Date: Wednesday, 21 January 2026
ንስኻ ሃሉ ኩሉ ክሓልፈሉ፡
*መጀመሪያ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ፣
ክሳብ ኤረየ ኤረና እናበሉ ዝዝሙሩ ህጻውንቲ፣
ነቶም ጸሎት ዘብጽሑ ሃይማኖት መራሒቲ፣
ንምክልኻል ሓይልታት ልእላውነት ሃገር ኣውሓስቲ፣
ንሓፋሽ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህንጸት ተሳተፍቲ
ንምምስጋን’ያ ትገልጽ እዛ ጽሕፍቲ።
*ግጥመይ ከምዚ ኢለ ክጅምራ፡
ንኹሉ’ያ ትውክል ብሓበራ፡
ጫለዳ ከይተውጽኡላ ሓደራ።
*ንስኻ ሃሉ ኩሉ ክሓልፈሉ፡
ጸልማት ዝነበረ ብርሃን ኮይኑሉ፡
ሳላኻ ጽሙእ ዝነበረ ጎሮሮ ጠሊሉ፡
ጥሙይ ዝነበረ ከብዲ ተዓንጊሉ፡
ሕሙም ዝነበረ ተፈዊሱ ተተይ ኢሉ።
*ህዝቢ ተማሂሩ ፍትሒ ተሰላሲሉ፡
ገጠርን ከተማን ተደላዲሉ፡
ከትርን ዛላታትን ማይ ኣዋህሊሉ፡
ዲጋ ራህያታት መሊኡ ቀንበይበይ ኢሉ።
*ሳላኻ ሜረት ዘይነበሮ ተዓዲሉ፡
ህዝቢ ተሓጉሱ ኩሉ እልል ኢሉ፡
ኣንስታይ ተባዕታይ ተሓልዩ መሰሉ፡
ማዕርነት ብግብሪ ተመስኪሩሉ።
*ጌጋ ዝገበረ ሕድገት ተገሪሉ፡
ጣዕሳ ዝብል ኣምር እንተተኸቲሉ፡
ከም ወዲ ሃገር ሕሉው’ዩ መሰሉ፡
ዓዱ ምእታው ዝዓግት ነይብሉ።
*ዓሶ ነበረ ኮይና ካብ ሃገር ኣልጊሳ፡
ኤድስ ጠፊኣ ኮይና ሬሳ፡
ሞት ምውላድ ትኪ ኮይና ሃሲሳ፡
ኣደ ብሰላም ወላዳ ሓሪሲ።
*ኣኻውሕ ዝነበረ ተሓሪሱ፡
ምድረበዳ ዝነበረ ተርኪሱ፡
ኣጻምእ ዝነበረ ማይ ኣፍሲሱ፡
ህዝቢ ጽሩይ ኣየር ኣስተንፊሱ።
*ርሑቕ ዝነበረ ተዳህሲሱ፡
ኣድጊ በቕሊ ብዕራይ ተሓጉሱ፡
ገመል ብግዲኡ ኣራጢጡ ደቂሱ፡
ብሂወት ከሎ ፍረ ቃልሱ ተኻሒሱ።
*ትራክቶራት ሜረት ክጽሕትራ፡
ቡልዶዞራት ጎቦታት ክትርትራ፡
ግረደራት ኣጻድፍ ክሰግራ፡
ብግብሪ ተራእዩ ኣብ ሃገርና ኤርትር።
*ኣየ ብልሒ ውሕልነት ኣየ ቅያ፡
ሃገር መሲላ ሰኪዔት ብጽርግያ፡
ኣውቶቡሳት ይሕንበባ ካብ ናብ ብጉያ፡
ኣስመራ ተሰነይ ኮይና እምኒ ድርበያ።
*ህዝቢ ተዓጢቑ ክደግም ቅያ፡
ንዝመጽእ ዎሎዶ ክኸውን ኣርኣያ፡
ቀትርን ለይትን ጾሎቱ ሃገር’ያ፡
ተቐኒቱ መርገጽ ህዝባዊ ሻዕብያ።
*ሕጅውን ንስኻ ሃሉ ኩሉ ክሓልፈሉ፡
ዝተረፈ እንተሎ ክትምልኣሉ፡
ሳላኻዩ እቲ ጽንኩር ዘመን ተሰጊሩ፡
በምሳያዩ ሓፋሽ ዓወት ተደሪሩ።
*መጻኢ ዘየሸግረካ ብዋኑ ትግምት፡
ንሎሚ ዘይኮነስ ንጽባሕ ትጥምት፡
ትውድብ ተንቅሕ ተዕጥቕ ሩሑቕ ተቋምት፡
ሳላ ኮምኡዩ ሃገር ዝስጉም ዘሎ ንቕድሚት።
*ሕቡራት መንግስታት ርኢናዮ እንዲና፡
ፍትሒ ዘይብሉ ቀናን ዳኛ፡
ፍርዲ ዝህብ ከይሰምዔ ቃልና፡
ነብስና ክንክእል ስለ ዝበልናስ ዀና ገበነኛ።
*ህዝበይ ልብና ጥራሕ ይኹን ሓደ፡
ዋላ እንተመጸ መድረኽ ዝገደደ፡
ንቡር’ዩ ቀደምው ዝተለምደ፡
ኣብ ሰውራውን ኔሩዩ ካብኡ ዝገደደ።
*ኤርትራ ኣፍሪኺ ጀጋኑ ዝውፈዩ ንሃገር፡
ዋርሳኢ ይክኣ፡ሎ ሰራሕቲ ቁምነገር?።
መስመሩ ዘትሕዝዎ ንዝደናገር፡
ዝሕልዉኺ ከይኣቱ ሓሳዊ ፈገር፡
*ደጊም ይኣክል ዝሓለፈ ግርህና፡
ሳላ ዓቕሊ ቡዙሕ ተማሂርና፡
ይትረፍ ነሓፍነት ኣብ ሞንጎና፡
ከረድድ ከይህልዉ ኣብ ውሽጥና፡
ስርሓ ትግበር ወሓለ መንፊትና።
*ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፣
ዓወት ንሓፋሽ።
ገብረንጉስ መስመር
ጥሪ 1 2025