ብልጽግና ክልተ መልሓሱ ሰልፊ።
Posted by: Ghebrengus MesmerDate: Wednesday, 21 January 2026
ብልጽግና ዝበሃል ክልተ መልሓሱ፡ ከም ነፋሒቶ ዝቕያር ሕብሩ፡ ብነብሱ ክሓድር ዘይክእል ናይ ሉሙሳት መተእኻኸቢ ሰልፊ ፖሎቲካ እዩ። ንዱይ ጥቕኡ ዘሎ ጸጋ ገዲፉ ኣርሒቑ ዝዕሰብ ናይ ኢማራት ከዳሚ፡ እንትሮፎ ክርኤ ክሰኣል ካልእ ቁምነር ዘይመሃርን ዘምህርን ጻሕታሪ ነገር እዩ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ውሽጢ'ቲ ሰልፊ ዘለዉ ውሑዳ ብሰንኪ እዚ ናይ ጥፋት መሪሕነት ምልካሞም እዩ። ላዕለዎት ጀነራትላቱ ብዘይ ጫት ዘይንቀሳቐሱ ብድሮውን ጌሮም ገባርን መልሻታቶምን ዝቐዝፉ ሰኽራማት። ዕጥቆምን ጹሩሩኦምን ክሰኣሉሉ ዝለበስዎ እንበር ብዘይ ሕልናን ዓቕምን ብቁዕ ወተሃደራዊ ፍልጠትን ከመይ ገሮም ክመርሑ። ፊልድ ማርሻል ቆልዓ ዘይዛረቦ ጃህራ፡ " የኣፍሪቃ መሪዎች እኮ እባካችሁ! ወተሃደራችን ስልጠና ስጡልን እያሉ ኣስቸግሮውናል " ዝብል ምስ መዓርጉን ተግባሩን ዘይቀራረብ ሰብ'ዩ። ጀነራላት ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኔሮም፡ ሻዕብያ ኣባጥረግ ድኣ ዝቕተል ቀቲሉ ዝማረኽ ማሪኹዎም እንበር። በዓል ባጫ ገመዳ ጁላ ተሰማ ወዘተ--- ናይ 130,000,000 ዘለዉዋ ሃገር ሰራዊት ክመርሑ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበራ ሽግር ናብ ዝገደደ ደቕዲቖማ። ኣብ እንዳ ጫት ባራት ድግሳት ባይቶታት ተገትሪሮም የህዝብ ብዛት ስለ ኣለን ኣሰብ ያለ ምንም ጥርጥር ወደ እናትዋ ኢትዮጵያ እንመልሳታለን ዝብሉ በፍባፋት እንድዮም። ወዲ ብሻሻ ጫማ መራሕቲ ኢማራት እናጽረየ፡ ሞንኩብ ሩቶ ማሳጅ እናደረዘ፡ ጭሕሚ ሳልቫኬር እናጽረየ ብኻልእ ኣዛራርባ ሙጉዚት ኩሎም ኮይኑ ዝረኽቦ ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ዘሎ ይመሰሎ። ንርእሱ ሓሲሩ ንህዝቡ ኣሕፊሩ። ዝኾነ ኾይኑ ፎኲስ ከም ታኒካ ኢልካ ምሕላፉ ይሓይሽ። ደቂ ኤረይ ዝሃውተተ ኣብ ልቡ ይመለስ። ዝተጋገ ተኣሪሙ ኣብ መስርዕ ህዝቡ ይጸንበር፡ ኣይፋለይ ዝበለ ደጊምና ንዓ ኣይትጋገ ናባና ተኣለ ንበል። ኣይፋለይ ንዝበለ ግን ጻዕዳ ይጽናሕካ እያ።