ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብ19 ሓምለ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ 'ጽምዶ' ክትፈጥር ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።
"ንሕና ሕጂ ዕድል ሃቡና ቅድም ስርዑና ኣይንብልን። እዛ ዓመት 2025 ትጽንሓልና ኢና ኢልና። ዘሀውኽ የብልናን። ንሳቶም እውን ቀዳምነታት ስለዘለዎም፡ ነቲ ቀዳምነታቶም ነኽብሮ ኢና።
"ተሃዊኽካ ውትፍ ምባል እንታይ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል። ስለዚ ኣብ 2025 ምድላዋትና ወዲእና፡ ኣብ ዝርዝራት ኣቲና ኣዳቒቕና፡ እተን ዝመጽኣ ሰለስተ ዓመታት ብዘይ ምስልካይ ክንደኽመለን ኢና። ዓቢ ውጽኢት ክንጽበ ኢና፡ እዚን እዚን ተስፋ ኣለዎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንደልን።
"ምስዚ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ (lobby) እቶም ክዕንቅፉና ዝኽእሉ ብድሆታት እውን ንርእዮም ኣለና። ጽምዶ ከይህሉ ምእንቲ፡ ንምምሕዳር ዋሽንግቶን ኣንጻርና ንምጉስጓስ ዝካየድ ዘሎ ዘመተታት ርኡይ እዩ። ኩሉ ዓይነት ዘመተታት። ንሱ ግን ንሻቐለሉ ኣይኮነን።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተፈተነ ጽምዶ ክልቲአን ሃገራት ከምዘይተዓወተ'ውን ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።
"ኣብቲ ፈለማ ምስ ምምጻእ ናቱ እቲ ዝነበረ ፖሊሲታት ምናልባት'ዶ ክእረም ይኽእል ይኸውን ኢልና ነይርና። ኣይተኣረመን። መሊሱ በዝን በትን ተጠዋውዩ ተጻብኦታትን እገዳን መጺኡ" ክብል ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተዛሪቡ ነይሩ።
ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስልኪ ተዘራሪቦም ነይሮም'ዮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዋሽንግተን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ተካይዶ ዘላ ምንቅስቓሳት ከምእትድግፍ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ መግለጺታት ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣብ ናይ 19 ሓምለ ቃለመጠይቑ ምዝራቡ ይዝከር።
"ኣብ ጉዳይ መስኮት ባሕሪ ሓንቲ ካብተን ደገፍትና ኣመሪካ እያ። ኣጆኹም'ያ ትብለና ዘላ" እናተባህለ ይዝረብ እዩ። ዕብዳን እየ ዝብሎ ኣነ። ሓቂ ድዩ፧ ሓቂ ኣይኮነን።
"ንሳቶም እቶም ምምሕዳራት ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ መልእኽቲ ኣንጻር'ዚ ዝበሃል ዘሎ እዩ። ንሕና ግን ተሃዊኽና "እወ ሓቂ'ዩ ወይ ሓሶት'ዩ" ኢልና ንዛረበሉ ምኽንያት የለን። ዓቕሊ ጌርና ክሳብ'ዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ንጽበ ኢና ዘለና" ኢሉ።