Dehai

EriGazette.org: “ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ” 1ይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 14 May 2017

 

“ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ” 1ይ ክፋል

ዕለት 14 ግምቦት 2017 ዓም ፈረንጂ

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

***መኣረምታ፡ ብመሰረት ደራሲ ተስፋይ ገብረኣብ ዘተጻሕፈት መጽሓፍ "የደራሲው ማስታወሻ" ኣባል ሰራዊት ወያነ ነበር ኰሎኔል ኣለበል ኣማረ ኣብ ኣስመራ ብዝገበረሉ ቃለ-መሕትት፣ ስርዓት ዓሌታዊ መንግስቲ ወያነ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓይሊ ንምብርኻኽን ዳግም ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንምቑራንን ዝገበሮ ከንቱ ፈተነ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊቱ 98,700 ክኾኑ እንከሎዉ ዝቖሰሉ ድማ 194, 300 ኢሉ ብግልጺን ብኣሃዝን ኣቐሚጥዎ ኔሩ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

እዚ ገ እንዳበሉኻ ዶ ትጋገ ዝብል ኣርእስቲ ጽሑፈይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ንሓርነታዊ መሰሉ ክቃለስ ክጅምር ከሎ ኣትሒዙ ምስኡ ድማ እቶም ናይ ደገ ተጻባእቲ ሓይልታት ሓንሳብ ብጋህዲ ገለ ብረቂቕ መንገዲ ኣብ መንጎና ኣትዮም ክስልዩናን ከጋጭውናን ክፈላልዩናን ከለዉ፥ ገለናሲ ቀጻሊ ካብ ጉድለት ንቕሓትና ድዩ ካብ ግዝያዊ ረብሓና፥ ነተን ናይ ደገ ሓይልታት ንስልትታተን ከነዕውት፥ መሳራሒ ናታተን ብሙዃን ኣንጻር ሃገርን ሓድሕዳዊ ረብሓን ንቃለስ ነይርና ገና ውን ንቃልስ ኣለና።

እሞ ነቲ ኣብ ዝሐለፈ ግዜ  ዝገብርኦ ዝነበራ ሽርሕታት ኣብ ህልዉ ግዜ ከይ ሓፈራ እንዳ ገለጻ ገና ኣብ ነንሕድሕድና ንጻረር ኣለና። እሞ ዋላ’ኳ ገሌና ንፈልጥ እንተኾንና፥ ኣነ ግን ብዓቕመይ ቁሩብ ካብኡ ክገልጾን ክደግሞን ክፍትን’የ።

ኣሜሪካ ኤርትራ ነጻነት ዝግብኣ ምዃኑ እንዳመስከረት፥ ግን ንረብሓኣ ክትብል ቀስ ብቐስ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምትኣቱ ገይራ (ባዕሎም ውን ዝብልዎ’ዩ)።

ኣብ 40ታት 50ታት 60ታት ዝነበረ ተጻብኦ፥ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር  ኲናት ብምክያድ ኣብ 1991ድማ ኤርትራ ነጻ ወጺኣ።

እቲ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ናጽነት ዘብጽሐ ዓወት መጀመርታ ብሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈሊጡ ቀጺሉ ድማ ብማሕበረሰብ ዓለም ተፈሊጡ እንኮላይ እታ ንናጽነት ኤርትራ ንረብሓኣ ኢላ ትጻባእ ዝነበረት ኣሜሪካ ውን ኣፍልጦ ሂባ።

ካብ 91 ክሳብ 97 ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይነን ነናተን ልዕላውነት ሓልየን እንዳ ተኸባበራ እንዳ ተሓጋገዛን ክነብራ ድሕሪ ምጽናሐን፥ *ኣሜርካ እቲ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ገይርካ ምንባርን ምስራሕን ደስ ግዲ ዘየበላ ኮይኑ፥ ኣብ 1998 ኣብ ወርሒ ግንቦት ሃንደበት ዝኾነ ናይ ባድመን ዶብን ዝመስል ኲናት ከምዝውላዕ ገይራ። ባዕሎም ዝኣጎዱዎ ሓዊ ከምዝነበረ ድማ ዝስሓት ኣይነበረን። መን ጀመረ ኢትዮጵያ ዶ ኤርትራ እንዳ ተባህለ ከካትዕ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ደይቪድ ሺን እንታይ’ሉ፥ 3ይ ወራር ምስ ተዛዘመ’ዩ ነይሩ፥ “እቲ ናዓና ዝገርመናስ ንሕና ኣሜሪካውያን ምስ ክልቲኤን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝምድና ከለናስ መባኣሲኤን መኽንያት ክሳብ ሕጂ ክንፈልጥ ኣይክኣልናን” ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኣጸቢቑ’ምበር ይፈልጥ ነይሩ!  ሎሚ ድማ “መለስ ጸገም የለን ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክንመልሳ ኢና ይብለኒ ነይሩ” እንዳበለ ሎሚ ይገልጽ ኣሎ።

መለስ ስለ ዝሞተ’ዩ “ይብለኒ ነይሩ” ዝብል ዘሎ። መለስ ብሙማቱ ድማ ደይቪድ ሺን ሞት ከምትምጽእ ፈሊጡ ይናሳሕ ዘሎ። መስኪናይ መለስ ደኣ ከይተናሰሐ ሞት ቀዲማቶ’ምበር ነሱ ውን ሎሚስ ምተናሰሓ ነይሩ።

ዝኾነ ይኹን ዝበለ ይበል ምኣስ ብዝየገድስ፥ ንሕና ግን የቐንየልና ደቪድ ሺን ነቲ መለስ ንኤርትራ ወሪሩ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሳ ዝተዋህቦ እከይ ምኽሪ ከም ምስጢር ዓቂብካ ክሳብ ትሓልፍ ክትሕዞ ዘይምምራጽካ እንደገና የቐንየልና Mr Ambassader Shinn David። እዚ ውን ንቐጻሊ ኣንጻር ተጻብኦታት ኣብ  እነካይዶ ቃልስና ንቕሓትን ፍናንን ዝህብ’ዩ። ካብ ገ እንዳበሉኻ ጌጋ የድሕነና።

ጃንዳይ ፈራይዘር ባድመን መቐለን በጺሓ ምስ ተመልሰት’ያ  ንጆን ቦልቶን “ነቲ ኣብ ኣልጀርስ ብማሕበረሰብ ዓለም ናይ መተዓረቒ ውዕላት፥ ናይ ላዕላዋይ ባይቶ ጸጥታ ኣቦ መንበርነት ስልጣንካ ተጠቒምካ ኣፍርሶ” ኢላ ጸቕጢ ክትገብረሉ ከላ “እምቢ ኣየፍርሶን’የ” ኢሉዋ። ብጣዕሚ ነመስግኖ ሰብኣይ ብዓል ፕርንስፕል (በዓል መተከል) እንደገና የቐንየልና John Bolton the man with great princples  ክብረቱ ዘይሸይጥ።

ደርግ ኣብ ከተማ ብስለይቱ ንዝሓዞም ተጋደልቲ ክትርሸኑ ኢኹም ወይ ድማ ምስጢርኩም ንገሩና ንኤርትራን ብጾትኩምን ኪሒድኩም ድማ ምስ ኣዴኹም ኢትዮጵያ ክትነብሩ ምረጹ ክብሎም ከሎ እምቢ ይብልዎ ነይሮም ብረት ኣቕኒዖም ድማ ናይ መወዳእታ ምርጫኹም’ዩ ይብልዎም ኣብ ገምገም ጋህሲ ጠጠው ኣቢሎም፥ ተጋደልቲ ድማ ዕምኲ ኢዶም ንላዕል ኣውጺኦም ዓወት ንሓፋሽ!! ብምባል ካብ ግዝያዊ ረብሓ ናይ ዘላዓለም ክብረት ብመስዋእቲ ይመርጹ ነይሮም። 

ሄርማን ኮሄን ውን ብ 98 ንኲናት መለስ ከም ዝጀሞሮ  ሎሚ ይምስክር ኣሎ ኣብዚ ውን ንሀርማን ኮሄን ነቲ ሓቢኡዎ ዝነበረ ሓቂ ዋላ’ኳ ካብ ዊኪሊክስ’የ ኣንቢበዮ ይበል እምበር፥ ገና ንሓቂ ኤርትራ ኢሉ ይጣበቕ ስለ ዘሎ የቐንየልና ንብሎ።

 ኣሜሪካ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ምስ ድልየቶም ዝኸይድ ኣሰገዳዲ ተጽዕኖ ስለ ዝገብሩሎም’ዮም እምበር፥ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ናይ ዶብ ዝመስል ኲናትን ምጉትን ቀደም በቲ ናይ ካይሮ 64 ውዕል ምፈትሕኦ እንድየን ነይረን።

ጂሚ ካርተር 2005 ኣብቲ ምርጫ ንኣሜሪካ ወኪሉ ከም ታዓዛባይ ኮይኑ መጺኡሉ ኣብ ዝነበረ ኣብዚ ዝተገብረ ምርጫ “መለስ’ዩ ስዒሩ እንትኾነ ግን መለስ ኤርትራ ነጻ ክትወጽእ ስለ ዝደገፈ፥ ንኢትዮጵያ ባሕሪ ዘይብላ ከምትኸውን ገይሩ’ዋ” ክብል ዝተዛረቦ ድማ ኣይንርስዕን። ዘይናትካ ባሕሪ ናትካ ክትገብር ክትብል ካብ ዋጋ ባሕሪ ንላዕሊ ዋጋ ምኽፋል ጌጋ ምዃኑ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና እንተዝርድኡን ሰላም ጌርካ ንናይ ጎረባብትኻ ባሕሪን ወደብን ክትጥቀመሉ ከምዝከኣል እንተዝርድኡ። እንታይ’ሞ ብናይ ደገ ሓይልታት እንድዮም ኮይኖም’ሞ ዝምከሩ ዝሰምዑን ዝዝወሩን።

ሱዛን ራይስ ውን ከምኡ እታ ቀንዲ ተጻባኢት ኤርትራ ኮይና ኣብ ጎድኒ ወያነ ከምዝነበረት ኩልና ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ኣበይ’የ ክምለስ ደልየ፥ እዚ ሎሚ ዝተፈላለዩ ካብቲ ናይ ኣልጀርስ filnal and binding ወሳንን ቀያዲን ዝኾነ ናይ መትዓረቒ ውዕል ኩሉ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተሰማሚዑ ዝፈረመሉ ኢትዮጵያ ውን ኣንቢባ ፈትያ ረዲያ ዝፈረመትሉን ጉዳይ ከነሱ፥ ኣባላት VOA ግን ጉዱሳት ንኽመስሉ ንኤርታርውያን ተጋሩን የራኽብዎም እሞ ኣብ ክንዲ በቲ ተበጹሑ ዝነበረ ስራሕ ናይ EEBC ካቢቲ በጺሑዎ ዝነበረን ጠጠው ዝበለሉን ኣምጺኦም ኣብ ክንዲ ዝሓትዎም ንዕኡ ጎስዮም ሓሊፎም ኣብ ጓል መንገዲ ኣትዮም ኮለል ይብሉን የብሉን ብምህላዎም ብጣዕሚ ተገሪምና።

ኣብ መወድእታ ድሕሪ ኣየናይ ናይ ኤርትራ ኣየናይ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ካርታ ተነጺሩ ባድመ ሓቂ እንተኮይኑ እታ ተሰሓሕብ ዝነበረት ውን ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ከምዝነበረትን ከምዘላን ኣብ ካርታ ምስተነጸረትን ሕጂ በቲ ውዕል ኣልጀርስ መሰረት ኣዕኑድ ክትከል ምቅርራብ ክግበር ምስ ተጀመረ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀርስ ዘይነበረ 5 ነጥብታት ዘለዎ ጽሑፍ ኣውጺኡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታ ተራኺብና በዘን 5 ነጥብታት ክንዝቲ ኣለንና” ብምባል ነቲ ድሕሪ ፍርዲ ፈጽሚ ንኸይግበር ጠጠው ኣቢሉዎ።

ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ይኹኑ ውልቀሰባት ተጋሩ ኖእ እቲ ዝበለጸ ሓንሳብ ምስ ሻዕብያ ተራኺብና ክንዛተ ኣለና ብዘተ እዩ ሽግርና ዝፍታሕ ይብሉ። ሓንሳብ ድማ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተራኺቡ ክዛተ ኣለዎ (ይብሉ ኮለል’ዩ) ተራኺብካ ዘቲኻን ሽግርካ ባዕልኻ ምፍታሕ ድኣ ናይ ወራዙት እንድዩ ነይሩ፥ እንተኾነ ግን፥  ቅድሚ ኲናት ወይ ድማ ናይ ቀዳማይ ኲናትን ናቱ ማህሰይትን ምስተራእየ፥ ቅድሚ ናብ ካልኣይ ኲናት ምስግጋር፥ ንዑ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኲናት ጠጠው ኣቢልና ንዛተ ንላዘብ እዮም ክብሉ ነይርዎም።

ሽዑኡ ግን ከምዚ ክብሉ ዘይምኽኣሎም፥ በቲ ናይ ደገ ሓገዝ  ሰኺሮም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝዕወቱ መሲሉዎም ነይሩ፥ “ዝተኸፍለ ይከፈል ኲናት ክቕጽልዩ” እዮም ዝብሉ ዝነበሩ።

ሓንሳብ ድማ “ንደርግን ንሶቭየት ሕብረትን’ኳ ስዒርና ንሻዕብያ ግዳ እንታይ ክንርእየሎም” እዮም ዝብሉ ዝነበሩ። መለስ ባዕሉ ውን ኩናት ብዕሊ ምስ ኣወጀን ኣብ በዓል ዴዳ ከባቢ ባድማ ብነፈርቲ ቆልዓ-ሰበይቲ ምስ ደብደበ፥ ኢሂ ስለምንታይ ተባሂሉ ክሕተት ከሎ፥ “ጽቡቕ ውሳኔ ኢና ወሲድና” ክብል ከሎ ውን ይርኤን ይስማዕን ነይሩ። ይዝከረና እንድዩ ግዲ ኣብ 2000 ነቲ ናይ ኣልጀርስ ዕርቂ ዕንቅፋት ከይከውን ኲናት  ጠጠው ክብል ስምምዕ ተበጺሑ እንከሎ፥ ንኣልጀርስ ክኽየድ  ምቅርራብ እንዳ ተገብረ ከሎ፥ ኣብቲ ናይ ዕርቂ ዳስ ኣልጀርስ ርእሰይ ትኽ ኣቢለ ክኣቱ ምእንቲ ኢሉ  ብ ባዳን ቡረን ንዓሰብ ንምሓዝ ኲናት ዝኸፈተ።

“ኢሂ ደኣ ምእንቲ ልዝብ ክግበር ኲናት ጠጠው ኢሉ ጸኒሑስ ንኣልጀርስ እንዳተበገስኩም ኲናት ትኸፍቱ” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “እንዳ ተላዘብና ክንዋጋእ ኢና እንዳ ተዋጋእና ድማ ክንላዘብ ኢና” ክብል መሊሱ። ን70 ስዓት ድማ ዕድል ተዋሂቡዎ ኣብተን 70 ስዓት ግን ንዓሰብ ክሕዙ ዘይኮኑስ ***70 ሽሕ ምዉታትን ቁሱላትን ኮይኖም ተሪፎም። 50 ሽሕ ከምዝሞቱን 20 ስሕ ከምዝቖሰሉን ሓደ ወተሃደር ናይ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝቕሰሉ 2 እግሩ ዝተቖአርጸ ንሓደ ኤርትራዊ  ኣብ ናይ ኣዲስ ሆስፒታል ዝሰርሕ  ዝነበረ ዝነገሮ’ዩ። መልስ መራሕቲ ወና ድማ ኣብቲ ናይ ዕርቂ ዳስ ርእሶም ትኽ ኣቢሎም ክኣትዉ ዝሓሰቡ በቶም 70 ሽሕ እንዳሐሰቡ ደኒኖም ኣትዮም።

እሞ ኤርትራውያን ኣይንጋገ ኩሉ ክሓልፍ’ዩ ኤርትራ ግን ኣይክትሓልፍንያ ሎሚ ሃልያ ጽባሕ ውን ንኹሉ ክትጸንሖ ከምትኽእል ንስራሕ። ኣብ ግዝያዊ ረብሓን ቆጥዓን ኣቲና ኣብ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስራሕ ኣቲኻ ምንቅስቓስ ነወግድ። ካብ ናይ ሓባር ዝኾኑ ጸላእቲ ዘረባታትን ተግባራትን ንመሃር ንንቃሕ’ሞ ኣይንጋገ።

“ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ ከይከውን።

13-05-17  ዓወት ንሓፋሽ!!

ይቕጽል ናብ 2ይ
 

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events