ሱልጣን መሓመድስዒድ
ብመሰረቱ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ድሌት ብልጽግና ወይ ሃገራዊ ስትራተጂ ኣይኮነን። ብቐንዱ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ስትራተጂያዊ ረብሓታት ንምምዝማዝ ዓሊሙ፡ ገለ ዞባውያን ሓይልታት፡ ሎጂስቲካዊ ብልጫ ንምውሓስ ኣንቂዶም ዝሓንጸጽዎ ውጥን እዩ። እዚ ነቲ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ሕጊ ዕሽሽ ዝብልን ጸረ ዞባዊ ምርግጋእን ተግባራት’ዚ፡ ብቐንዱ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዝወር ኣጀንዳ እዩ። ኢማራት ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታታ ንምስጓም፡ ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ቃለ-መጠይቑ ዝገለጾ፡ ካብ ላዕለዋይ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ማእከላይ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከቡ ወደባት ንምቊጽጻር ዓሊማ ዝሓንጸጸቶ ናይ ወደባት ሃጸያዊ ፕሮጀክት ኣለዋ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ፡ ሰፊሕ ናይ ምትዅታኽ ውጥናት ኣዋዲዳ ትሰርሕ ምህላዋ ስዉር ኣይኮነን። ንሎሚ ብሸነኽ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ እተካይዶ ዘላ ናይ ኣሻንጉሊት ምርኢት ክንድህስስ ኢና።
እቲ ውጥን ኣብ ዘይሓወየ ቊስሊ፡ ከም ጨው ምንስናስ እዩ። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ንክልተ ሃገራት ኣብ ደማዊ ኲናት ዝሸመመ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ መላእ ሓርነት ኤርትራ እውን ደግሲ ዝፈጠረ ሓደገኛ ኣጀንዳ ብምብርባርን መሊሱ ሕይወት ከም ዝዘርእ ብምግባርን፡ ኣብ ዞባና ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንኸይፍጠር ኣንቂድካ ዝተኸለሰ ውጥን፡ በቲ ተመዝማዚ ኣተሓሳስባ ኣቢልካ ዞባና ከም ወትሩ ብጓህሪ ኲናት ከም ዝቃጸል ንምግባሩ ዝዓለመ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ብናቶም ኣገላልጻ ዓያሹ ክተሃናዀቱ ለባማት ጁባኦም ከህጥሩ ዘጣጥሕ ውጥን እዩ።
ከም ቀዳማይ ሸቶ ናይቲ ውጥን ዝተሰርዐ፡ ረብሓታት ናይታ ኣብ ወሽመጥ ዘላ ሃገር ንምዕዋት ነቲ ሪቪዥኒስታዊ ስነ-መጐት ናይ ልሂቃን ኢትዮጵያ ከም መሳርሒ ምጥቃም እዩ። እዚ ኣብ ዝተፈላላየ መድረኻት በበይኑ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብዝተሓንገጡ ተኸታተልቲ መንግስታት ናይ’ታ ሃገር ተፈቲኑ፡ እንትርፎ ብርሰት ሃብትን ሞት ዜጋታትን ካልእ ዘይፍየደ ጥሙሕ፡ ሕጂ ድማ ብካልእ መልክዑን ብሓደገኛ መኣዝንን ይስርሓሉ ኣሎ። እቲ ናይ ሕጂ ሃተምተም ፍሉይ ዝገብሮ፡ መራሕቲ ብልጽግና ልክዕ ዛንታ ስሱዕ ከልቢ ይደግሙ ምህላዎም እዮም። ኣብ ኣፉ ስጋ ቀርቂሩ፡ ጽላሎቱ ኣብ ማይ ምስ ርኣዮ፡ ካልእ ከልቢ መሲሉዎ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ክንዲ ዝበልዕ፡ ነቲ ካልእ ከልቢ ዝሓዞ ስጋ ክምንጥል ናብቲ ማይ ጠኒኑ ናይ ዝኣተወ ከልቢ ጽውጽዋይ ማለት እዩ።
ሕልሚ ምስፍሕፋሕ ባሕራዊ ግዝኣት
ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነዚ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳኡ ቀንዲ ደፋኢ ረቛሒ፡ ንሃገሩ ንመላእ ዓለም ዘራኽብ ዓለማዊ ማእከል ንግድን ሎጂስቲክስን ንምቕያር ዝዓለመ እዩ። ነዚ ግዙፍ ህርፋን ንምዕዋት ድማ ከም መተግበሪ ዕላማ ንምሉእ ባሕራዊ ክሊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብሓፈሻ፡ ብዝተፈለየ ድማ ምሉእ ቊጽጽርን ልዑል ጽልዋን ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ንምጒንጻፍ ይሕልን።
ኢማራት ብመገዲ ዓርሞሽሽ ትካል ሎጂስቲክስ ዝኾነ ዲፒ ዎርድል ኣቢላ፡ ኣብ ዞባና ተደኲኖም ዝርከቡ ወደብ በርበራን ቦሳሶን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነቚጣታት ብስትራተጂያዊ ዓይኒ ወፍሪ ክትገብር ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ድማ፡ ንመንግስቲ ኢማራት ኣብ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ጽልዋ ክገብር፡ ሰንሰለት ቀረብ ከውሕስ፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ጸጋን ዓቕምን ናይተን ተጠቀስቲ ዞባታት ከመሓድር ምጽንሑ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ውጥን ምስፍሕፋሕ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ህሉው ጂኦፖለቲካዊ ጸወታ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ካብ ጽልዋ ኢማራት ናጻ ዝኾና ሃገራት ምስ ዝህልዋ (ንኣብነት ከምዚ ኤርትራ ዘላቶ)፡ ኩሉ መዳያዊ ልኡላውነት ከረጋግጻ ክብላ ከም ውጽኢቱ ብቚጠባ ተወዳደርቲ ክኾና እንተኽኢለን፡ ንጽልዋን ንግዳዊ ናጽነትን ኢማራት ዓረብ ኣብ ሓደጋ ከእትዋ እየን ዝብል ስነ-መጐት በቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ናይ ምስፍሕፋሕ ጥሙሕ ዝተቐርጸ እዩ። ስለዚ ኢማራት ነዚ ክዉንነት’ዚ ምድኻም ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕላማታታ እዩ። ነዚ ዝተላዕለ ሓሳብ ዝድርዕ ሓደ ኣብነት ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት 2024 ዝተኸተመ መስደመም ውዕል ምርኣይ ይከኣል። ኢማራት ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ምብጻሕ ዝብል ሕልሚ ብምምዋልን ብምትብባዕን፡ መንግስቲ ብልጽግና ምስታ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ውዕል ከም ዝኣቱ ገይራቶ። እዚ ብሓደ ወገን ነተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዓብለልቲ ኮይነን ከይወጻ ንምግባርን፡ በቲ ካልእ ድማ ሕልሚ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምግሃድን ዝዓለመ ሓደገኛ ጸወታ እዩ ዝነበረ።
በዚ ምኽንያት፡ ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ምዕዋት ከም ተለኣኣኺት ክትሳተፍ ዝተሓረየት ግዝእቲ ረብሓታት ኢማራት ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ህዝባ ጽዑቕ ዘመተ ከተካይድ ክትክእል ምእንቲ፡ ካብ ኢማራት ዓቢ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ናይ ወፍሪ ዕድላት፡ ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክምጠወላ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ጽግዕተኛነት ናይ ምዅስኳስ ዘመተ፡ ንኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምዕዋት እትሰርሕ ሃገር ዘይኮነት፡ ስትራተጂያዊ ህርፋናት ኣቡ-ዛቢ ንምድንፋዕ እተገልግል እስርቲ ንምግባራ ሓሊኑ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ እዩ። ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ዋላ’ውን ኣይትኽኣሎ ወይ’ውን ኣይትድለዮ፡ ኢማራት እንተ ጠሊባ ናብቲ ዘቚጸልጸለ ኣበሃህላታት ክትኣቱን ሓደገኛ ስጒምቲ ክትወስድን ግዴታ ኣለዋ።
ልሂቃን ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ’ዚ ከጋውሕዎ ዝተዓደሎም ወረቐት ኣሎ። ብኡ መሰረት ነቲ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተደገፈ ናብ ባሕሪ ንምብጻሕ ዘኽእል ቁጠባዊ መሰል (ብክልተኣዊ ስምምዕ ዝትግበር ንግዳዊ ውዕላት)፡ ናብ ጂኦፖለቲካዊ ቊጽጽር/ዋንነት ልኡላዊ ወደባት ጐረባብቲ ሃገራት ዝጠልብ ፖለቲካዊ ነታጒ ከርዕምዎ ይፍትኑ ኣለዉ። እዚ ብሓደ ወገን ስትራተጂያዊ ዕላማ ኢማራት በቲ ካልእ ከኣ ናይ ልሂቃን ኢትዮጵያ ኣበሃህላታት ዘጣመረ ኣጀንዳ ብዝርዝር ምርኣዩ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።
ነቲ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኣትወ ስምምዕ ወደብ፡ ቀንዲ ዋናኡ ኢማራት እያ። እዚ ነቲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣዋሲንካ ዝተፈጸመ ስምምዕ፡ ንኢማራት ናይ ነዊሕ ግዜ፣ ትሑት ወጻኢታት ዘለዎ ንግዳውን ወተሃደራውን መሳለጥያታት ክትውንን ከኽእላ ዓሊሙ ዝተሃንደሰ እዩ። ክንዮ’ዚ፡ እቲ ንሕጋዊ መንግስቲ ሰጊርካ ዝተኻየደ ናይ ወርጠበ ፖለቲከኛታት ዕማም፡ ንሓይሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል መሊሱ ዘዳኽም እዩ። ኣቐዲሙ’ውን ሶማልያ፡ ክሊ ኣየራ፡ ገማግም ባሕራን መሬታን ዝሕሉ ልኡላዊ ትካላት ዘይብላ ውድቕቲ ሃገር ምስ ኰነት እዩ፡ እቲ ግሁድ ምግሃስ ልኡላውንት ዘሳሲ ናይ መረዳእታ መዘክር ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ።
እዚ ሕጂ ኣብ ኵሉ መሳዅቲ ዝንጸባረቕ ዘሎ ረባጺ ፖለቲካዊ ጠባያት ብዅሉ መለክዒታት እንክርአ፡ ኢትዮጵያ ብመገዲ መንግስቲ ብልጽግና ኣቢላ ንረብሓ ኢማራት እተገልግል ሃገር ንክትከውን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ከም ዝፍለጥ ንህሉው ኩነታት ሱዳንን ሶማልያን ሓዊስካ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዞባና ክትረብሓሉ ዝጸንሐት ቀንዲ መኣዲ እቲ ናይ ህውከትን ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋን ኩነታት እዩ። ነቲ ዘይርጉእነት ኣብ ምፍጣርን ነዳዲ ኣብ ምውሳኽን ድማ ዝለዓለ ግደ ትጻወት ኣላ። ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ብዝካየድ ሰላማዊ ሓድሕዳዊ ምትሕብባር ዝፍጠር ርጉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንኣድላይነት ግዳማዊ ደገፍ ዘጉድሎ እዩ። ብኣንጻሩ ዘይምርግጋእ እንተሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኢማራትን ከም በርበራ ኣብ ዝኣመሰላ ብግዳም ዝተወረራ ስትራተጂያውያን ወደባትን ዝህልዋ ጽግዕተኛነት ናይ ህላወ ሕቶ ይገብሮ።
ኣብቲ ዝዓበየ ስእሊ ዞባና፡ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምልከት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኣብ ሱዳን እውን ፍሉይነት ብዘለዎ ሓደገኛ ኣገባብ ዝጋልብ ካልእ ኣጀንዳ ኣሎ። ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተፈላላየ ኣገጣሚታት ዘስምረሉ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ኲናት ኣይኮነን። ኣብ መቓን ናይቲ ዝያዳ ጽልዋ ግዳማውያን ሓይልታት ንምስግዳድ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። እዚ ንሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ጸጥታን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ብዕምቈት ዝጸለወ ኩነታት፡ ነቲ ብግዳማውያን ሓይልታት ስትራተጂያውያን ወደባት ንምቊጽጻር ኣንቂዱ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣበሪኹዎ ኣሎ። እታ ሓደ እዋን መሶብ ኣፍሪቃ ተባሂላ ትጥቀስ ዝነበረት ሱዳን ድማ፡ ነዚ ሓደገኛ ምንቅስቓሳት እተአንግድ ዘላ ሃገር ኮይና ትርከብ።
ኲናት ሓድሕድ’ ተባሂሉ ዝጥቀስ ቅልውላው ሱዳን፡ ንሃጸያዊ ኣመለኻኽታ ኢትዮጵያን ዲስኩራቱን ከም መቀላጠፊ ባእታ ኮይኑ የገልግል ኣሎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ንዓቢ ተራ ናይታ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ምምዋል እትርከብ ኢማራት ዓረብ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማለት እዩ። ስለዝኾነ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብግዳማዊ ድፍኢት ዘጋጠመ ዘይምስምማዕ ንጽንፈኛታትን ተበለጽትን ዘረፍትን ዘተባብዕ ጂኦፖለቲካዊ ሃዋህው ፈጢሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ታሪኽ ዘይርሳዕ በደል የኸትል ኣሎ። ምስ ቅልውላው ሱዳን ተኣሳሲሩ፡ ምስቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ኣጀንዳ ዘሎ ምውስሳብ ከመይ ይመስል ምድህሳስ፡ ነቲ ምሉእ ስእሊ ንምንጻር ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት ፥
ይቕጽል. . .