Dehai News

ግዚኡ ዝሓለፈ ዝንቡዕ ቢሂል፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 21 January 2026

ግዚኡ ዝሓለፈ ዝንቡዕ ቢሂል፡

ሓደ ሓደ ግዜ ተባሂሉ ኢልካ ዝምሰል ዝንቡዕ ምሳሌታት ኣሎ። ሓደ ካብኡ   ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና ዝብል ።  እዚ ምሳሌ ማዓስን? እንታይ ምስ ተረኽበን ተመሲሉ ብርግጽ ንፈልጦ ግዜ ዘሎ ኣይመስለንን። ከም ቢሂል ግን እናተወራረሰ ስለ ዝመጸ ገለ ሰባት ክምስልዎ ይስማዕ። ዝፈልጥዎ እቶም ቅድሚ  ብዙሕ ዓመታት ዝመሰሉዎ ጥራሕ እዮም።  ኣብ እዋኑ ትርጉም ኔሩዎ ክኸውን ይኽእል።  ኣብዚ ሕጅ ዘለናሉ እዋን ግን ፈጺሙ ተቐባልነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።  ገለ ሰባት እንተ-ተጠቕሙሉ ሕመቖም ክሽፉኑ፡ ክሰማምዑ ዘይደልዩ እምበር ኤርትርውያን ስለ ዘይንሰማማዕ ኣይኮነን። ብባህሪ ደቂ ሰባት ብውልቀ  ወይ ጉጅለ ደረጃ ክሰሓሓቡ፡ ዘይክረዳድኡ ንቡርዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ከይሰማማዕ ተሰማሚዑዩ ኣብ ዝብል እምንቶ ዝዓርግ ኣይኮነን። 

      ኣብታሪኽ ሕብረተ-ሰብና፡ ታሪኽ ሰውራና፡ መናባብሮና፡ ባህልናን፡ ከማና ተሰማሚዑ ዝነብር ህዝቢ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን ምስቲ ኩሉ ጸጋጠመና ተጻብኦታት ብምውድዳር።   ኤርትራውያን ተሰማሚዕና ንነብር ምዃና ካብ ከባብኒ ጀሚርካ ኩሉ ስለና ዝፈልጥ ህዝቢ ዓለም ብጥምረትናን ስምምዕናን’ዩ ዝፈልጠና።  እንተ-ዘይንሰማማዕ ከመይ ገርና ነጻነት ኣምጺኢና። እንተዘይንሰማማዕ ከመይ ገርና ተደጋጋሚ ወራራት ሲዕርና? ከመይ ገርና ሞጒትና ተዓዊትና? ንበብእዋኑ ዝተብየነልና እገዳታት ኣፍሺልና? እንተ-ዘይንሰማማዕ ከመይ ገርና ዓለም ዘገርም ፈስቲፋላት ኣብ ኩሉ ዘለናዮ ሃገራት ብድምቀትን ዓውትን ነኽብር? ህዝብናን መንግስትናን፡ እምነታትናን ሰራዊትናን ተሳማሚዕምና ስል ንነብር እንዲና ሃገርና ርግኣት ሰፊኑዋ፡ ህዝቢ ብሰላም ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ኩነታት ሃገርና ብግቡእ ክንመዝን  ከም ይበሃል ኔሩ ክንብል ንኽእል ንኸውን።  ሕጂ ከም ዘሎ ገርካ ምዝራብ ወይ ምምሳል ግን ሓድነት ህዝቢ ምዝራግን ነቲ ንኡስ ወለዶ ጌጋ ታሪኽ ምምሃር’ዩ።

ክብርን ነባሪ ዝኽርን ንሰማእታትና፡

ዓወት ንሓፋስ፡

ገ/ንጉስ መስመር። 



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events