Dehai

ኩቡር ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብ ለንደን ኣብ ቦታ ህንጻ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ በጽሑ "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"

Posted by: Aklilu Abraham

Date: Saturday, 17 June 2017


​ኩቡር ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ዓንደማርያም ኣብ'ቲ ብ14 ሰነ 2017 ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ልዕሊ ህንጻ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ህይወት ዘውርዶ መቅዘፍትን ዝተሰምዖ ዓሙቅ ሓዘን ንምግላጽ ብኣባላት ኢንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ኣየርላንድን ከሙኡ ውን ብኣባላት 
ኤርትራዊ ሃገራዊ ሽማግለ ዓባይ ብርጣኒያ ተሰኑ'ዩ በጺሑ።

ኩቡር ኣምባሳደር ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ምስ በጽሓ ምስ ኤርትራዊያን ከሙኡ ውን ምስ ምምሕዳር እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ህንጻ ተራኪቡ ተዘራሪቡን ዝተሰምዖ ዓሙቅ ሓዘን ብምግላጽ ነግዳያት እቲ ሓደጋ ጽንዓት ይሃብ ኢሉ።

ኣብ'ቲ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ድሃይ ዘይተርክቦም ኩነታቶም ንምፍላጥ ኢንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብቀጥታ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብቀጻሊ ኣብ ምዝርራብ ከም ዝርከብን ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተሎ'ሎ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሎሚ 16 ሰነ 2017 ንግስቲ ኤልሳጴጥ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ'ቲ ሓደጋ ዝድሓኑ ትዓቁበሙሉ ንዘለው ማእከል ክትበጽሕ ከላ ቀዳሜቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣኒያ ትሬዛ መይ ኣብ ሆስፒታላት ኣብ ትሕቲ ክንክን ንዝርከቡ ግዳያት በጺሓ።

ዛጊት በቲ ሓደጋ 17 ክሞቱ ከለው ካብ 24 ኣብ ሆስፒታል ትዓቁቦም ዘለው 12 ካብኣቶም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ይርከቡ።

ብዘካ'ዚ 76 ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ኣብ'ቲ ህንጻ ካብ ዝነበሩ 
ድሃዮም ጠፊኡ ከም ዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ከም'ዚ ኢሉ ከሎ ካብ'ቲ ህንጻ ብመጥፍእቲ ሓዊ ህይወት ኣድሕን ዓባይ ብሪጣኒያ ሬሶኦም ተቃጺሉ ካብ ዝተረክቡ ዛጊት ናይ 6 ሰባት መንነት ጥራይ ተፈሊጡ ከም ዘሎን ካብ'ዚ ንላዕሊ ንካልኦት መንነቶም ንምልላዮም ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ንፖሊስ ዓባይ ብሪጣኒያ ብምጥቃስ ሓቢራ'ላ።

እቲ ህንጻ ኣብ 1974 ከም ዝተሃንጸን 120 ኣፓርታማ ዝሓዘ ኮይኑ ካብ 400-600 ሰባት ይነብርዎ ምንባሩ ይፍለጥ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events