ጋዜጣዊ መግለጺ
ናይ ኢትዮጵያ ዘሕዝን ተጻባኢ ተግባር
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዕጻውን ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት - እንተላይ ፈጻሚ ጉዳያትን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመደቡ ካልኦት ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ምስጓግን ስጒምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ’ሎ።
ነዚ ዘይምኽኑይ ተጻባኢ ተግባር ቅኑዕ ንምምሳል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብ“ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተግባራት ተጻብኦን ምትዂታዂን” ንምኽሳስ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። እዚ መስደመም ስልበጣ’ዩ።
ግደ ሓቂ፡ ኢትዮጵያ እያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ ንምርግጋጽ” ንዝሰመየቶ ተጻባኢ ኣጀንዳ ንምትግባር፡ ልኡላዊ ወደባትን ገማግም ባሕሪን ኤርትራ ንምውራር፡ ቅሉዕን ቀጻልን እዉጅ ኲናት ክትክተልን ከተጉባዕብዕን ጸኒሓ።
ክንዮ’ዚ ተንኳዪ ውጥን ብምኻድ’ውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ውሽጣዊ ግጭታት ብምስዋር “ናይ ስርዓት ለውጢ” ንምምጻእ፡ ን “ዕጡቓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ጉጅለታት” ኢላ እትጽውዖም ክተአንግድን ክተዕጥቕን ከምዝጸንሐት፡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ።
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ፈታኒ ኩነታት፡ ኤርትራ ክስዕብ ንዝኽእል ሓደገኛ ዕርገት ንምግታእ ብዝብል ተስፋ፡ ነብሰ-ግትኣት መሪጻ ጸኒሓ።
ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፡ ኤርትራ - ተመሳሳሊ ስጒምቲ ብምውሳድ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ምብታኽ፡ ካልእ ኣማራጺ የብላን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ኣስመራ
1 ጥቅምቲ 2026