Date: Friday, 19 May 2017
ካበይ:ኣበይ:ናበይ:
“ህግደፍ ሰፊሕ ሱታፌ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብ መኣዲ ዓወደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኸረጋግጽ ይኽእልዶ?። ”
ሃብተ ገብረ (ችፓላ)
19 ግንቦት 2017
ናይ ሎሚ 9 ወርሒ፡ ብልክዕ 13 መስከረም 2016፡ ብዛዕባ “መደብ ብጋህዲ ኣብ ወጻኢ“ ቁጽሪ 4 ን 5 ከምኡ’ውን “ውልቃዊ ርእይቶ ምሕሬ ወዲ ኣባሻውል” ኣመልኪተ፡ ሓደ ዓንቀጽ ናብ መስከረም ዶት ኔት ሊኢኸ ኔረ። ኣብ`ዚ ጠዊቕካ ኣምብብ- http://africahornnow.com/2016/09/23/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8D%88%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%8D%8B%E1%8D%8C%E1%8A%A4%E1%8D%A1-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%8C%BD/
ናብ ናይ ሎሚ መዛተይ ኣርእስተይ ቅድሚ ምስጋረይ፡ ከም መእተዊ፡ ቁሩብ ካብታ ዓንቀጽ ክጠቅስ። ኣብታ ዓንቀጽ፡ ”ንሕና ኤሪትራውያን ብሓባር ክንርዕመሉ ዘሎና ሓደ ደረቅ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ንፕረሲደንትና ሽሕ ግዜ ንፍትዎ ንዘልኣለም መተካእታ ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ክኸውን ኣይክእልን። ኣይግባእን’ውን።“ ኢለ ኔረ። ብምቅጻል፡ ”ነዚ ደረቅ ሓቂ ብጸጋ ምስ እንቅበልን ምድኻም ተጻባእትና ኣብ ግምት ምስ እነእቱን እምብኣር፡ ከምቲ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንትና ዝበሎ ቀዳምነታትናን ኣድህቦናን ፈቲና ጸሊእና ናብ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን ከም ዝዝምብል ዘጠራጥር ኣይኮነን“ ውን ኢለ ኔረ። ኣብ መደምደምታ ኣንቀጸይ ከኣ ”ህዝቢ ኤሪትራ ኣጀንዳ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን በቲ ዝመደቦ ናይ ግዜ ሴሌዳ ኣየተግበሮን። ዊዒሉ ሓዲሩ ካብ ምትግባሩ ካልእ ኣምራጺ ግን የቡሉን። ምትግባሩ ንባዕሉ፡ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ’ውን ዝካሓድ ኣይኮነን። ካባ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤሪትራን ስውኣትናን ተጎልቢብና ጥራይ’ውን ዝብዳህ ከምዘይኮነ ንኹልና ቡሩህ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤሪትራውያን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንካሰስን ንምካሕን ንቅድሚትን መጻእን ብምምዕዳው ንጉዳይና ጉዳይ ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ቀሲናን ረጊእናን ብጋህዲ ሓሳባትና እንገልጸሉን ኢሂን ሚሂን እንበሃሃለሉን መድረኽ ብዓንተቦ ነጣጥሕ“ ውን ኢለ ኔረ። .......................................