Dehai News

'ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ መራሒ ኤርትራ መልእኽቲ ጽሒፉ'

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 August 2025

'ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ መራሒ ኤርትራ መልእኽቲ ጽሒፉ'

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደብዳበ ከምዝሰደደ ተገሊጹ።

እቲ ብ30 ሓምለ 2025 ዝተላእከ መልእኽቲ ትራምፕ፡ ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ "ምክብባር ዘለዎ ሃናጺ ዝምድና ዳግማይ ክምስርታ ምምሕዳሩ ቅሩብ ምዃኑ" ገሊጹ ይብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል።

"እቲ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተመስረተ [ዝምድና] ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕድላት ዘመሓይሽ'ዩ" ከምዝበለ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።

ሚኒስተር የማነ ከምዝሓበሮ፡ ትራምፕ "ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ብምምሕዳር ባይደን ዝተፈጸመ ኣሉታዊን ሃሳዪን ዕንወት ክእርሞ" ምዃኑ ኣብ መልእኽቱ ገሊጹ'ሎ።

ብወገን ዋይት ሃውስ ግን ብዛዕባ'ቲ መልእኽቲ ትራምፕ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን።

እቲ ቅድሚ ካልኣይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ንዋይት ሃውስ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ኩባንያታት ንግዲ ህግደፍን እገዳታት ኣንቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ ዝርከብዎም ሰብመዚ እታ ሃገር'ውን እገዳታት ተወሲኑ ነይሩ'ዩ።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ'ውን እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግብራዊ ዝዀነ፡ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ብምትእስሳር ምስ ካልኦት 11 ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ እገዳ ቪዛ ወሲኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሰነ ዝተኣወጀ መምርሒ ትራምፕ፡ ብቕዓት ፓስፖርት ዝርከቦ ሰነዳት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዘእትዎ ይጠቅስ። ብዘይካ'ዚ "ኤርትራ ንነዊሕ እዋን [ካብ ኣመሪካ] ዝተሰጉ ዜጋታታ ምቕባል ኣብያ እያ" ክብል ይኸስስ።

ኣስመራ ብዋሽንግተን ንዝቐርብ ክስታት ብምንጻግ ንኹሉ ጸቕጥታትን እገዳታትን ክትቋወሞን ክትነቕፎን ጸኒሓ'ያ።

ኣብ 2021 እታ ሃገር ካብቲ 'ስዊፍት (SWIFT) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገራት ዓለም ዝጥቀማሉ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ምምሕልላፍ ገንዘብን ከምዝተኣገደት ሓንቲ ዲፕሎማሰኛ ኤርትራ ገሊጻ ነይራ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብ19 ሓምለ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ 'ጽምዶ' ክትፈጥር ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።

"ንሕና ሕጂ ዕድል ሃቡና ቅድም ስርዑና ኣይንብልን። እዛ ዓመት 2025 ትጽንሓልና ኢና ኢልና። ዘሀውኽ የብልናን። ንሳቶም እውን ቀዳምነታት ስለዘለዎም፡ ነቲ ቀዳምነታቶም ነኽብሮ ኢና።

"ተሃዊኽካ ውትፍ ምባል እንታይ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል። ስለዚ ኣብ 2025 ምድላዋትና ወዲእና፡ ኣብ ዝርዝራት ኣቲና ኣዳቒቕና፡ እተን ዝመጽኣ ሰለስተ ዓመታት ብዘይ ምስልካይ ክንደኽመለን ኢና። ዓቢ ውጽኢት ክንጽበ ኢና፡ እዚን እዚን ተስፋ ኣለዎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንደልን።

"ምስዚ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ (lobby) እቶም ክዕንቅፉና ዝኽእሉ ብድሆታት እውን ንርእዮም ኣለና። ጽምዶ ከይህሉ ምእንቲ፡ ንምምሕዳር ዋሽንግቶን ኣንጻርና ንምጉስጓስ ዝካየድ ዘሎ ዘመተታት ርኡይ እዩ። ኩሉ ዓይነት ዘመተታት። ንሱ ግን ንሻቐለሉ ኣይኮነን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተፈተነ ጽምዶ ክልቲአን ሃገራት ከምዘይተዓወተ'ውን ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።

"ኣብቲ ፈለማ ምስ ምምጻእ ናቱ እቲ ዝነበረ ፖሊሲታት ምናልባት'ዶ ክእረም ይኽእል ይኸውን ኢልና ነይርና። ኣይተኣረመን። መሊሱ በዝን በትን ተጠዋውዩ ተጻብኦታትን እገዳን መጺኡ" ክብል ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስልኪ ተዘራሪቦም ነይሮም'ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዋሽንግተን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ተካይዶ ዘላ ምንቅስቓሳት ከምእትድግፍ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ መግለጺታት ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣብ ናይ 19 ሓምለ ቃለመጠይቑ ምዝራቡ ይዝከር።

"ኣብ ጉዳይ መስኮት ባሕሪ ሓንቲ ካብተን ደገፍትና ኣመሪካ እያ። ኣጆኹም'ያ ትብለና ዘላ" እናተባህለ ይዝረብ እዩ። ዕብዳን እየ ዝብሎ ኣነ። ሓቂ ድዩ፧ ሓቂ ኣይኮነን።

"ንሳቶም እቶም ምምሕዳራት ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ መልእኽቲ ኣንጻር'ዚ ዝበሃል ዘሎ እዩ። ንሕና ግን ተሃዊኽና "እወ ሓቂ'ዩ ወይ ሓሶት'ዩ" ኢልና ንዛረበሉ ምኽንያት የለን። ዓቕሊ ጌርና ክሳብ'ዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ንጽበ ኢና ዘለና" ኢሉ።




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events