ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ሎሚ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቀበሊ ኣጋይሽ ደንደን ምስ ልኡካት ኢጣልያ ተራኺቡ፡ ልኡኽ ኢጣልያ ንሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ኣግራብን፤ ከምኡ’ውን፡ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን’ዩ።
እቲ ሰፊሕ ዘተ ኣብ ምዕባይ ክልተኣዊ ርክብን ሽርክነትን ከም ኣካልን ፓርሰልን መቐጸልታን ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ኢጣልያ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎንን ኣብ ኢጣልያ ዝተበጽሐ ጭቡጥ መዳያት ምትሕብባር ዘማእከለ እዩ።
ፕረዚደንት ኢሰይያስ ብወገኑ፡ ኣብ'ዚ ኣገዳሲ እዋን ዝተወሰደ ተበግሶ ጽምዶ ኢጣልያ፡ ንዝጸንሐ ታሪኻዊ ምትእስሳር ክልቲኤን ሃገራት ዝምስክር ምኳኑ ድሕሪ ምንኣድ፡ ወፍሪ ልምዓት ኢጣሊያ - ኣብ ጉዳይ ጸዓት፡ ምስፋሕ ወደባት፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንሰደድ ዝዓለመ መሳንዕ፡ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ካልኦት ሓያሎ ጽላታት ከካይድ፡ ደረጃ ብደረጃ ዘሎ ዕድላትን ዓቕሚን ኣስፊሑ ገሊጹ።