቐጥ፡ ኣጽዋርን፡ መሳርሒ ሕርሻን ክኢላታትን ሰበኽቲ ወንጌልን ናብ ዓደይ ከይኣቱ ከልኪሎም ኣለዉ። ናይ ኤውሮጳ ስልጣነ፡ ትምህርትን ስነ ጥበብን ናብ ዓደይ ምእንቲ ክኣቱ እዚ መንገዲ ክኽፈት ድምጽኹም ኣልዕል ኣቢልኩም ሓግዙኒ” እዛ ደብዳበ እዚኣ ናብ መንግስታት ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ዝተጻሕፈት እያ ነይራ። መንገዲ ዝዓጸውዎ ናይ ዘይላዕን ታጁራን ሙስሊም ኣይኰኑን ነይሮም። መላእ ገማግም ሶማል ሒዞም ዝነበሩ ግብጻውያን መጻብብ ባብ ኤል መንደብ፡ ሓፉን፡ ዘይላዕን በርበራን ኣብ ኦጋዴን እትርከብ ሃረር እውን ተቘጻጺሮም ነይሮም።

ምኒሊክ፡ ከምቲ ሽዑ ኣብ ትግሬ ንግስነት ኣዊጁ ዝነበረ መተሃላልኽቱ ዮሃንስ (ካሳ ምራጭ) ናብ ገምገም ባሕሪ ንምብጻሕ ሓገዝ ወጻእተኛታት እዩ ዝሓትት ዘሎ። ዛጊት ንግዚኡ ኣብቲ ገማግም ንዝነበራ ከተማታት ይብጸሓኒ ወይ ግዝኣተይ ክብል ኣይረአን። ምኒሊክ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበራ ብርእሰን ዝመሓደራ ከተማታት ሞቓዲሾ፡ መርካ ወይ ብራቫ ዝበሃላ ከም ዘለዋ እውን ሰሚዑ ዝፈልጥ ኣይመስለንን። ምኒሊክ ነዘን ናይ ጥንቲ ዓበይቲ ናይ ንግዲ ማእከላት ዝነበራ ከተማታት ዘይኰነስ ንዘይላዕን ታጁራን ጥራይ እዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘይላዕ ኣብ ሶማሊላንድ ፡ ታጁራ ኸኣ ኣብ ጁቡቲ ዝርከባ ኰይነን፡ ናብ ሸዋ ወይ ማእከል ኣቢሲንያ ዝኣቱን ዝወጽእን ሸቐጥ በዘን ክልተ ወደባት ጥራይ እዩ ነይሩ። ምኒሊክ መንገዲ ክኽፈተሉ “ድምጽኹም ኣልዒልኩም ሓግዙኒ” ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ። ሙሴ ንባሕሪ ኤርትራ ከም ዝመቐሎ ኤውሮጳውያን ብድምጾም ጥራይ ከድምዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ምኒሊክ ይኣምን። ኤውሮጳውያን ኣንጻር ግብጻውያን ውግእ ክኸፍቱ ኣይኰነን ዝደሊ ዘሎ፡ ኤውሮጳውያን ብውግእ እንድሕር ሒዞሞ ነቲ ወደብ ስለ ዝወስድዎ ድምጾም ኣልዒሎም መንገዲ ክኸፍቱሉ ጥራይ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ንምኒሊክ ዘህተፍተፈ ናይ ባሕሪ ሕልሚ

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ከቢድ ውግእ እናቐጸለ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምድምሳስ ብርቱዕ ወራር ኣብ ዘበገሰሉ፡ ሰውራ ኤርትራ ድማ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ኣብ ዘካይደሉ ግዜ - 1978 ዝተጻሕፈ እኳ እንተኾነ፡ ባሕሪ ንምውናን ካብ ዓሌታት ማእከል ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓሌታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘቕንዐ ተጻብኦታት ሓድሽ ስለ ዘይኮነ፡ ምስ ዘለናዮ ግዜ ዝተኣሳሰር ታሪኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ‘መንገዲ ባሕሪ በየን ኰን ይኸውን?’ ዝብል ብኑረዲን ፋራሕ ተዳልዩ፡ ብፕሮፈሰር ስዒድ ሰመተር ዝተባህለ ሶማላዊ ጸሓፋይ ካብ ዝሰፈረ ትንተና ተተርጒሙ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ንምንሊክ ንግዚኡ ኣብዚ ገዲፍና ንድሕሪት ተመሊስና ማህጸን ናይ ግዜ ክንፍትሽ እንከለና፡ ናብታ ገማግም ባሕሪ ንምብጻሕ ሃረርታ ዝነበራ ኣቢሲንያ ዝተኣሳሰር ዛንታ ዝርከባ ትግሬ እትበሃል ግዝኣት ንምለስ። ናብ ግዜ ዮሃንስ ዘይኰነስ፡ ብደጊያት ስባጋዲስ ወልዱ ናብ እትመሓደረሉ ዝነበረት ከባቢ 1827 ዓ.ም ንመለስ። ገዛኢ ትግሬ ዝነበረ ስባጋዲስ፡ ናብ ብሪጣንያዊ ንጉስ ጆርጅ ሳልሳዊ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ብሓገዝ ኤውሮጳውያን ጥራይ ዝርከብ ጠበንጃ ብምጽዋዕ ኣቢሎም ክልእኩሉ ክሓትት ይርአ። ምጽዋዕ ከኣ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ቱርኪ እያ ነይራ። ደጊያት ስባጋዲስ ንንጉስ ጆርጅ ወሲኹ፡ “ዓደይ ብኣስላም ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ብቱርክን እያ ጠፊኣ። ንምጽዋዕ ካብ ቱርኪ መንጢልኩም ሓዙዋ ወይ ከኣ ንዓይ ኣረክቡኒ፡” ከም ዝበለ፡ ሰነዳቱ ይምስክሩ። ስባጋዲስ ኣገላልጻኡ ይፈለ ደኣ’ምበር፡ ምስቲ ዮሃንስን ምኒሊክን ዝብልዎ ዝነበሩ ተመሳሳሊ እዩ። ናይ ገማግም ባሕሪ ግዝኣት ወይ ዋንነት ይግበኣና ክብሉ ኣይረኣዩን። ብዛዕባ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ህዝቢ እውንዝኾነ ሓልዮት ኣይነበሮምን። ምኒሊክ መንገዲ ክኽፈተሉ ክሓትት እንከሎ፡ ስባጋዲስ ከኣ እንግሊዝ ነቲ ከባቢ ሒዛ ባዕላ ከተመሓድሮ ወይ ንዕኡ ከተረክቦ እዩ ዝሓትት ዝነበረ። ድሕሪ ስባጋድስ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ እውን፡ ዮሃንስ 4ይ ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ብሪጣንያዊ ጀነራል ጎርዶን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ “ካብ’ተን ወደባት ብሓይሊ ምትሓዝ እንድሕር ዘይተኻኢሉ፡ ናይ ባሕሪ ኣፍ-ደገ ዝረኽበሉ ቦታ ክወሃበኒ ኣለዎ፡” ኢሉ ክሓትት ይረአ።

ናብ ምኒሊክ ተመሊስና እንድሕር ተዓዚብና፡ ደቂሱ እንከሎ እዩ ብሕልሙ ዘሪኡ፣ ብር ምስ በለ ግና ዝዕጸድ ኣይረኸበን። ኣብ ገማግም ሶማል ኣብ ዝተደኮና ከተማታት ዝነበራ መንግስታት፡ ናይ ኦብያን መጀርቲናን ሰልጠናን ካልኦት ነኣሽቱ ንግስነታትን ኣብ ትሕቲ ጥልያን ወዲቐን ነይረን። ወደባት ታጁራን ኦቦክን እውን ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ኣትየን ነበራ። ዘይላን በርበራን ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ምጽዋዕን ዓሰብን ከኣ ኣብ ትሕቲ ጠላይን ኣትየን ነበራ። ምኒሊክ፡ ነቲ ብሕልሙ ዝዘርኦ ምስ ተበራበረ ሃሰሰ ምስ በሎ፡ ዋላ ሓደ ዝዕጸድ ኣይረኸበን። ምኒሊክ ዓቕሉ ንከጽብብን መሕለፊ ኣብ ዘይብሉ ጸላም ሃሰስ ክብልን ንርእዮ። ኣብ ዝተሳተፎ ውግእ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ተዓዊቱ ነይሩ። ንከተማ ሃረር እውን ተዋጊኡ ሒዝዋ ነይሩ። ናብ ባሕሪ መውጽኢ ዝዀኖ ኣፍ-ደገ ክረክብ የኽእለኒ’ዩ ዝበሎ ሓሳብ ሒዙ ድማ ናብ ፈረንሳውያን ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ዘቕረቦ እማመ፡ ፈረንሳውያን ንከተማ ሃረር ክወስድዋ፡ ንዕኡ ከኣ ኣምሳያኡ ኣፍ- ደገ ባሕሪ ክህብዎ ዝጠልብ እዩ ነይሩ። ፈረንሳውያን ግን ነዚ ኣይተቐበልዎን። ኣብ ክንድኡ ግና ኣጽዋር ብብዝሒ ክሸጡሉ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮሞ። ነዚ እውን ቅድመ-ኩነት ኣንቢሮሙሉ። ኣጽዋር ክሸጡሉ እንድሕር ኰይኖም፡ ኣቕሑ ካብ ደገ ንምእታውን ፍርያት ናብ ደገ ንምልኣኽን፡ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ብዝኣተዋ ወደባት በርበራን ዘይላዕን ከይጥቀም፣ ኣብ ክንድኡ በተን ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ዝነበራ ወደባት ጥራይ ኣቢሉ ክጥቀም ቀይዲ ገበሩሉ። ፈረንሳውያን ኣብ ግዝኣታቶም የካይዱዎ ብዝነበሩ ናይ ብረት ንግዲ፡ ኣብ ፈረንሳ ልዑል ናይ ቁጠባ ምብርባር ይገብር ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ፈረንሳ 24 ሽሕ በብዓይነቱ ኣጽዋራት ንምኒሊክ ሸይጣትሉ ከም ዝነበረትን፡ ኢጣልያ ድማ ነዚ ዋሕዚ ኣጽዋር’ዚ ትቃወሞ ምንባራን መዛግብቲ የረድኡ። ናብታ “ኣረሜናዊት” ዝብልዋ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል ኣጽዋርክውሕዝ ከምዘይነበሮ እውን ይጠርዑ ነይሮም። ምኒሊክ ግና ሓይሊ ስለ ዝረኸበ፡ ግዝኣቱ ከስፋሕፍሕ ዓጋቲ ኣይረኽበን። ካብ ፈረንሳ ብዝዓደጎ ኣጽዋር ተሓጊዙ፡ ነተን ካብ ሽዋ ንሸነኽ ደቡብን ምዕራብን ዝነበራ ንኣሽቱ ንግስነታት እናደምሰሰ ናብ ሸዋ ክጽንብረን ግዜ ኣይወሰደሉን። ሳላ ኣጽዋር ፈረንሳ እናሓየለ ብምኻድ ድማ፡ መዓርጉ ካብ ንጉስ ሸዋ ናብ ንጉሰ ነገስትነት፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ሃጸይ ደየበ። ኣብ ከባቢኡ ዝነበራ ኣብ ብሄራት ዝተመስረታ ግዝኣታት ከኣ ዓብሊሉ ኣእተወን። ጠላይንን እንግሊዝን ግና፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ብረት ክሕዙ እውን ኣይፈቕዱሎምን ነይሮም። ምኒሊክ ምድሪ ሶማል ብወራር ክሕዝ እንከሎ ህዝቢ ስለዘይተዓጥቀ፡ መከላኸሊ ኣይነበሮን።

“ዶብ ሸዋ፡ ካብ ኢራፋይለ ክሳብ ቀላይ ቪክቶርያ”

ንዮሃንስ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ሃጸይነት ዝተቐመጠ ምኒሊክ፡ ዮሃንስ ፈቲኑ ዘይኰነሉ ዕጽውቲ ወደብ-ኣልቦ ሃገር እዩ ተረኪቡ። ዮሃንስ ንጎርዶን ዘቕረበሉ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ እማመ ስለ ዝፈሸለ፡ ምኒሊክ ብወደብ ጁቡቲ ጥራይ ምጥቃም ቀጺሉ። ምኒሊክ ብዙሕ ኣጽዋር የእቱ ስለ ዝነበረ፡ ሸዋ እናገዘፈት ከይዳ። ኣብተን ብወራር ዝሓዘን ግዝኣታት ዝነበራ ያታውያን ንግስነታት ኣፍሪሱ ናብ ናይ ኣምሓራ ባህሊ ኣርዒምወን (ባራዩ ዝህደኑሉ ሰፊሕ መሬት ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሸዋ ኣእተዎ። ብመሸጣ ገላዩ ካብ ዝረኽቦ እቶት እውን ብዝሒ ዘለዎ ኣጽዋር ካብ ግዳም የእቱ ነበረ። ተወሪሩ ዝተታሕዘ ምድሪ ጋላን/ኦሮሞን ካልኦት ሓያሎ ብሄራትን ንዓቀይቶት ኣምሓራ ኣማስሖ። ነቶም ህዝቢ ከኣ ኣብ ምድሮም ገላዩ ገበሮም)። ድሕሪ ሞት ዮሃንስ ከኣ፡ ናይ ሃጸይነት ማዕርግ ወሰደ።

ቅድሚ ምኒሊክ ዝነበረ ዮሃንስ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተደኰነት ከተማ ንምውናን ኣዝዩ ይጽዕር ነበረ። ካብቲ ምስ ኤውሮጳውያን ዝጸሓሓፎ ዝነበረ ደብዳበታት ሓደ፡ “ኣብ ምጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ክኸፍት ኣይደልን፣ ንምጽዋዕ ክወስድ እየ ዝደሊ፡” ክብል ይስማዕ። ናብ ንግስቲ ቪክቶርያ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ግና፡ ቍሩብ ክለሳለስ ይረአ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፉ፡ ናይ ሓባር ሃይማኖት ክርስትና ከምዘለዎ ይገልጽ’ሞ፡ እቲ ‘ምድሪ በደው’ ዝብሎ (ናይ ሎሚ ኤርትራ) ምስ ብሪጣንያ ክማቐሎ ከም ዝደሊ ይገልጽ። ዝኾነ ዋጋ ከፊሉ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክሕዝ ዝነበሮ ህንጡይነት ድማ፡ ንሓይልታት ኤውሮጳ ኣሰላኽዩዎም ነበረ። ምስ ምኒሊክ ንጉስ ሸዋ ዝነበሮ ዘይተፈትሐ ቅርሕንቲ ስለ ዝፈልጡ ድማ፡ ንዮሃንስ ንምድኻም ፍልልያት ናይ ክልቲኦም ነጋውስ ንረብሓኦም ክጥቀሙሉ ከኣሉ። ኢጣልያ ከኣ፡ ምኒሊክ ንዮሃንስ ዘጥቀዓሉ 5 ሽሕ ዘበናዊ ብረት ኣዕጠቐቶ። ምኒሊክ ንዮሃንስ ምስ ኣልገሶ ከኣ፡ ነቲ ከባቢ ኣብ መንጎኦም ክማቐልዎ ተማኸሩ። ምኒሊክ፡ ብዛዕባ’ቲ ዮሃንስ ዝህንጠየሉ ዝነበረ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣፍልጦን ኣምርን ስለ ዘይነበሮ፡ ናብቲ ንግስነት ሸዋ ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ እትጥቀመሉ ዝነበረት ወደባት እዩ ኣድህቦ ገይሩ። ንታጁራ ብወተሃደራዊ ወራር ክኣትዋን ክሕዛን ከምዝኽእል ይሕብር እሞ፡ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭት ከይተበጽሐ ግና፡ ኤውሮጳ ኣዕጋቢ ፍትሒ ክትህቦ ተስፋ ከምዝገብር ይገልጽ። “ንግስነትና ኣብ ክርስትና ዝተሰረተ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብኣስላም ክንርገጽ ኣይግባእን፡” ይብል። “ንክርስትና ትሓልዩ እንተዄንኩም፡ ሕጂ ብተግባር ኣርእዩ፡” እናበለ ከኣ ኣብ ደብዳበታቱ ክምሕጸን ይረአ።

ኤውሮጳውያን ንኣፍሪቃ ኣብ ዝማቓርሑሉ ግዜ፡ ምኒሊክ ብወራር ዝሓዞ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘይብሉ - ብኤውሮጳውያን ዘይተታሕዘ ሃጓፍን ወደብ-ኣልቦ ዝዀነን መሬት ኣቢሲንያ ሒዙ እዩ ተሪፉ። ካብዚ ንደሓር እዩ እምበኣር እቲ ዝገደደ ዓጀውጀው ዝስማዕ። ካብ ሸዋ ክሳብ ካርቱም፡ ክሳብ ቀላይ ኒያንዛን (ቪክቶርያ) ሳምቡሩን (ኬንያ)፡ ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕርን ማይ ዘለዎ ኩሉ ምድሪ ኣፍሪቃ “ናተይ” ክብል ጀመረ።

ኣብ 1891፡ ምኒሊክ ናብ መንግስታት ብሪጣንያ፡ ኢጣሊያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ሩስያን ዝጸሓፋ ካልእ ደብዳበ ነይራ። ናይታ ኣብ ሕልሙ ዝሰኣላ ኣቢሲንያ ዶባታ ክጠቅስ እንከሎ፡ እታ ሃገር ንዘበናት ኣብ መንጎ ኣረማውያን ናይ ክርስትያን ደሴት ኰይና ከም ዝጸንሐት ይገልጽ። “ቀደም ዶባት ኣቢሲንያ ባሕሪ እዩ ነይሩ። ገማግም ባሕርታትና ግና ኣብ ኢድ ኣስላምን ኣረማውያንን ኣትዩ፡” ድማ ይብል። ኣየናይ ገማግም ወይ ኣየናይ ባሕሪ ምዃኑ ግና ኣይገልጽን። መዓስ እዩኸ ሸዋ ገማግም ባሕሪ ነይሩዋስ ኣብ ኢድ ኣስላምን ኣረማውያንን ወዲቑ? እቶም ወሲዶምለይ ዝብሎም ዘሎ ህዝብታት ከ ሶማላውያንን ኤርትራውያንን ድዮም? ከም ክርስትያን መጠን ደኣ ግዴታኡ ተረዲኡ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ኣረማውያን እንታይ ኮይኑ ወንጌል ክሰብከሎም ዘይፈተነ?

እቶም ምሕጽንታ ዘቕርበሎም ዝነበረ ኤውሮጳውያን ግና፡ ብሃይማኖት ዘይኮነስ ብረብሓ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዮም ዝምርሑ ነይሮም። ምኒሊክ፡ ኣብታ ንነገስታት ኤውሮጳ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ “ፈጣሪ እንድሕር ሓጊዙኒ፡ ነቲ ክሳብ ካርቱምን፡ ቀላይ ኒያንዛን ኩሉ ምድሪ ጋላ (ኦሮሞ)ን ዝበጽሕ ናይ ጥንቲ ግዝኣታት ኣቢሲንያ ከምልሶ እየ፡” እናበለ፡ ኣብ ኣፍ-ሞት ኰይኑ ይላቦ ከምዘሎ ዝተወጸዐ ሕሙም የህተፍትፍ። ጨሪሶም ዘይራኸቡን ምስ ኣቢሲንያ ርክብ ዘይብሎምን ቦታታት እናረቝሐ እውን፡ ኢራፋይለ፡ ቀላይ ሳምቡሩ፡ ፈለግ መረብ፡ ኣትባራ፡ ሰቲት፡ ካርቱምን ቀላይ ኒያንዛን ዶባት ኣቢሲንያ ምዃኖም ይገልጽ። ህርፋን ናይ ጎበጣን ምስፍሕፋሕ ግዝኣትን ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ረስናዊ ሕማም ዘህተፍትፎ እዩ ዝመስል። ከምቲ ዝተመነዮ፡ ኣምላኽ እውን ኣኻእሎ ኣይሃቦን። ካርቱም ኣይበጽሐን፣ ካብ ኢራፋይለ ክሳብ ቀላይ ኒያንዛ (ቪክቶርያ) ወይ ክሳብ ሳንቡሩ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ’ውን ክጎብጥ ኣይከኣለን። ከተማ ሃረር እትርከቦ ካብ ሶማል ሰፊሕ መሬት ጎቢጡ ግና ናብ ኣቢሲንያ ጸንቢርዎ። ምኒሊክ ሓሊፉ፡ ክሳብ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝመጽእ ድማ፡ ኩነታት ከም ዝጸንሖ ቀጺሉ።



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events