9 ታሕሳስ 2025, 12:32 EAT
ዝተመሓየሸ ቅድሚ 4 ሰዓታት
ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ካብ ኣስመራ ዝተበገሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ኣትዩ።
ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሪያድ ኣብ ዝኣተወሉ ምክትል ኣሚር ዞባ ሪያድ ዝኾነ ልኡል መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል-ሳዑድ ከምዝተቐበሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ሓቢረን።
እቲ ፕረዚደንት ብዕድመ ንጉስ ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ስዑድ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብታ ንግስነት ከምዝገሸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጻንሒቱ፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ስዑዲ ብምርኻብ፡ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ናይ ሓባር ረብሓ ዘተኰረ ዘተ ከካይዱ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ናይ ኩናት ወጥሪ ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገይሽ ዘሎ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽ ሓያል ቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ከምዘለዋን፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ናይቲ ዞባዊት መወዳድርታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምምካት ትጽዕር ከምዘላ ተንተንቲ ይሕብሩ።
ኣብ ስግር ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ሶማልያ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ርያድን ኣቡዳቢን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ነቲ ዞባ ናብ ቀጻሊ ቅልውላውን ስግኣትን ሸሚምዎ ከምዘሎ ይግለጽ።
ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ናብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭትን ምዕባለታቱን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባዊን ዓለምለኻውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰረ ዘተ ከካይዶም ነይሮም።
ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ከምእትድግፍ ይፍለጥ።
ስዑዲ ዓረብ'ውን ቀንዲ ደጋፊት ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ውግእ ሱዳን መዕለቢ ክረክብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ምዝርራብ ጉዳይ ሱዳን ተስፋ ሰላም ዝረኸበ ይመስል።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 2023 ናብ ስዑዲ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ምስ ሓያለ ላዕለዎት ሰበሰልጣን እታ ንግስነት ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ርእሰ ከተማ ሪያድ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
