Dehai News

(Nakfa Press) ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናበይ ገጹ’ዩ ?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 07 June 2025


ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናበይ ገጹ’ዩ ?

ዝቘልዐ ስትራተጂ

ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስዌጽ 1869፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ተደላይነት ቀርኒ ኣፍሪቃን ገዚፍ ጸጋታቱን ብምህራፍ ዝነበረ ኣራግጽ ምሽማው ግዝኣታት ከም ድሕረ ባይታ ወሲድካ፣ ምስ ምግላል ቀጥታዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ዕቑዳት ዝሑል ኲናት፡ ኣብዚ ዞባ ጽልዋን ቁጽጽርን ንምርግጋጽ ዝቐጸለ ውድድርን ምትእትታዋትን ርእሰ ሓያላን፣ ዘቤታዊ ድኻማትን ክድምና መልሕቕ ስርዓታትን ተወሲኹዎ፣ ንህዝብታት ዞባና ሰላምን ርግኣትን ከሊኡ፡ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ታሪኽ ልዕሊ ሓደ ዘመን እዩ።

ከም ንኡስ ጥብቆ ናይዚ ታሪኽ'ዚ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ዘንቀዶ ተበግሶ እረማ ብምጭዋይ፡ ነቲ ሓድሽ ስርዓት ብቊሩብ ቁራቦ ግንዖ ዓዲግካ ወኪል ብምግባር፣ ናይ ህዝቢ ሱዳን ምልዕዓልን ዝሰዓበ ምትፍናንን ህልኽን ብምምዝማዝ፣ ብመገዲ'ዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምቁጽጻር ስትራተጂ ሓደስቲ 'ጐባልል' ኣብ ፈተነ ጸኒሑ፡ ነዊሕ ከይከደ ቈሊዑ ኣሎ።

ህድማ ንቕድሚት

ድሕሪ ምቑላዕ ናይዚ ስትራተጂ'ዚ፡ ንግዜኡ ጽልግልግ ዝፈጥር፡ ብቓላት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ህድማ ንቐድሚት” ዝዓይነቱ ምሕቋን ስዒቡ ኣሎ። እዚ ናይ ቅብጸት ዓበድበድ ሃቐናኡ፡ ኣበየ ከባቢኡ ተወሊዑን ተደጒሉን ዘሎ ግጭታት ብምጉሃር፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘይዓርፍ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚሙ፡ ካብቲ ዘለዎ ድሕረት ከም ዘይወጽእን ተወዳዳሪ ከም ዘይከውንን ምግባር'ዩ። ጉዳይ ክልተ ማያት ኒልን ቀይሕ-ባሕሪን፣ ዛዕባ መስኮት ባሕሪ፣ ስነሓሳብ ኦሮሙማ፣ ምድኻም ሴማውያን፡ እምብራጦርያ ኩሽ ወ ዝመስሉዎም ጣቋታት፡ ኲናት ሓድሕድ ናይ ምስሳይ ዛዕባታት እዮም።

ሕርያ ህዝብታት

ሎሚ፡ ህዝብታት ዞባና ሕሉፍ ታሪኽ ዝኣክል ስለ ዝመሃሮም ነቒሖም እዮም። “ድሕሪ ደጊም ደም ምፍሳስ ይኣኽለና፣ ሰላማዊ ጽምዶ እዩ ሕርያና! ብጸቢብ ፖለቲካ ኣይንናቘትን! ንሓይልታት ግዳም ኣይንኽድምን!” እናበሉ ብኹሉ ሸነኻት መኸተኦም ኣተርኒዖም ኣለዉ። በዚ ድማ፡ እቲ ጽልግልግ ዕምሪ የብሉን። ዘራእቲ ዕግርግር ዝኣለሙዎ ውዲትን ዘፍሰስዎ ማልን፡ መወዳእታኡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ 'ትዘርኡ ለከንቱ' ምዃኑ ዘይተርፍ'ዩ። ሓጺር ዝወቕቱ ምሕቋን ሰጊርካ፡ ሕርያ ሰላም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዓዋቲ እዩ።


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events