Dehai

ዝኽሪ ቀያሕቲ ዝኽሪ ቅዱሳትን ሕሩያትን -- CORRECTED VERSION

Posted by: Bsrat Tesfay

Date: Saturday, 17 June 2017

ዝኽሪ ቀያሕቲ

ዝኽሪ ቅዱሳትን ሕሩያትን

ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ንጽምብል ናጽነት ተሸባሺብና እታ ዕለት ኣኺላ ድማ መበል 26 ኣውደ ኣመት ናጽነት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብድምቀት ጸምቢልናያ። ነዛ ኤርትራውያን ሃገርናን ሰብኣዊ መሰላትናን ዝወነንናሉ ከምኡ’ውን ነቲ ዳግማይ ድሕሪ ነጻነት ዝመጸና ዝተሓላለኸ ወራራት መኪትና ናጽነትና ኣውሒስና `ብርሃን ንደርማስ ምዕባሌ` ኣብ ዝብል ቴማ ተመርኩስና ኢና ኣድሚቕና ጸምቢልናያ። ወርሒ ግምቦት ብናይ ጽምብል ናጽነት ከነድምቓ ቀኒና ሕጂ ድማ ወርሒ ሰነ ንናጽነትና ዝተበጀዉ ቀያሕቲ ክብሪ እንህበሉ’ዩ ወርሒ’ዩ።

ሎሚ ዓመት ወርሒ ሰማእታት ከምቲ ናይ ሎምዘበን ወርሒ ናጽነት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ፍሉይ ዝኽሪ ክህልዋ`ዩ። ስለምንታይ፣ ቀዳማይ- ካብ ግዜ ዓመተ-ነጻነት ኣትሒዝና ኤርትራ ክትጠፍእ ብኽንደይ ጥንቃቔ ብናይ ወያነ ዋናታት በብዓይነቱ ዝተሃንደሰን ዝተፈተነን መናውራታት ብፍላይ እቲ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝቐንዔ መዓት ገንዘብ ዝወጽኦ በብዓይነቱ ገበን ዝተፈጸመ ካብ ኤርትራ ንምጽናት ዝሃቀነ ሸርሕታት ጀሚርካ ክሳዕ ታሪኽን መንነት ናይ ኤርትራ ንኽጠፈእ ተበርጂኑ ኤርትራ ሓይላ ዓቂባ ካብቲ መዓት ወጺኣ ንቕድሚት እትምርሸሉ ግዜ ስለዝኾነ (እቲ ጎብየ ካብቲ ንቡር ክጎዬ ስለዝጀመረ)፣ ካልኣይ እታ ዘይትንቕነቕ ብህዝቢ ኤርትራ ዝበቖለት ኣብ ጎቦታት ሳሕል ዝተሰረተት እምነተ-ሕዝባዊ ግምባር መሊሳ ተኾሊዓ ኣብ ሓድሽ ወለዶ ስለዝሰገረትን ዝሰርጸትን፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ መነንት ኣጥፊኡ ኣንጻር ሕዝባዊ ግምባር ክስርዑን ክስርዓን ዝተሓስቡ ወረስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ባዕሎም ተጣብቕቲ ናይ ታሪኽናን ዘይቛርጽ ሰውራናን ስለዝኾኑ ስዉኣትና እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማን ኤርትራን መመሊሰን ስለዝደመቓ ናይ ብሓቂ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እተን ዘይሕለላ ስድራ ቤት ስዉኣትናን ከምኡ’ውን ዕላምኦም ከይሰሓቱ ዝቃለሱ ናይ ወትሩ ተጋደልትና ህዝባዊ ሰራዊትናን ሓርበኛታትን ናይ ብሓቂ ንሰማእታትና ብርእዮ ኣቕሲኖሞም እዮም።

ንዝኽሪ ሰማእታት ዓመት መጸ ዓመት ሓለፈ ኤርትራውያን በብዘለናዮ ነዛ ረዛን ዕለት ብዝተመሳሰለ ኣገባብ ኢና ንዝክራ። ሓደ ካብኡ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልእ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቲ ብጸሎት ምዝካር’ዩ። ክሳብ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዚ ተበግሶ’ዚ ከም ባህሊ ወሲድና ንነዊሕ ግዜ ተጠቐምናሉ ኢና። ግን እቲ ክብደት ናይ መስዋእቲ- ህይወት ምኽፋል ማለት እንድዩ ምስቲ ንሕና እነካይዶ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዝኽሪ መምዘኒኡ ይዳረግ’ዶ ከምኡው’ን እቲ እግሪ ጉዕዞን ጸሎትን ንዝኽሪ ናይ ኤርትራ ሰማእታት ይበቅዕ’ዶ ይኸውን? ብቀጻሊ ምስ ነብሰይ ክማጎት ድሕሪ ምጽናሔይ ሎሚ ቕነ እቲ ኣስታት 10 ዓመት ኣቢሉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካህን ኣባ ቪቶርዮ ኣብ መንፈሳዊ ስባኼኦም “ንስዉኣትና ቅዱሳት ስለዝኾኑ ጸሎት ኣየድልዮምን’ዩ” ክብሉ ሓጺርን ሓያልን ዝኾነ ማዕዳኦም ዝበልዎ ትዝ ኢሉኒ። እዛ መንፈሳዊት ምህሮ እቲ ሓፋሽ ወይ ከኣ ምእመናን ክንደየናይ ተሰዊጡና ኣይፈለጥኩን። ግን ፈሊጣት ብፍልስፍናዊ ኣረኣእያ እንተዝትንትንዋ ዝዓሞቐ መረዳእታ መቐረቡልና መስለኒ። በቲ ሓፈሻዊ ሸንኹ እንተርኤናዮ ግን ንሰማእታት ቅዱሳንን ህሩያንን ስለዝኾኑ ከምቲ ኣብ ግዜ ስርኣተ-ቅዳሴ በእንተ-ሰማእታት ተባሂሉ ዝጽለ፣ ካብኡ ብዘይፍለ ድማ እምነትናን ሃይማኖትናን ብዘየገድስ ስሞም ኣዕቢና ክንዝክርን ብመንፈሶም ተደሪኽና ብግብሪ ከነቕስኖምን ግቡእና’ዩ። ስለምንታይ ሰማእታት ዝተበጀዉሉ ዕላማ ንገዛእ ርእሱ መንፈሳዊ ስለዝኾነ። እዚ ድማ እቲ ንደቂ ሰባት ብመለኮታዊ ሓይሊ ወይ ከኣ ኣምላኽ ዝተዓደልናዮ ሰብኣዊ ነጻነት ብሰንኪ ስሱዓት ደቂ-ሰባት ስለዝተሓረመና፣ ሰማእታትና ንዓመታት ተቓሊሶም እቲ ብፈጠርቲ ዝተዋህበና ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ህይወቶም ከፊሎም ኣብቲ ዝግብኦ ቦታ እዮም ኣትሒዞሞ።

ስዉኣትና እምበኣርከስ ነቲ ጸጋታት ናይ ሃገር መሬትን ባሕርን ክንውንን ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ብውልቅን ብእኩብን ሰብኣዊ ክብርናን መሰልናን ዝውንን ሓራ/ነጻ ኣእምሮ እዮም ፈጢሮምልና። ብናይ ወዲ ኤፍረም ኣገላልጻ፣

“ሓደ ካብቲ ስዉኣትና ንዓና ዝሃቡና ዝዓበየ ነገር ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓርነት’ዩ” (ተዓጠቕ ሓምለ 2008 ገጽ 36) ክብል ኣብ ቃለ መጠይቑ ብዛዕባ ዝምድና ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓርነትን ቁጠባዊ ሓርነት ገሊጹ ኔሩ። እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓርነት እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ኮነ ንሕና’ኸ ነዚ ክቡር ህያብ’ዚ ብግቡእ ንከናኸኖ’ዶ ኣለና? እቲ ስነ-ኣምሮኣዊ ሓርነት መሰረት ናይ ዝኾነ ዓይነት ምዕባሌ ስለዝኾነ ንሕና’ኸ ነቲ ብቕዱሳንን ህሩያንን ዝረኸብናዮ ሓራ ኣእምሮ እንታይ ኮን ተጠቒምናሉን ኣበርኪትናሉን? እዚ ንገዛእ ርእሱ ዕለታዊ ነብሰ-ምርመራ ዝሓትት ኣገዳሲ ኣርእስቲ’ዩ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና ብዙሕ ምህሮ ዘየድልየና እኳ እንተ ኾነ እቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከቢድ ካብ ኮነ ነጻነትና ንምዕቃብ ድማ ዝያድኡ ረዚን ሓላፍነት ከምዘለዎ ግን ኣጸብቑ ክስወጠና ኣለዎ። ንኣብነት እዛ ዕለተ-ነጻነት ብኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ተደሪሳ ብሄለን መለስ ዝተዘመረት ` እናደምና እናኸፈልና ጃሕ ጃሕ እናበልና ኢና ወሪቕናያ,,,,,,` ዓቢ መልእኽቲ እያ ተመሓላልፍ። እቲ ክቡር ህይወት መተካእታ ስለዘይርከቦ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ብዝተፈላለየ መገዲ ብንቕሓት ነጻነትና ክንዕቅብ ክንክእል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ከምዚ ናትና ካልኦት ሃገራት’ውን ንፍትሕን ንሓቅን ንሰብኣዊ መሰላት ዝተቓለሳ ገና’ውን ዝቃለሳ ሃገራት ከምዘለዋ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ይጥቀስ’ዩ። ኣብ ህዝብታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽ እንተተወከስና ብሃገር ደረጃ፣ ብእኩብን እንተላይ ብውልቂ ንሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን በብግዜኡ ቃልሲ ተኻይዱን መስዋእቲ ተኸፊሉን’ዩ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ከቢድ እኳ እንተኾነ ኣጉል ዝኾነ ነጻነት’ያ ኣምጺኣ። እቲ ቃልሲ ናይ ኣሽሓት ሰማእታት ዝግብኦ ክብሪ ከምዘይሓዘ እዩ ዘርእየና። እዚ ዝተጠቕሰ ቃልሲ ናይ ህዝብታት ዓለም ምስ ናይ ኤርትራ ንምውድዳር ዘይኮነስ ሰማእታትና ቅዱሳንን ህሩያንን ስለዝኾኑ ከምኡው’ን እቲ ብዙሓት ህዝቢ ናይ ዓለም ዝተሓረምዎ ሓራ ኣእምሮ በዕጽምትን ደምን ሰማእታትና ካብ ተሰረተ ህልዋት ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ዓለም ንሃሉ ንኤርትራዊ መንነት ኽቡር ዋጋ ስለዝተኸፍለ ንሰማእታትና ኣብ ወርሒ ሰነ ወይ ከኣ 20 ሰነ ብእግሪ ጉዕዞን ጸሎትን ካልእ ተመሳሳሊ ኣገባባትን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ዕለታዊ ብግብሪ ክንትርጉሞን በቲ መንፈሶም ተደሪኽና ብሕልናና ተገዚእና ክንጎዓዝ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ረዚን ሓላፍነት እዩ። እዚ ድማ እቲ መባእታ መለለዪ ናይ ሰማእቲ መግለጺ ፍቕርን ክብርን ልዑል ተወፋይነት እዩ። ህይወት ምኽፋል!! ንሕና ድማ ነንሕድሕድና ተኸባቢርና ፍቕርን ሓልዮትን ቕንዕና ተዓጢቕና ምስእንጎዓዝ ናይ ብሓቂ ኣቕስናዮም ማለት እዩ።

ስዉኣትና ዕላማ ናይ መስዋእቶምን/ንን ርዝነቱን ኣብ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ስዉእ/ስውእቲ ስለዘልዉና ሕልናና እናፈተሽና ብዘረባን መደረን ዘይኮነስ ብግብሪ ከነቕስኖም/ከነቕስነን መንፍሶምን መንፈሰንን ኣይፈለየና!!!

ክብርን መጎስን ነቶም/ነተን `ብርሃን ንደርማስ ምዕባሌ` ክንበጽሕ ዘብቅዓና/ዘብቅዑና!

ዓሙቕ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!

ስዉኣትና ብግብሪ ይዘከሩን ይዘከራን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

ብስራት ልኡል ተስፋይ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events