Dehai News

ሰብ ንከብዱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 04 May 2026

ሰብ ንከብዱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር፡
ክሓስብ ኣለዎ ክግምት ክዝክር""
ኩቡር ነፍስሄር ገዲም ስነ ጥበባዊ ኣልኣምን ኣብደል ለጢፍ፡ ነዛ ረዛን ዓሙቕ ትርጉም ዘለዋ ደርፊ "ሰብ ንከብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝንብር" በቲ ዘይሙኖ ቃንኡ ክደርፋ ከሎ ንመጻኢ እንታይ ይረኣዮ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ምባል ዝፍጠር ሽግር ክሳብ ክንድይ ንድሕሪት ከምዝመልስ ኣሕዋት ክም ዘረሓሕቕን ይርዳእ ከም ዝነበረ እያ ተብርህ። ብልቢ ንዘስተማቐሩዋ ካብኣ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ኩሉ ሰብ ኣብ ቢሂወት ዘለወሉ እዋን ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ብዝብል ሓሳብ ተደሪቱ፡ ቤይተሰቡ፡ ጎረባብቱ፡ መተዓብይቱ፡ መማህርቱ፡ መዋፍርቱ... ወዘተ ረሲዑ ምስ ዝጓዓዝ፡ ኣብ ግዜ ራህዋን ጸበባን፡  ሕማቕን ጽቡቕን፡  ተሳታፊ ምስ ዘይኮውን ካብ ብዙሓት ሓደ ብገዛእ ፍቓዱ ዝተገለለ ሰብ'ዩ ዝኸውን። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት " መቓብሮም ይትፋዮም " ዝብል ቢሂል'ዩ ዝስመየሎም። ኣብ ግዜ ሕልፈቶም ንስለ ኣምላኽ ዝፈጠራ ነብሲ ሰባት ንቡር ገሮም ሓመድ ኣዳም የልብሱዎም። እቲ ብድሕሪኡ ዝበሃል ብዛዕባ ታሪኹ ጽቡቕ ከምዘይዕለል ብሩህዩ።
ካብዛ ደርፊ ዘይመሃሩ፡ ከም ደርፊ ጥራሕ ክደግምዋን ክፋጽዩላን ዝነብሩ፡ ንተልእኮኣ ዕሽሽ ኢሎም ስቓይ ህዝቦም ዘደስቶም ሃሱሳት ተጃሃርትን መናኽስትን ብዕሉጋት ከም ዘለዉ ኩሉ ሰብ ዝርድኦዩ። እዚኦም ዓይነት ሰባት፡ ንሰባት ጥራሕ ዘይኮኑ ነታ ጸራቶም ትነበር ሜረት ( ሃገር) ከይተረፍ እዮም ልእላውነታ ኣድፊሮም ህዝባ ግዙእ ኮይኑ ክነብር ምእንቲ ውልቃዊ ረብሕኦም ከርዉዩ መንነቶም ኣራኺሶም ክነብሩ ዝምነዩ። ሎሚ እቶም ንኸብዶም ጥራሕ ክነብሩ ዝደልዩ ዘርም ዞርሞ (ቁምነገር ኣልቦ) ነዛ ኣደና ጽላልና ዝኾነት ብመስዋእትን ስንክልናን ዝመጸት ኤርትራ ሃገርና፡ ምስቶም ስሱዓት ዘይናቶም ምምናይ ሕልሞም ዘየቋሩጹ ተጸጊዕም፡ ሕልሚ ንዱይ ብልጽግና ከሳስዩ ኣድግን ጠይቅን ኣቤይ ኣሕመድ ኮይኖም ልዕላውነት ኤርትራ ኪሕዶም፡ ጸረ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ይርከቡ። ሰብ ክብረቱ ምስ ሃገሩን ህዝቡን እዩ።  ሃብቲ ኣይኮነን ዘንብሮ።  ብፍቕርን ሰላምን ቅሳነትን እዩ ዝነብር። ምስላ ኣቦታትና፡ "ፍቕሪ ዝዓበየት መኣዲ እያ። ንሓደ ዝበልካዮ ንሾመንተ ይኣክል" መጽናዕቲ የድልያ ይኸውን እምበር እዛ ኣብ ሓደ ማእዲ 8 ሰባት ንኸበላ ምስዛ ድርፊ ዝምድና ዘለዋያ ትመስል። መግለጻ ሓቢርካ ከብድኻ ምዕንጋል ስለ ዝኾነት። ካብ ገበን ጌርካ ብቤት ፍርዲ ክትፍረድ፡ ገበን ፈጺምካ ብታሪኽ ትፍረዶ ይብእስ። ናይ ቤት ፍርዲ ካባኻ ኣይሓልፍን እዩ። ኣብ ታርኽ ትፍጽሞ ገበን ግን ናብ ወሎዶታት'ዩ ዝተሓላለፍ። እዞም ቁንጣሮ ንኸብዶ ክነብሩ ክብሉ ጸረ ሃገርናን ህዝብናን ሰራዊትናን መንግስትናት ምስ ጸላእትና ተጸጊዕም ዘለዉ፡ እታ ዘይትተርፍ ሞት ምስ ኣርከበቶም ምዕራፎም ክድምደም'ዩ።  ጉሓፍ ታሪኾም ግን ተቶም ንጹሃት ደቆም ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን።  ሕላገት ኮይኑ ንዓመታት ከሳቕዮም እዩ። ክብርን ምስጋናን ንስነ-ጥበባዊ ነፍስሄር ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ስለቲ ተሰኒዱ ከይሃሰሰ ዝነብር "ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር፡ ክሓስብ ኣለዎ ክግምት ክዝክር" እትብል መሃሪት ደርፊ ምብርካትካ ።


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events