Dehai News

(ሻባይት) ዓይኒ ሕንከት ዘይብሉ ስልበጣ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 10 October 2025


ርእሰ ዓንቀጽ

ዓይኒ ሕንከት ዘይብሉ ስልበጣ


ዓርቢ 10 ጥቅምቲ 2025 

ብ2 ጥቅምቲ 2025 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ንካልኣይ ግዜ ናይ ክሲ ደብዳበ ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ እውን፡ ‘ኤርትራ ንህወሓትን ፋኖን ብምድጋፍ ኣብ ክራማት 2025 ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትፍንወልና መደብ ሒዛ ኣላ’ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሕጊ ዝተዓጸወ ጉዳይ ብምልዓል፡ ጽልኢን ቅርሕንቲን ንምጉሃር፡ እንተተኻኢሉ እውን ኲናት ንምብራዕ፡ ስርዓት ብልጽግና ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ፡ ኣእዛን ዘሰልከየ ዘመተ-ባሕሪ ዝተኸታተለ፡ ኤርትራ ክትከስስ’ዩ ዝጽበ። ምኽንያቱ ብዓንቀጽ 2 (4) ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ሓንቲ ኣባል ሃገር፡ ሓይሊ ምጥቃም ኮነ ብምጥቃም ሓይሊ ምፍርራሕ ዘይፍቑድን ውጉዝን ስለዝኾነ።

ነዚ ቀንዲ መትከል ኣህጉራዊ ዝምድናታት’ዚ ብምጥሓስ፡ ብልጽግና፡ ዕለታዊ ክብሃል ብዝኽእል ምድግጋም፡ ኣብ ዝተረኽበ መድረኻትን ኣጋጣሚታትን፡ ብመገዲ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዳፈር መግለጺታት ከጋውሕ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ልኡኻቱ፡ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዘካይድዎ ዘለዉ ሕሱር ዘመተ ድማ መስደመም እዩ።

“ግዙፍ ስትራተጂ ክልተ ማያት ሓንጺጽና ኣለና፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ወደብ ክህልወና እዩ፣ ኢሬቻ ንዓመታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና፣ ሓይሊ ባሕሪ ዘቘምናሉ ምኽንያት ባሕሪ ስለዝደለና ኢና፣ ክመጻና ዝኽእል ስግኣት ንምክልኻል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ክህልወና ኣለዎ፣ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዝና ብዘይ ባሕሪ ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ዝጠመየ ህዝቢ ሕጊ የብሉን፣ ውሕጅ ኴይንና ክንውሕጠኩም ኢና፣ ካልኦት ኣብ ማርስ ግዝኣት ክሕዙ እናሓለሙ፡ ንሕና ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ባሕሪ እንተሓለምና እንታይ ነውሪ ኣለዎ፣ ጉዳይ ሓጽቢ ህዳሰ ወዲእና፡ ሕጂ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና፣ ኢትዮጵያ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነት ቅቡል ኣይኮነን፣ ረፈረንዱም ኤርትራ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድምጹ ስለዘይሃበሉ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ኣፍልጦ ክትነፍጎ ትኽእል እያ፣ ሓሙሽተ ዓመታት ተጸቢና፡ ካብዚ ንላዕሊ ክንዕገስ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኲናት ዘይተርፍ’ዩ! ቀሪቡ! ተወሊዑ! ሰራዊት ኣብ ዶብ ተጸጊዑ ኣሎ! ኣጆና ኣይንፍራሕ! ኣምላኽ ብልጽግና ሒዝና ንኽእል ኢና! ቀሊል’ዩ! ግዜ እውን ኣይወስደልናን’ዩ! እንተወሰደ ሳልስቲ’ዩ! ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ኣለና! ድሮናት ኣለዋና! ብሸነኽ ዓሰብ ኮነ ብኦምሓጀርን ሱዳንን ተዃሊልና ከምዚ ክንገብር ንኽእል ኢና. . .” ዕሸላዊ ሃተፍተፍ ብልጽግና ማእለያ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ረዚን ህዝቢ እዩ። ናብ ከምዚ ዓይነት መኣዲ ሃጠው ቀጠው ዝዕደም ኣይኮነን። ብዙሓት ፈከርቲን ተጃሃርቲን ስለዝርኣየ ከኣ፡ በዚ ታህዲዳት’ዚ ተሰናቢዱ ናብ ክሲ ዝጓየ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ትም ዝበለ፡ ዝበሃል ጠፊኡዎ ዘይኮነ፡ ከም ባህሊ ትም ምባል ስለ ዝመርጽ ጥራይ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓምለ 2025 ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ በዚ ዝስዕብ ቃላት ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዘይወላውል ኣነጺሩዎ እዩ።

“ሽውሃት ናይ ኲናት የብልናን። ኣብ ልዕሊ ጐረባብትና ሕቶ ወይ ጥሙሕ ናይ ግዝኣት እውን የብልናን። እንተድኣ ተጠቒዕና ግን ከመይ ገይርና ነብስና ከም እንከላኸል ንፈልጥ ኢና። እዚ ታሪኽና ዝምስክሮ እዩ። ሰልፊ ብልጽግና – ድሮናት፡ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላትን ካልእን ከም ዝዓደገ ብጉራ ይዛረብ ኣሎ። ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍጽም ከምዝኽእል እውን የፈራርሕ ኣሎ። እዚ ጥዑይ ኣእምሮ ዝሓስቦ ኣይኮነን። ታሪኽ ዘይፈልጡ ወገናት ጥራይ እዮም ከምዚ ዝብሉ። ሕጂ እውን መልስና፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየድልዮ ኣዕናዊ ኲናት ኣይተእትውዎ፡ ሽግራትኩም ኣብ ምፍታሕ ኣተኩሩ፡ ዓዲ ወዓሉ! ዝብል እዩ።”

በዓል ነዊሕ ተመኩሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ፡ ነዚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ቁዘማ ባሕሪ፡ እዝኒ ኣይሃቦን። ኣጉል ሕልሚ፡ ምህሙን ምጉት፡ ዕጹው መዝገብ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ከምቲ ብልጽግና ዝተጸበዮ ኣይደንቈረን፡ “ሆ!” ኢሉ “ኣይትሓዙኒ!” ኣይበለን። ብስቓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ተስፋ ዝቘረጸ ብልጽግና ድማ፡ ጭንቀቱ እናዓረገ ክመጽእ ምጽንሑ ርኡይ እዩ። እዚ ዓይኒ ሕንከት ዘይብሉ ናይ ስልበጣ ክሲ ጉሉሕ መርኣያ ናቱ እዩ።

ምስላ ዓረብ ከምዝብሎ፡ ነገር ብልጽግና “ሃሪሙኒ በኽዩ፣ ቀዲሙኒ ጠሪዑ” እዩ። ብልጽግና ኣብዚ ናይ ሕጂ ክሱ፡ እቲ ኣብ ወልድያን ካልእ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ብሓይልታት ፋኖ ዝወርዶ ዘሎ ዘሰምብር መጥቃዕቲ፡ “ምድፍፋእ ናይ ኤርትራን ህወሓትን ኣለዎ” ኢሉ ኣሎ። ባዕልኻ ሓዊ ኣጒድካ፡ “የጉህሩለይ ኣለዉ” ኢልካ ካብ ምጥራዕ ንላዕሊ ዘሕፍር ነገር እንታይ ክህሉ ይኽእል፧

ክሲ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ቀዳሞት ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ናብ ውድቀት ዘምርሖም ዘቤታዊ ድኻማት ንምሽፋን፡ ኢዶም ናብ ኤርትራ እናወጣወጡ እዮም ሓሊፎም። ታሪኽ ደጊሱ ብልጽግና እውን፡ ባዕሉ ብዝፈጸሞ ስትራተጂያዊ ጌጋታት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምስ ኣተወ፡ ብናይ ሓሶት ክሲ፡ ምድንጋጽ ማሕበረሰብ ዓለም ያኢ እንተረኸበ፡ በዚ “ኤርትራ!” ዝብል ብሉይ ቁዘማ ይልሎ ኣሎ። እንተኾነ ዘቤታዊ ጸገም ኩሉ ሳዕ ውጽኢት ባዕላዊ ድኻም እዩ፣ ንካልኦት ብምጥቃንን ብምኽሳስን ዝፍታሕ ድማ ኣይኮነን።


ርእሰ ዓንቀጽ




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events