Dehai News

ብልጽግና፡ ካብ ውሽጣዊ ነውጺ ናብ ዞባዊ ተጻብኦ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 12 November 2026

ብልጽግና፡ ካብ ውሽጣዊ ነውጺ ናብ ዞባዊ ተጻብኦ
እዮብ ገብረሂወት
ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ
ውሽጣዊ ነውጺ ዝደረኾ ታህዲድን ፈኸራ ኲናትን
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ኢትዮጵያውያን ልሂቃን ብኣዝዩ ዝተወደበ ኣገባብ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝቐንዐ ሰፊሕ ዘመተን ጸለመን ተታሓሒዞሞ ኣለዉ። ብልጽግና፡ ግዙፍ ሰራዊት መድያ ብምውፋር፡ ኣህጉራውያን መድረኻትን ዲጂታዊ ገጻትን ተጠቒሙ፡ ውዲታዊ ፍሕሶን ሓሶትን ኣንጻር ልኡላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ክነዝሕ ጸኒሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ቅሉዕ ወራር ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኣምሪሑ ኣሎ።
ብልጽግና ዝመርሓ ዘሎ ኢትዮጵያ ብዕምቆት ምስ እንምርምራን እንፍትሻን፡ በቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ካብ እትመሓደር ዝነበረት ኢትዮጵያ ብኩሉ መዳያ ኣዝያ ዝደኸመትን ናብ ድርኩኺት ውድቀት ዝቐረበትን እያ። ኣብ ካርታታት ብስእሊ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ብጃህራን ፈኸራን፡ ዳንኬራ ውግእን፡ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መጋባእያታት ብናይ ሸምግሉና ዋጭ- ዋጭታ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝጨበጥ ክዉንነት የላን። መራሒ ስርዓት ብልጽግና፡ ዘቤታዊ ዕዮ ገዝኡ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ናይ ግዳም ኣጀንዳታት ዘሳሲ ዘሎ’ዩ። ዘይምኽባር ስምምዓት፡ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ምጥሓስ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ከም ዲፖሎማስያዊ ጥበብ ዝቑጸረላ ናይ ብልጽግና ኢትዮጵያ ምንጪ ዞባዊ ስግኣትን ዕግርግርን ብምዃና ተነጺላን ዘይተኣማኒት መሻርኽቲ ኮይናን ትርከብ። ብፋይዳ ዘይብሎም ኣብለጭለጭቲ ጎደናታትን ኣብ ባይታ ዘየለዉ ርኽበታትን እትንየት፡ ንሓድሕዱ ዝጋራጮ ዘይክዉንነታውን ፖለቲካዊ መደረታት ዝቐርበላ፣ ተደጋጋሚ ምቕያር ሰበ- ስልጣናትን ምጭጫሕ ሓደስቲ ስማውያን መዝነታትን ከም ዓብዪ ፖለቲካዊ ብልሓት ዝቑጸረላ ሃገር ኮይና ኣላ። ምሩኻት ኲናት ዝነበሩ ጀነራላት ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪቦም ከይሓፈሩ ብዛዕባ ዓወታት ኲናት ዝጀሃሩላ፣ ክልላት ኣብ ውሽጠንን ንሓድሕደንን ብግጭት ዝናወጻላ ሃገር ኮይና ኣላ። ብሰንኪ ሓደገኛን ጸቢብን ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ “ኦሮሙማ” ደበና ጥፍኣት ዘንጸላልዋ ዘሎ፡ ቤት ፈተነ ኣህጉራውያን ፊናንሲያውያን ትካላት ብምዃን፡ ዘይምዕሩይነት ምቕረሐ ጸጋታት ኣብ መንጎ ዜጋታታ ከም ቁጠባዊ ዕብየትን ፍናንን፡ ሃብቲ ሃገር ብናይ ባዕዲ ኮርፖረሽናት ምግሓጥ ከም ቁጠባዊ ብልሂ ዝቑጸረላ ዘላ ሃገር እያ።
ብዛዕባ ናይ “ብልጽግና ኢትዮጵያ” ዝዝርጋሕ ዘሎ ምስሊ፡ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ዝረሓቐ እዩ። ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ውሽጡ ኣጋጢምዎ ዝርከብ ኩሉ-መዳያዊ ውድቀት ብእኩብ ከም ሓደ ረቛሒ ብምውሳድ፡ ምስ ቀንዲ ጎረባብቱ ዝኾና ሃገራት ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ፖሊሲታትን ኣስዒቡሉ ዝርከብ ጭንቀትን ዞባዊ ተነጽሎን ከም ካልኣይ ረቛሒ ብምቕማጥ፡ ብዓቢኡ ከኣ ክዓግቶ ከምዘይክእል ዝተጋህደሉ ወተሃደራዊ ገስጋስን ፖለቲካዊ ጥምረትን ቃልስታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ከም ውሁብ ክዉንነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ክምለሰሉ ዘይከኣል ኩነተ ውነ-ኣልቦነት ኣምሪሕዎ ይርከብ።
ቊጠባዊ ቅልውላው፡ ዝምቡዕ ኣሃዛትን መጻወድያ ዕዳን
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ንቁጠባዊ ገስጋስን ዕብየትን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት፡ መዐቀኒታት ኩሉ መዳያዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ጎስዮም፡ ብውሱናት ዘይክዉንነታውያን መዐቀኒታት ጥራይ ተዓይሮም ክቐርቡ ዝጸንሑ እዮም። እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝርከብ፡ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት፡ ጸጥታዊ ሃጓፍን ማሕበረ-ቁጠባዊ ነውጽን ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ጸገማት ብዓይነቱ ዝበኣሰ ምዃኑ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ህሉው እዋን፡ ብውሽጣዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና፡ ደርቂ፡ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ብልዮናት ዕዳ፡ ትሑት ደረጃ መነባብሮ፡ ዋሕዲ መሰረታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ተረእዮታት ስርቂ ዓመጽን ሕጊ ኣልቦነትን፡ ልዑል መጠን ዝቕባበን ካልኦት ጸገማትን ትሳቐ ዘላ ሃገር እያ። ካብዚ ቅልውላው’ዚ ንግዚኡ ንምንጋፍ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ተፈቲኖም ውጽኢት ዘይተረኸቦም ቀየድቲ ማሕንቖታት ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ዝሓቶም ጠለባት ብምትግባር፡ ዘተኣታተወቶ ቁጠባዊ ፖሊሲታት፡ ክልተ ዝብልሑ ሴፍ ብምዃን፡ ንዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓለንጊ ድኽነት ይገርፍ ኣሎ።
ሰርዓት ብልጽግና፡ ጸጋታት ናይ’ታ ሃገር ንግዳማውያን ሓይልታት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ክቋጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወዲቑ ኣሎ። ብዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ተስገዲዶም ዝተኣታተዉ ፖሊሲታት፡ ብቀዳማይ ደረጃ፡ ብስም ኣብ ዕዳጋ ኢድ ዘይምትትእታው (free market)፡ ብሕታዊ ምስግጋርን (privatization)፡ ዓበይቲ ኮርፖረሽናት ጸጋታት ኢትዮጵያ ድሕነት ኣከባብን ውሕስነት ጸጋታት ንቀጻሊ ወለዶታትን ጥንቃቐ ከይሃባ፡ ብዘይ ንሕስያ ክግሕጣ ርሒብ ባብ ፈጢሩለን ይርከብ። ብካልኣይ ደረጃ፣ ብስም ምትብባዕ ናይ ግዳም ወፍሪ፡ ዓያዪ ጉልበት ኢትዮጵያ ብትሑት ዋጋ በዘን ኮርፖረሽናት ይምዝመዝ ኣሎ። ብሳልሳይ ደረጃ፡ ሓደ ሚእታዊት ዘይኣኽሉ ሰብ ጸጋ ኢትዮጵያውያንን ብብልሽውና ዝተቘማጥዑ ሰበ-ስልጣን ብልጽግናን ተረባሕቲ ኮይኖም ከምዘለዉ ይግለጽ። እንተ’ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ተሸካሚ ውጽኢት ናይዞም ፖሊስታት ብምዃን፡ ኣብ ጽንኩር ማሕበረ- ቁጠባዊ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ።
ቀጥታዊ ናይ ግዳም ወፍሪ ንምስሓብ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝምቡዕ ቅማረ፡ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ናብ ብሕቲ ብምስግጋር፡ ትሑት መጠን ቀረጽን ብርክት ዝበሉ ልኡማት ሕግታትን ክተኣታተዉ ተራእዮም። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቀጠታዊ ናይ ግዳም ወፍሪ ኣመልኪቶም ዝካየዱ ስምምዓት ምስጢራውያንን ብብልሽውና ዝተላዕጠጡን እዮም። ቀጥታዊ ናይ ግዳም ወፍሪ ክሓቑፎም ዝግባእ መሰረታውያን መትከላት፣ ምስግጋር ፍልጠትን ሞያን፡ ርግኣትን ሰላምን ሃገር ቀዳምነት ዝህቡ፡ ድሕነት ኣከባብን ጸጋታትን ዘውሕሱ፡ ቀጻልነት ጸጋታት ንመጻእቲ ወለዶታት ዘረጋግጽ፡ ካብ ምዝመዛ ናጻ ክኾኑን እዩ ዝግባእ። ብኣንጻሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ክዉንነት፡ ነዞም መትከላት ዘይሓቁፍ እዩ። ካብ ኣህጉራውያን ፊይናንስያውያን ትካላት ዝውሰድ ልቓሕ፡ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተናውሐ ዓመታት፡ ነታ ሃገር ናብ መጻወድያ ዕዳ ብምሽማም፡ ኣደዳ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ማሕበራዊ ነውጽን ቁጠባዊ ዘይርጉእነትን ዝገብር እዩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽርን ጽልዋን ናይቶም ዝዝውሩዋ ዘለዉ ግዳማውያን ሓይልታት ብምውዳቕ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓርነታ ዝተነፍጋ ሃገር ኮይና ትርከብ። ኣብ መጻወድያ ዕዳ ናይዞም ኣህጉራውያን ፋይናንሳውያን ትካላት ምእታው፡ ንቁጠባውን ፖለቲካውን ናጽነትካ ብምምንዛዕ፡ ሃገራዊ ቀዳምነታትካ ብገዛእ ርእስኻ ክትውስን ከም ዘይትኽእል ዝገብር እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ውሽጣዊ ዕዮ-ገዛኻ ብምርሳዕ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓድሽ መግዛእቲ ተቖሪንካ ንባዕዳውያን ጐይቶት እሙን ጊላ ኴንካ ምግልጋል ማለት እዩ።
ተራ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውህደትን ተጻይ ፖሊሲታት ስርዓት ብልጽግናን
ተራን ኣበርክቶን ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውህደትን ምርግጋእን ዞባና፡ ብመራሕቲ ሃገራት ሱዳን፡ ሶማልያን እንተላይ በቲ ካሕዳይ መራሒ ስርዓት ብልጽግናን ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ህሉው እዋን ኣብ ጽቡቕ ዞባዊ ቁመና፡ ሃናጺ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ፡ ወናኒት ተሰማዒ ርእይቶ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መጋባእያታትን እምንቲ መሻርኽትን ኮይና ኣላ። ብንጹርን ዘይልወጥን ጽኑዕ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መትከላት እትለለ፡ ኣብ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ክልተኣውን ብዙሓውን ስምምዓት ኣሚና ብተወፋይነትን ቅንዕናን ምትግባር ብኣብነት እትጥቀስ ሃገር እያ።
ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝውንኑዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላዊ ምትእስሳር፡ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ማሕበራዊ ኣቃውማን ዝፈጥረሎም ብልጫ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፡ ምምልላእን ምክብባርን ዝተመርኮሰ ሽርክነት ክሃንጹ ዝዓግቶም ሓይሊ የሎን። መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት፡ ተራን ኣበርክቶን ዞባዊ ውህደት፡ ኣብ ምድንፋዕን ምሕያልን ዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ዕዙዝ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ሓሳባትን ተበግሶታትን ምውሳዱ ተሰኒዱ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ናብ ውድብ ኢጋድ ብወግዒ ድሕሪ ምጽንባራ፡ ኣብ 1996 ኣብ ምኽላስን ምእራምን ውድብ ኢጋድ ወሳኒ ተራ ምጽዋታ ይዝከር። ኤርትራ፡ ውድብ ኢጋድ ካብ ጸቢብ መዳይ ልምዓት፡ ምክልኻል ደርቅን ኣንበጣን ዘተኩር ውድብ፡ ናብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ውህደት ዝሕመረቱ ሰፊሕ ዕላማ ዘለዎ ውድብ ክሰጋገር ዘቕረበቶ ሓሳባትን ዝተጻወተቶ ኣበርክቶን መሪሕ ተራ ከምዝነበራ ይፍለጥ።
ኤርትራ እትቕልሶ ብዙሓት ሃገራት ዞባና ዝሰዓብኦን ኣብ ፈለማ 90ታት ዝተቖጸየ ተስፋ ዞባዊ ሽርክነትን ውህደትን ዳግም ኣብ 2018 ትንፋስ ክዘርእ ክኢሉ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ስርዓት ብልጽግና እውን፡ ዞባዊ ውህደት ቀዳምነት ሂቡ ግዙፍ ጸጋታት ዞባና ኣብ ምቕያር መነባብሮ ህዝብታት ንምውዓል ኣብ ክንዲ ምስራሕ፡ ኣብ ጸቢብን ሓደገኛን ዝኾነ ዓንኬል ብምኽርዳን፡ ናይ ጥፍኣትን ውድቀትን መኣዝን መሪጹ። ኢትዮጵያ ልዕሊ ዝኾነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፡ ዝበለጸ ኣማራጺታት ዘለዋ እያ። ኣብ ሓሙሽተ መዳውብቲ ሃገራት ብልዕሊ ሸውዓተ ወደባት ክትጥቀም ዕድል ኣለዋ። እቲ ክዉን ሓቂ እዚ ክንሱ፡ ስርዓት ብልጽግና ግዳማዊ ኣጀንዳ ንምስሳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ኣሰልካይን ዘይክዉንነታውን ሓደገኛን መስመር ክኽተል መሪጹ ኣሎ።
ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ማሕበራዊን ምትእስሳራትን ጸጋታቶምን ኣብ ብልጽግናን ዕብየትን ሃገራቶም ከውዕልዎ መተካእታ ዘይብሉ ሕርያ እዩ። ዞባዊ ውህደት፡ ክንዮ’ቲ ዝህልዎ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ሓድሕዳዊ ምምልላእን ዝፈጥሮ ፖለቲካዊ ምትእምማንን ጸጥታዊ ምትእስሳራትን ቀሊል ኣይኮነን። ዞባዊ ውህደት፡ ሃገራት ጸጋታተን ብሓባር ብምውህሃድ፡ ኣብ ምትእስሳር ውሁድ ሓባራዊ ዕዳጋ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መራኸቢታትን መጐዓዝያን ዝፈጥሮ ሓድሕዳዊ ተመርኳስነት ናብ ውሁድ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ፖለቲካዊ ምትእምማን ብምምራሕ፡ ዜጋታት ሓባራዊ ብድሆታትን ዕድላትን ከለልዩ፡ ናይ ሓባር መጻኢ ክሃንጹን ባይታ ዝፈጥር እዩ። ኣብ’ዚ ህሉው እዋን፡ ብደረጃ ዓለምናን ዞባናን ዝፍጠሩ ባህርያዊ ኮነ ሰብ ዝፈጠሮም ስግኣታት፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ምውህሃድን ዝሓቱ ምዃኖም ግሁድ ሓቂ እዩ።
መራሕቲ ብልጽግና፡ ዘይልወጥ ጂኦግራፊያዊ ክዉንነት ሃገሮም ተቐቢሎም ምስ ህዝቦምን ሕማም ነብሶምን ተዓሪቖም፡ ኣብ ምክብባርን ምምልላእን ዝተመርኮሰ፡ ዞባዊ ውህደትን ምርግጋእን ዘደንፍዕ ሽርክነት ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምዃኑ ኣሚኖም ክሰርሑ ይግባእ። ስርዓት ብልጽግና፡ ሸውሃት ዕብለላን ምግባትን ግዳማውያን ሓይልታት ንምርዋይ፡ ብዋጋ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ምጥላዕ ተጸሚዱ ይርከብ። ልኡላውነት ሶማልያ ዝግህስ ስምምዓት ምፍጻም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዞባናን ዘየርብሕ፡ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ጽምዶን ሽርክነትን ኣንፈቱ ብምጥምዛዝ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ዘይክዉንነታዊ ግን ከኣ ንዞባና ናብ ዘይተደለየ ኲናት ከምርሕ ዝኽእል ቅሉዕ ወራር ምእዋጅ፡ ቅልውላው ሱዳን ሰላማዊ መዕለቢ ከይረክብ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንሰራዊት ኣልዳዓም ኣሰሪዕ ብቀጻሊ ምቕራብ፡ ፖለቲካዊ ፍሕሶታትን ውዲታትን ዝተላዕጠጡ ዋዕላታት ኣብ ምእንጋድን ተጸሚዱ ይርከብ።
ስርዓት ብልጽግና፡ ኣጀንዳ ግዳማውያን ሓይልታት ንምስሳይን ጸቢብን ግዝያውን ረብሓታት ንምውሓስን፡ ኣሰር ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ምትሕልላኽ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ይርከብ። ስርዓት ብልጽግና ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ዝወሰዶም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስጉምትታት ሕልምታት ዞባውያን ሓይልታት ንምትግባር ዝዓለሙ ምዃኖም ይፍለጥ። ብመሰረት ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ትካላት ምርምርን መጽናዕትታትን ዝተዘርግሑ ጭብጥታት ከምዘነጽርዎ፡ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኣልዳዓም ኣልሰሪዕ ብምስላፍ፡ መሰጋገሪ ካብ ሱዳን ዝተዘመተ ወርቂ፡ መናሃርያ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ኣካል መርበባት ቀረብ ሎጀስቲክ ሰራዊት ኣልዳዓም ኣልሰሪዕ፡ ተጻባኢ ዲፕሎማስያውን ዜናውን መርገጺታት ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ክኽተል ተራእዩ። ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ተፈጥሮ ዝዓደሎም፡ ስትራተጂያዊ ጂኦግራፊዊ ኣቀማምጣን ዕቝር ባህርያዊ ጸጋታትን ተጠቒሞም፡ ኣብ ብልጽግናን ዕብየትን ሃገራቶም ከውዕልዎ ዝድርኾም ሓባራዊ ረቛሒታት ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን፡ ኣብ’ዚ ህሉው መድረኽ ብንቕሓትን ልዑል ትዅረትን ብሓደ ኮይኖም ኣበርቲዖም ክሰርሑሉ ይግባእ።
መደምደምታ
ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ዘለዉ ብዙሓት ጸገማት፡ ንነዊሕ ዓመታት ክእከቡ ዝጸንሑ ሽግራት ብምዃኖም፡ ብግዝያዊ ውሳነታት ክፍትሑ ከም ዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ኣብዚ ህሉው እዋን፡ እቲ ሓቀኛ መበገሲ ጸገም ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓሌትን ብሄርን ተመርኲሱ ዝተሃነጸ ፖለቲካዊ ስርዓትን ንዕኡ ስዒቡ ዘጋጠመ ፍሽለት ህንጸት ሃገርን እዩ። ስርዓት ብልጽግና፡ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ዝግባእ ዓብዪ ዕማም፡ ጠንቂ ግጭትን ዘይምስምማዕን ህዝብታት ኮይኑ ዘሎ ኣብ ዓሌትን ብሄርን ተመርኲሱ ዝተሃነጸ ፖለቲካዊ ስርዓት ብምውጋድ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ተጻዋርነትን ዘውሕስ፡ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ እዩ። ኢትዮጵያ እትውንኖ ግዙፍ ዓቕሚ ሰብን ባህርያዊ ጸጋታትን ብግቡእ ብምምዝማዝ፡ ኣብ ረብሓ ህዝባ ንምውዓል፡ ካብ ግዳማዊ ጽግዕተኛነት ዘገላግልን ምዕሩይ ምቕረሐ ጸጋታት ሃገር ዘረጋግጽን ፖለቲካዊ መትከል ክኽተል ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ስርዓት ብልጽግና ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣጀንዳታት ካብ ምስሳይ ተቖጢቡ፡ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ክሰርሕ ይግባእ። ውሽጣዊ ጸገማት ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን (IMF) ባንኪ ዓለምን ብዝርከብ ቢልዮናት ዶላራት ወይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ቁጠባዊ ምዕሪታት ዝፍታሕ ኣይኮነን።
ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ፡ መጻብቦ ባብ ኣል- መንደብ ድማ ብፍላይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ተኣፈፍትን ወሰንትን ስትራተጂያውያን መስመራት ዓለምና ብምዃኖም፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት ኣብዚ ዞባ’ዚ መዕለቢ እግሪ ንምምስራትን ጸጋታቱ ንምቁጽጻርን፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታቶም እዩ። ስርዓት ብልጽግና፡ እዞም ዞባውያን ሓይልታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎም ናይ ምግባትን ምስፍሕፋሕን እከይ ውጥን ንምትግባር ከም መሳርሒ ተሓርዩ ምህላዉ ንኹሉ ግሁድ ዝኾነ ሓቂ እዩ። ነዚ ናይዞም ሓይልታት ስሱዕ ዕላማ ንምርግጋጽን እሙን ኣገልጋሊ ምዃኑ ንምርኣይን፡ ስርዓት ብልጽግና “ኣፍደገ ባሕሪ” ዝብል ናይ ዕቡዳን ኣጀንዳ ብምውላዕ፡ ንኢትዮጵያ ግዳይ ናይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታቶም ክገብራ ይፍትን ኣሎ። ሎሚ ቀንዲ መሻርኽቲ ስርዓት ብልጽግና ኮይነን ዘለዋ ሓይልታት፡ ኣብ የመን፡ ሊብያ፡ ሶርያን ሱዳንን ዘካየደኦ ናይ ውክልና ኲናት፡ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ናይዘን ሃገራት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።
ብደረጃ ዓለም፡ መስመራት መጐዓዝያ ባሕርን ስትራተጂያዊ መጻብቦታትን ንዓለማዊ ቁጠባ፡ ንግዲን ጂኦ-ፖለቲካዊ ምትእስሳርን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎና ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ፡ ብዓይኒ ዓለማዊ ረብሓታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ልኡላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ክምዘን ይግባእ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብኲናትን ወረ ኲናትን ተመኪሑን ፈኪሩን ኣይፈልጥን። እዚ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ማንም ስምብራትን በሰላን ኲናት ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ነዚ ብዝግባእ ስለ ዝተመኮረሉን ዝሓለፎን፡ ወትሩ ሰላምን ርግኣትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይዚ ዞባ ንክሰፍን ብትግሃትን ቅንዕናን ምስ ጸዓረ እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ስነ- ኣእምሮኣዊ ዘይርጉእነት መራሒ ስርዓት ብልጽግና፡ ኩሉ መዳያዊ ውሽጣዊ ውድቀት ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ነውጺን ልዕሊ ዓቕሙ ተመጢጡ ሕልሚ ናይተን ኣሸቀልቱ ዝኾና ዞባውያን ሓይልታት ንምስሳይን ንምትግባርን፡ ዝኽተሎ ዘሎ ውሳነ እዩ። “ውሽጠን ባምባ ደጊአን ክንዲ እምባ” እትብል ብሂል ለባማት፣ ንሃለፍታን ዕብዳንን ስርዓት ብልጽግና ብልክዕ እትምጥን ብሂል እያ።


Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events