“ሓደ ካብቲ ስዉኣትና ንዓና ዝሃቡና ዝዓበየ ነገር ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓርነት’ዩ” (ተዓጠቕ ሓምለ 2008 ገጽ 36) ክብል ኣብ ቃለ መጠይቑ ብዛዕባ ዝምድና ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓርነትን ቁጠባዊ ሓርነት ገሊጹ ኔሩ። እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓርነት እቲ ዝዓበየ ህያብ ካብ ኮነ ንሕና’ኸ ነዚ ክቡር ህያብ’ዚ ብግቡእ ንከናኸኖ’ዶ ኣለና? እቲ ስነ-ኣምሮኣዊ ሓርነት መሰረት ናይ ዝኾነ ዓይነት ምዕባሌ ስለዝኾነ ንሕና’ኸ ነቲ ብቕዱሳንን ህሩያንን ዝረኸብናዮ ሓራ ኣእምሮ እንታይ ኮን ተጠቒምናሉን ኣበርኪትናሉን? እዚ ንገዛእ ርእሱ ዕለታዊ ነብሰ-ምርመራ ዝሓትት ኣገዳሲ ኣርእስቲ’ዩ።
ኤርትራውያን ብዛዕባ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና ብዙሕ ምህሮ ዘየድልየና እኳ እንተ ኾነ እቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከቢድ ካብ ኮነ ነጻነትና ንምዕቃብ ድማ ዝያድኡ ረዚን ሓላፍነት ከምዘለዎ ግን ኣጸብቑ ክስወጠና ኣለዎ። ንኣብነት እዛ ዕለተ-ነጻነት ብኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ተደሪሳ ብሄለን መለስ ዝተዘመረት ` እናደምና እናኸፈልና ጃሕ ጃሕ እናበልና ኢና ወሪቕናያ,,,,,,` ዓቢ መልእኽቲ እያ ተመሓላልፍ። እቲ ክቡር ህይወት መተካእታ ስለዘይርከቦ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ብዝተፈላለየ መገዲ ብንቕሓት ነጻነትና ክንዕቅብ ክንክእል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ከምዚ ናትና ካልኦት ሃገራት’ውን ንፍትሕን ንሓቅን ንሰብኣዊ መሰላት ዝተቓለሳ ገና’ውን ዝቃለሳ ሃገራት ከምዘለዋ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ይጥቀስ’ዩ። ኣብ ህዝብታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽ እንተተወከስና ብሃገር ደረጃ፣ ብእኩብን እንተላይ ብውልቂ ንሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን በብግዜኡ ቃልሲ ተኻይዱን መስዋእቲ ተኸፊሉን’ዩ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ከቢድ እኳ እንተኾነ ኣጉል ዝኾነ ነጻነት’ያ ኣምጺኣ። እቲ ቃልሲ ናይ ኣሽሓት ሰማእታት ዝግብኦ ክብሪ ከምዘይሓዘ እዩ ዘርእየና። እዚ ዝተጠቕሰ ቃልሲ ናይ ህዝብታት ዓለም ምስ ናይ ኤርትራ ንምውድዳር ዘይኮነስ ሰማእታትና ቅዱሳንን ህሩያንን ስለዝኾኑ ከምኡው’ን እቲ ብዙሓት ህዝቢ ናይ ዓለም ዝተሓረምዎ ሓራ ኣእምሮ በዕጽምትን ደምን ሰማእታትና ካብ ተሰረተ ህልዋት ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ዓለም ንሃሉ ንኤርትራዊ መንነት ኽቡር ዋጋ ስለዝተኸፍለ ንሰማእታትና ኣብ ወርሒ ሰነ ወይ ከኣ 20 ሰነ ብእግሪ ጉዕዞን ጸሎትን ካልእ ተመሳሳሊ ኣገባባትን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ዕለታዊ ብግብሪ ክንትርጉሞን በቲ መንፈሶም ተደሪኽና ብሕልናና ተገዚእና ክንጎዓዝ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ረዚን ሓላፍነት እዩ። እዚ ድማ እቲ መባእታ መለለዪ ናይ ሰማእቲ መግለጺ ፍቕርን ክብርን ልዑል ተወፋይነት እዩ። ህይወት ምኽፋል!! ንሕና ድማ ነንሕድሕድና ተኸባቢርና ፍቕርን ሓልዮትን ቕንዕና ተዓጢቕና ምስእንጎዓዝ ናይ ብሓቂ ኣቕስናዮም ማለት እዩ።
ስዉኣትና ዕላማ ናይ መስዋእቶምን/ንን ርዝነቱን ኣብ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ስዉእ/ስውእቲ ስለዘልዉና ሕልናና እናፈተሽና ብዘረባን መደረን ዘይኮነስ ብግብሪ ከነቕስኖም/ከነቕስነን መንፍሶምን መንፈሰንን ኣይፈለየና!!!
ክብርን መጎስን ነቶም/ነተን `ብርሃን ንደርማስ ምዕባሌ` ክንበጽሕ ዘብቅዓና/ዘብቅዑና!
ዓሙቕ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!
ስዉኣትና ብግብሪ ይዘከሩን ይዘከራን!!!