ሓተታ – ካብ ጉይይ ምዓል፡ ክሳድ ምሓዝ!
ቀዳም 22 ሕዳር 2025
ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሰበ–ስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ናይ መናፍሕ ኣውታሮምን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ባዕሎም ዝፈጠርዎ፡ ንሰላማዊ ሕውነታዊ ምንብባርን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዝዘርግን ንኣህጉራዊ ሕግን ስርዓትን ዝግህስን ግጉይ ትረኻ፡ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊእዎም ኣብ ሃልወሳ ኣትዮም ከምዘለዉ ዘርኢ ሓያሎ ምልክታት ንዕዘብ ኣሎና።
ኣብ ዝተፈጥረ ኣጋጣሚታት ኮነ ባዕሎም ኣጋጣሚታት ብምፍጣር – ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ጐበጣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን፡ ረፈረንደም ኤርትራ፡ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ካልእን፡ ካብ ጽውጽዋይ ዘይሓልፍ፡ ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ፡ ብባዶ ፈኸራ ዝተሰነየ መታለሊ ዘረባታት ከስምዑ ቀንዮም ኣለዉ።
እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ኩለን ኤምባሲታቱን ቈንስላቱን ዝለኣኾን ብጅምላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘጋውሕዎን ዓማሚ መልእኽቲ፡ ናይ’ዚ ኣብነት’ዩ። እቲ መልእኽቲ፦ “እቲ ዘሕዝን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብግጭት ዝተዓብለለ’ዩ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብ 2018፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጸንሐ ጃላነት ምስ ኤርትራ ብምስባር፡ ናብ ዞባዊ ውህደት ክትምለስን ኣብ ልዕለኣ ዝተበየነ እገዳታት ክለዓልን ደፊኣ። እቲ ናይ ምቅርራብ እዋን ሓጺር’ኳ እንተነበረ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሰላም ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ሓያል ድሌት ግና ብንጹር ኣርእዩ’ዩ።” ይብል።
እዚ ብቐንዱ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ንምድንጋር ተባሂሉ ዝተኣልመ ብምዃኑ፡ ኣንጻር’ቲ ንውሽጦም ዝቐንዐ ንኲናት ዝጉስጉስ ዘመተታት፡ ብልዝብ ዝበለ ቋንቋ ዝተነድቀ’ዩ። ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ – ንኣስታት ክልተ ዓመታት ብዘይምቊራጽን ብጻዕቅን ክመሓላለፍ ዝጸንሐ መልእኽቲ ግን፡ “ኢትዮጵያ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነት ቅቡል ስለዘይኰነ፡ ኩሉ ዓቕሚታትና ናብ’ዚ ወፍሪ’ዚ ይቕናዕ!” ዝብል’ዩ።
እዚ ተዋቓዒ ዘመተታት፡ ብዘይካ ዕብዳን ካልእ ክበሃል ስለዘይከኣል፡ “ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱ” ኢልካ ክሕለፍ ምተኻእለ። እንተዀነ፡ ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ከምዝበሃል፡ ነቲ ሓቂታት ከምዘለዎ ምዝኽኻር፡ ነቲ ድሙቕ መሊስካ ምድማቕ ስለዝዀነ ኣይጽላእን።
እዞም ቅንጣብ ሕንከት ዘይብሎም ማሪታውያን፡ ነቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ ንክንቲት ሚዛኖም መሊሱ ዘፍኵስ ቊንቊኛ ከውጽኡሉን ዘይትርጉሙ ክህብዎን ይስምዑ’ለዉ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ቀንዲ ሕመረቱ ደጊምካ ምዝኽኻሮም ሓጋዚ’ዩ።
1. እቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ ኣዋጅ “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ ምሉእ ክብረት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ኣብ ዝብል መሰረታዊ ዓንድታት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሰረተ’ዩ።
2. ዓንቀጽ 1 ናይ’ቲ ስምምዕ፡ “ምኽታም ኩነተ ውግእ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምእዋጅ፡ “ምጅማር ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን” ዘበስር’ዩ። ዓንቀጻት 4ን 5ን ድማ፡ “ምሉእ ትግባረ” ናይ’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ከምኡ’ውን “ሓባራዊ ጻዕሪ ክልተአን ሃገራት ንምርግጋጽ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕግጋዝን” ይእውጅ።
3. “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ 16 ዓመት ድሕሪ’ቲ “ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን” ኮሚሽን ዶብ ዝመጸ’ዩ። ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝጸንሐ ኩነተ ተጻብኦታት ድማ፡ ቀንዲ ጠንቁ – ስልጣን ዝሓዙ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ብዝኸተሙሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት ንኸይግዝኡ ምሕንጋዶም፣ ከምኡ’ውን ኣውሓስቲ ዝተባህሉ ሓይልታት/ወገናት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝሓንገደ ኣካል ቀጻዒ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም’ዩ።
4. ዋላ’ኳ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ እንተዀነ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2018 ዝወሰዶ እወታውን ቅኑዕን መርገጺ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ካብ’ቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ መስፋሕፋሕቲ ስርዓታት ዝበኣሰ ሰራም ኣጀንዳ ክኽተል ምስ ጀመረ፡ እቲ ተስፋ ሓድሽ ምዕራፍ ንዘላቒ ዞባዊ ርግኣትን ምትሕግጋዝን ኣቐልቂሉ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት፡ ብዘሕዝን ኣገባብ ተጨውዩ።
5. ስርዓት ብልጽግና ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ዘይሕጋዊ ሕቶ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪን ምጉባጥ ዓሰብ ብሓይልን” ብምልዓል፡ ነቲ ብክቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ “ሕጋውነቱ ንምቕልባስ”፡ “ኣብ 1991 ንዝተጋህደ ታሪኻዊ ፍጻመ ምእራም” ዝብል ተልእኾ ኣንቂዱ፡ ንናጽነት ኤርትራን “ምሕካኽ ሃገራዊ ኤርትራዊ መንነትን” ዒላማ ኣብ ዝገበረ ጽዑቕ ተዅታዂ ዜናዊ ዘመተ ተጸሚዱ ይርከብ።
6. ከምቲ ብቐጻሊ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ጠንቅን ምንጭን ናይ’ቲ ዘይተደልየን ክውገድ ዝነበሮን ምትፍናን፡ እቲ ንሓድሽ ግጭት ዝተዃትዅ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና’ዩ። መቚረር–ሕንዚ ናይዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ቅልውላው ድማ ንጹር’ዩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ጸኒዕካ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረቤትካ ምኽባር ጥራይ’ዩ።