Dehai News

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፡ ንጥሙሕ ምስፍሕፋሕን ተጻባኢ ባህርያትን ኢትዮጵያ፡ ልጓም ይገብሩሉዶ ይዀኑ፧

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 29 October 2026


ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፡ ንጥሙሕ ምስፍሕፋሕን ተጻባኢ ባህርያትን ኢትዮጵያ፡ ልጓም ይገብሩሉዶ ይዀኑ፧

ኣዱሊስ ተወልደ
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዕቑድ ንኣህጉራውያን ትካላት ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሳትፍ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ክዝከር ከሎ፡ ምውቓዕ ኩነትን ተግባራውነትን ኢና እንዕዘብ። ኣብ ወሰንቲ እዋናት፡ እዘን ኣህጉራውያን ውድባት ንዝተመስረታሉ መትከላት ኣብ ባይታ ከንጸባርቓ ብዘይምኽኣለን ግዳያት ካብ ዝኾኑ፡ ኤርትራን ህዝባን’ዮም። ካብ ኣብ 1940ታት መሰል ንናጽነት ዕሽሽ ምባል፣ ክሳብ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ውሳነ ዶብ ክትግበር ዘይምኽኣል፡ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብዘን ውድባት፡ ናይ ተኣማንነትን ዘይሻራዊ መርገጽን ሕቶ፡ ከምኡ’ውን ንኣተገባብራን ኣካይዳን ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ’ዩ።
ሰልፊ ብልጽግና ተጻባኢ ባህርያቱ እናዓበየ፡ ግዝኣት ጎረቤት ሃገር ክጎብጥ ህርፋኑ ጥርዚ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ እዋናዊ ፈተና ገጢምዎ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምግታእ ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ድዮም፧ ወይስ ከም ደግሲ ሕጂ’ውን ጾር ትግባረ መሰረታዊ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጥራይ ክወድቕ’ዩ፧
ከምዝፍለጥ፡ ኣብ 1945 ዝጸደቐ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ንመትከል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት ዘኽብር ዓንቀጻት ኣስፊሩ’ዩ። እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት ናጽነተን ክወሃበን ከሎ፡ ብኣንጻሩ - ማሕበረሰብ ዓለም ዘይከም መትከላቱ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ገጹ ክኽውል ተራእዩ። ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ናይ’ቲ እዋን ርእሰ-ሓያላን ሃገራት ንምሕላው፡ ኤርትራ ኣብ 1952 ብዓሎቚ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምእትቑረን ተገይሩ።
እዚ ንመሰል ርእሰ-ውሳነን ናጽነትን ኤርትራ ዘዳኸመ ዘይቅርዕው ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ብበይናዊ ስጒምቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፈሪሱ፡ ኣብ 1962 “ፈደራላዊ ሕጊ” ተጣሒሱ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጎበጣ ኢትዮጵያ ክትኣቱ ኣገዲዱ። ኣብ’ዚ ዘሕዝን እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዓገብ” ክብልን ኣድማዒ ውሳነታት ከሕልፍን ብዘይምኽኣሉ፡ ድኽመቱ ዘነጸረሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ብወገኑ፡ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ዋዕላ፡ “መግዛእታዊ ዶባት ቀያድን ዘይልወጥን” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ቦትኡ ክነሱ፡ ኣብ ጉዳይ ጎበጣ ኤርትራ ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ግን፡ መሰረታዊ መትከል ናይ’ዚ ውድብ ንምትግባር ፈሺሉ’ዩ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣን መግዛእትን ኢትዮጵያ ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ተገዲዱ’ዩ። ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለን ከቢድ መስዋእቲ ዝሓተተን ቃልሲ ብምክያድ ድማ፡ ኣብ 1991 ብቕልጽሙ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ።
ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ረዚን ሃገራዊ ታሪኽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይምኽባር ንዘኸትሎ ኣዕናዊ ሳዕቤንን ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታትን ዘብርህ ታሪኻዊ ሰነድን ግብራዊ መዘኻኸርን’ዩ።
ኣብ 1998–2000 ዘጋጠመ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ርእሱ ዝኸኣለ ፈተና ሒዙ’ዩ መጺኡ። ኣብ ታሕሳስ 2000 ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተቐለሰ ውዕል ኣልጀርስ ብምፍራም፡ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ “ሓባራዊ ዶብ ምሕንጻጽ” ዝብል ሕጋዊ ቅርጺ ብዝሓዘ ስምምዕ ተዛዚሙ።
በዚ መሰረት ብ13 ሚያዝያ 2002፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይኑ ኣመሓላሊፉ፣ ኣብ 2007 ድማ ናይ ምሕንጻጽ ስልጣኑ ፈጺሙ። ውሳነ ናይ’ቲ ኮሚሽን ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ብክልቲኡ ወገን’ኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ግን ንዓመታት ከይትግበር ሓንጊዳ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እቶም ንመስርሕ ሰላም ኣልጀርስ ዝተዓዘቡን ዘውሓሱን ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ፡ ብቐንዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ግዴታኦም ከኽብሩ ኣይከኣሉን።
ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ እዚ ውሳነ ንክኽበር ዘለዋ ቅሩብነትን መርገጽን ዓቂባቶ’ያ። ኣብ 2018 ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነታት ኮሚሽን ዶብን ምቕባላ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ነዊሕ እዋን ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ኣብቂዑ፡ ብዘይውዓል ሕደር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።
ይኹን’ምበር፡ ሎሚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ሓደገኛ ኩነታት ገጢምዋ’ሎ። ሰልፊ ብልጽግና “ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም “ስትራተጂካዊ ግዴታ ኢትዮጵያ” ብምባል፡ ብግልጺ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣቕሪብዎ’ሎ። “ብውዲ ወይ ብግዲ” ዝብል ፈኸራን ምፍርራሕን ድማ ወሲኹሉ። ሰልፊ ብልጽግና ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዘካየዶ ጽዑቕ ጎስጓሳትን ምልዕዓልን፡ ካብ ምእዋጅ ኲናት ዝፈልዮ የብሉን። ብ9 ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ወሪራትኒ” ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ፡ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ከም ዝኣወጀት ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝካየድ ምፍርራሕ ወይ ምጥቃም ሓይሊ ይኽልክል። ብምስምስ ንታሪኽ ዝጐሲ ትረኻታት፣ ስነ-ሞጎታዊ ዘይምርድዳእን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ዝካየድ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት፡ ኣንጻር መትከላት ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ’ውን ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ሕቶ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንምንታይ ዕላማ’ዮም ቈይሞም ዘለዉ ዝብል’ዩ
ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ጸጥታ - ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ናይ ምውሓስ ቀዳማይ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል’ዩ። ዕማሙ፡ ኲናት ምስ ተወልዐ ግብረ-መልሲ ምሃብ ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባል ውድብ ሕቡራት ዝኾነት ሃገር ክገትእ፣ ግሉጽ ተቓውሞ ከርእን ንዞባዊ ሰላም ኣብ ሓደጋ ንዝሸምም ንጥፈታት ከውግዝን ይግባእ። ብዝተዋህቦ ስልጣን መሰረት’ውን፡ ብሓይሊ ግዝኣት እንዳማቱ ክጎብጥ ንዝህንደድ ሓይሊ ብትሪ ክኹንን ትጽቢት ይግበረሉ።
ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ’ዩ፧
ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባል ሃገራት ክኽበር ዘገድድ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ሓይሊ ምጥቃም ወይ ምፍርራሕ ይቃወም።
ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ኤርትራ ምስ’ዘን ኣህጉራውያን ትካላት ዘለዋ ታሪኽ ዘይናበብ’ዩ። ኤርትራ ናጽነት ክትረኽበሉ ንዝግባኣ መሰል ምጉሳይ፣ ከምኡ’ውን ብይን ዶብ ኣብ ምትግባር ኣስገዳዲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይምውሳድን ዝኣመሰሉ ታሪኽ ሰኒድዎም ዘሎ መድረኻት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ’ዘን ትካላት ንዝጽበዮ ውሕስነትን ምትእምማንን ናብ ትሑት ደረጃ ክወርድ ዝቕስብ’ዩ።
ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ጌጋ ክድገም የብሉን። ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ልሙድን ዘይውጽኢታዊ ዝኾነን ሓፈሻዊ ጻውዒት ን“ዘተ”ን“ክልቲኡ ወገናት ነብሰ-ግትኣት ከርእዩ”ን ዝብል ጻውዒታትን ስክፍታታትን ንላዕሊ ዝሓትት’ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝህሉ ኣህጉራዊ ርክባት ዝምልከት’ውን፡ ዘይጥሓስ ሕግታት ምቛምን ብንጹር ምርግጋጽን፡ ግዜ ዝጠልቦ’ዩ።
እዘን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ሓባራዊ መርገጺ ኣባል ሃገራት ንምንጽብራቕ ዝቘማ’የን። በዚ መንጽር’ዚ፡ መሰረታዊ ኣዕኑድ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ኩለን ኣባል ሃገራት ብማዕረ ደገፍ ንምሃብ ግዴታዊ ሓላፍነት ኣለወን። ምኽንያቱ፡ ነዞም መትከላት ምኽባር፡ ሰላማዊ ዝምድና ኣብ ምሕላው ዝጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን መሰረታውያን መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባር ዝግበር ዕማምን ጎስጓሳትን ዓቢ ግደ ኣለወን። ነዞም ሕግታት ምኽባር፡ ሓለፋ ንሓደ ህዝቢ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ናብ ነባሪ ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእን ዝወስድ እንኮ መገዲ’ዩ።
ኤርትራ ብሰንኪ ልኡምነት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከቢድ ዋጋ ከፊላ’ያ። ንናጽነት ዝገበረቶ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ገድሊ፡ ከምኡ’ውን ንትግባረ ውሳነታት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየደቶ ዘይሕለል ቃልሲ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምኽባርን ንግርጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ንዘለዋ ጽኑዕ መብጽዓን ቅሩብነትን ዘጉልሕ’ዩ።
ሕጂ’ውን እቲ እዋናዊ ሕቶ፡ እዘን ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው ዝተመስረታ ትካላት፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግቡእ ሓላፍነተን ክስከማ ድየን፧ ባይቶ ጸጥታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ንናይ ሰልፊ ብልጽግና ሕማም ምስፍሕፋሕ ብምግታእ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ ኣንቂድዎ ንዘሎ ቅሉዕ ተጻብኦታት ክዓግቱ ድዮም፧ ወይስ ኩሉ ዓይነት ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኣብ ቅድሚኦም እናሃለወ፡ ምኽባርን ምትግባርን መሰረታውያን መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ዳግማይ ንኤርትራ ጥራይ’ዩ ክግደፍ፧

Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events