Dehai News

ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ ኣስመራ ኣትዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 29 July 2025

 ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ ኣስመራ ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ሎሚ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቀበሊ ኣጋይሽ ደንደን ምስ ልኡካት ኢጣልያ ተራኺቡ፡ ልኡኽ ኢጣልያ ንሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ኣግራብን፤ ከምኡ’ውን፡ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን’ዩ።

እቲ ሰፊሕ ዘተ ኣብ ምዕባይ ክልተኣዊ ርክብን ሽርክነትን ከም ኣካልን ፓርሰልን መቐጸልታን ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ኢጣልያ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎንን ኣብ ኢጣልያ ዝተበጽሐ ጭቡጥ መዳያት ምትሕብባር ዘማእከለ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ብወገኑ፡ ኣብ'ዚ ኣገዳሲ እዋን  ዝተወሰደ ተበግሶ ጽምዶ ኢጣልያ፡ ንዝጸንሐ ታሪኻዊ ምትእስሳር ክልቲኤን ሃገራት ዝምስክር ምኳኑ ድሕሪ ምንኣድ፡ ወፍሪ ልምዓት ኢጣሊያ - ኣብ ጉዳይ ጸዓት፡ ምስፋሕ ወደባት፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንሰደድ ዝዓለመ መሳንዕ፡ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ካልኦት ሓያሎ ጽላታት ከካይድ፡ ደረጃ ብደረጃ ዘሎ ዕድላትን ዓቕሚን ኣስፊሑ ገሊጹ።

ብ29 ሓምለ 2025 ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ኣስመራ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዝምልከት ኩለመዳያዊ ውጥን ስራሕ ፈሪመን። 

እቲ ብሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ኤርትራ ኣቶ ነስረዲን መሓመድን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኤድሞንዶ ሲሪየሊን ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ኣብ ጸዓት፡ ዕደና፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ማኑፋክቸሪንግ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህሊ፡ ስፖርት፡ ልምዓት ሰብኣዊ ርእሰማል፡ ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ፋይናንስ ምትሕብባር ዝሽፍን እዩ። 

ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስጓም እውን ተዘራሪበን።






ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events