Date: Wednesday, 21 January 2026
ኤርትራ ፍረኣ ዘይውዳእ ምርጽቲ ተኽሊ፡
*ኤርትራ ሃገረይ ምርጽቲ ተኽሊ፡
መሪጹ ዝሃባ ልዑል ፈጣሪ፡
ትለምዕ ትፈሪ ብዘይ ማይ እኽሊ።
*ሓያላን ደኺሞም ከጥፍኡ ስምኪ፡
ሃሱሳት’ውን ተዓሲቦም ከንቡዑ ህዝቢኺ፡
ኩዒቶም ኩዒቶም ክቐብሩዎ ስምኪ፡
ንስኺ ግን መመሊስኪ ድኣ ጠጣዕኪ።
*ቀምሲላ ሓሪራ ኢሎም ከዕሉሉ፡
ጉንዳ ነቒጹ ኢሎም ሓዊ ክሩኩዑሉ፡
ንስኺ ግን ትጥጥዒ ሱርኪ ጠሊሉ።
*ማይ ኣይኮነን ኣጥሊሉዎ ጎሮሮኺ፡
ምግቢ ኣይኮነን ዓንጊሉዎ ከብድኺ፡
ፍቕሪዩ ፍቕሪቶም ሰብ መትከል ደቂኺ።
*ጉራምራ እንደ’ሞ ተመሲሉ ከስዔ ኣደ፡
ኣብ ሞንጎ ጀጋኑ ይውለድ ዕደ፡
ንነብሱ ኣይከውን ንዝወለደ፡
ሃገሩ ከይሕግዝ ኣእዳዉ ዝቐየደ።
*ኣይነስተብህለሉ ነብሱ ዝገለለ፡
ግን ንምዓዶ ልቢ እንተገበረ፡
ንሕና’ሞ ኣይንፈትሕን ዝተዓጥቀ ስረ፡
ዋላ እንተመጸ መድረኽ ዝተረር።
ስዉኣትና ወትሩ ኣብ ልብና።
ዓወት ንሓፋሽ፡
ገ/ንጉስ መስመር።