Dehai News

ኤርትራ ፍረኣ ዘይውዳእ ምርጽቲ ተኽሊ፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 21 January 2026

 

ኤርትራ ፍረኣ ዘይውዳእ ምርጽቲ ተኽሊ፡

*ኤርትራ ሃገረይ ምርጽቲ ተኽሊ፡

መሪጹ ዝሃባ ልዑል ፈጣሪ፡

ትለምዕ ትፈሪ ብዘይ ማይ እኽሊ።

*ሓያላን ደኺሞም ከጥፍኡ ስምኪ፡

ሃሱሳት’ውን ተዓሲቦም ከንቡዑ ህዝቢኺ፡

ኩዒቶም ኩዒቶም ክቐብሩዎ ስምኪ፡

ንስኺ ግን መመሊስኪ ድኣ ጠጣዕኪ።

*ቀምሲላ ሓሪራ ኢሎም ከዕሉሉ፡

ጉንዳ ነቒጹ ኢሎም ሓዊ ክሩኩዑሉ፡

ንስኺ ግን ትጥጥዒ ሱርኪ ጠሊሉ።

*ማይ ኣይኮነን ኣጥሊሉዎ ጎሮሮኺ፡

ምግቢ ኣይኮነን ዓንጊሉዎ ከብድኺ፡

ፍቕሪዩ ፍቕሪቶም ሰብ መትከል ደቂኺ።

*ጉራምራ እንደ’ሞ ተመሲሉ ከስዔ ኣደ፡

ኣብ ሞንጎ ጀጋኑ ይውለድ ዕደ፡

ንነብሱ ኣይከውን ንዝወለደ፡

ሃገሩ ከይሕግዝ ኣእዳዉ ዝቐየደ። 

*ኣይነስተብህለሉ ነብሱ ዝገለለ፡

ግን ንምዓዶ ልቢ እንተገበረ፡

ንሕና’ሞ ኣይንፈትሕን ዝተዓጥቀ ስረ፡

ዋላ እንተመጸ መድረኽ ዝተረር።

ስዉኣትና ወትሩ ኣብ ልብና።

ዓወት ንሓፋሽ፡

ገ/ንጉስ መስመር።

 

 



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events