Dehai

Downfall Of An Emperor By Cap. Michael Ghebrenigus Haile

Posted by: hbokure@aol.com

Date: Thursday, 17 May 2018

                                                                     
 
 
 
 
 
 
 
 
                                                         Downfall Of An Emperor
                                                                              ውድቀት ሃጸይ  ሃይለስላሴ
                                  ብካፕቴን ሚካኤል  ገብረንጉስ ሃይለ
                                         ገምጋም ብሃይለ ቦኹረ
            እዚ መጽሓፍ ብሰንኪ ዕልዋ ዘመነ-መንግስት ሃይለስላሴ ዝኣክል፡ ብናህሪ ዝተኻየዱ ብዙሓት ፍጻሜታት ይትንትን። ግን ብቀደም ተከተል ወይ ብብሓደ ንምዝርዛሮም ስለ ዘይጥዕም፡ ከም ኣራኣእያይ  ናብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምምዳብ ክገልጾም ዝሓሸ ይመስለኒ። ከምዚኦም ዝስዕቡ ኢዮም፡-
1.     መንስኤ ውድቀት ዘውዳዊ መንግስቲ
2.    ምስረታ ደርጊ ብመነጽር ኣወዳድባ ምዕባሌ (Group Dynamic/Process)
3.     ማንታ ባህሪ (Dualism)
4.    ገዛእ ጥፍኣት (Modern Frankenstein)
 
መንስኤ ውድቀት ዘውዳዊ መንግስቲ
 ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽ ምስ እንውከስ፡ ትምኒትን ራእይን ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ወይ ምስ ምጽኣት ጣልያን ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዛንታ ሃዘጋን ጸዓዘጋን እቲ እግዚኣብሄር  እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ ከለው” ህዝበይ ሕደጎም” (let my people go) ዝብል ከምዚ ዝስዕብ የዘኻኽረና፡-
ወሬሳው ብድርቡሽ ምስ ፈሰሰ
ንጉስ ባሕሪ መጸ እናሓመሰ
መድፍዕኒ ርኪትኒ እናተኰሰ
እልፊ ጭዋ እናኣሰረ እናሓበሰ
ነዃል ኢዱ ይመጽእ ትብሉና ቴድሮስ
ገጹ ኸይርኤና ምድሪ መሰ
ንፈርኦን ዘጥፍኤት በትረ ሙሴ
ባዕልኻኼ ትፈልጥ ስላሰ።
        ብድሕሪ’ዚ ጉዳይ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ርትዕውን ብምዃኑ፡-
-      ብናጽነት ዝመጸ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወትሩ ሽግር ክትፈጥረላ ኢያ። (ትራቫስኪ)
-      ኣንፈት ኣብዮት ኢትዮጵያ፡ ብመርገጺ ጉዳይ ኤርትራ ኢዩ ዝውሰን። (ኒው ኣፍሪካ)
-      እዚ ውግእ ብዓወት ተጋደልቲ ኤርትራ ኢዩ ዝዛዝም (ሸርማን)
-      እዛ ሃገር እዚኣ ቅድስቲ ኢያ’ሞ፡ ዝትንክፋ ወይልኣ። (ኣቦ ወልደኣብ ወልደማርያም)
-      ነዛ ከም ግዝእቲ ብካርታ ዝተፈልጠት ሃገር ምህሳስ ዝከኣልዶ ይመስል? (ሓጋይ)
 
 
ሓደ ሓደ  ዝገለጽናዮም ተመራመርቲ፡ ዋላ’ኳ ኣብ መጽሓፎም ኣጒል ኣራኣእያ እንተነበሮም፡ ኣብ መወዳእታ ጽሑፎም  ግና፡ ናጽነት ኤርትራ ከም ዘመስክር ክድምድሙ ኣይገረመናን።
 
ቀጻልን ርትዓዊን ብምዃኑ።
 
በዚ ዝተላዕለ፡ ብወገን ዓሳክር ኢትዮጵያውያን  ናብ ኤርትራ ምኻድ ዳርጋ ከም መቅጻዕትን ሕልፈትን ዝርኣይ ነይሩ። ንኣብነት መሳርሕተይ ሓብቲ ብርሃኑ ባይህ ዝነበረት “ ሓወይ ናይ ሕጊ ሙሁርን ተቃዋሚን ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ህይወቱ ክስእን ናብ ኣስመራ ቀይሮሞ። ባህ ከይብሎም  ሓንቲ ጓል ኣስመራ (ኤርትራዊት) ተመርዕዩ” በለትኒ። ንዳሕራዩ ወለዳ እንዳተጻረርዋ ዝተመርዓወቶ ሰብኣያ ኣንጻር ደርግ ዝዀኑ ቀንጸልዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ፡ ልዕሊ ኹሉ መኳንንትን ሙሁራትን (Non-Commisioned Officers) ከም በዓል ብርሃኑ ባይህን፡ ዳዊት ወልደጊዮርጊስን ኣብ ኤርትራ ንብዙሕ ዓመታት ዝተቀመጡ ልዕሊ ኩሎም ተጻርሮ ዘርኣዩ። ኰይኑ ካብ  ኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ኣቤቱታኦም ከቅርቡ ምስ መጹ ጃንሆይ “ ኣብ ክፍሊ ስሜን ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንዳበርትዐ ክኸይድ ከሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ከተቅርቡ ግዚኡ ኣይኰነን” በልዎም። እዚ ግብረ-መልሲ ቃልሲ ኤርትራ ንህላወኦም ኣስጋኢ ከም ዝዀነ የተንበሃልና። ስለዚ’ውን ደራሲ  ካልኦት ረቋሒታት (variables/ factors) ከይጎዘየ ፡ ብፍላይ  መንስኤ ውድቀት ሃይለስላሴ ጉዳይ ኤርትራ ምዃኑ፡ ዘይሰማዕናዮምን  ዘየስተብሃናሎምን ነገራትን ምስጢራትን ብምግላጽ የተሓሳስበና።
 
2. ምስረታ ደርጊ ብመነጽር ኣወዳድባ ምዕባሌ (Group Dynamics)
 
         ደርጊ ብመሰረቱ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሰራዊትን፡ መካላኸሊ ሓይልን ዝተዋጽኡ ዝቆመ ብምዃኑ ፡ ኣብ ርእሲኡ ብትምህርትን፡ ብሞያን፡ ብዕድመን፡ ብዓይለትን፡ ብሽመትን፡ ብጥቅምን፡ ብኣራኣእያን ንኣብነት ብስሚዒታውን ፖሊቲካን ዝኣክል ብዙሕ ግጭታትን ህልኽን ከም ዝገጠሞ ደራሲ ቁልጭ ኣቢሉ ይገልጸልና። ቀጺሉ  እዚ  ስርዓት ዝጎደሎ ጒጅለ፡ ንኣወዳድባ (Group Process) ዝዕድም መጽናዕቲ ምክያድ ምቹእ ከም ዝዀነ ይጠቀስልና። (ገጽ 35 ተመልከት) ሰለዚ ደራሲ ናይ ሕጊ ሙሁር ጥራይ ከይኰነስ፡ ብማሕበራዊ ትምህርቲ (Sociology) ዝሰልጠነ ከም ዝዀነ ከነስተብህል ንኽእል። ይኹን እምበር ናይ ሓደ ፓርቲ ህልውና ብሰለስተ ወሰንቲ ነገራት ኢዮም ዝግለጹ፡
 
        ቀዳማይ፡ ኣባላት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ስኒት፡
        ካልኣይ፡ ኣባላት ንውድቦም (ፓርቲ) ዘለዎም ተወፋይነት፡
        ሳልሳይ፡ ኣባላት ብውልቂ ኰነ ብሓባር ምስ መራሒኦም ዘሎዎም ስኒት።
 
        እዞም ዝገለጽናዮም ረቋሒታት ስለ ዘሰናኸሉ፡ ብተኸታታሊ ዝወረዱ  ቅንጸላን ማእሰርትን ድስከላን  መርኣያ ኢዮም። እዚ መጽሓፍ ዳርጋ ፍርቁ ብፍላይ ደርጊ ስኣን መሪሕነትን ንጹር ዕላማን ዝገጠምዎ ሽግራት  ኢዩ ዝዝርዝር። ይኹን እምበር ንዳሕራዩ ኣባላት ደርግ፡  “ቅትለት” ናይቶም ሱሳ እሱራት ኢዶም ስለ ዘእትውሉ፡ ብፍርሒ ክተሓባበሩ ክኢሎም። እዚ ክኸውን ከሎ “ኢትዮጵያ ትቅደም” ዝብል መርሆ ብኻልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ።
 
3. ማንታ ባህሪ (Dualism)
 
       ማንታ ባህሪ፡  ፍሉይ ጠባይ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ።  ንኣብነት ኣብ ክንዲ ብቀጥታ ምዝራብ ወይ ምግባር ብተጋራጫዊ፡ ብጥውይዋይ ወይ ብሽፍንፍን ክትመላለስ ከሎኻ እተርእዮ ባህሪ ኢዩ። ገሊኦም “ብልምዲ ዝጸንሔ ስለ ዝዀነ፡ ግድን ክትነብር፡ ክትለማመዶ ኣሎካ” ይብሉ። ገሊኦም “ ኣብዚ በጽሕናዮ ዘሎና ዘመነ-ኮምፑዩተር፡ ንጹር ዝዀነ ሓበሬታ (specification) ኣድላዪ ኢዩ” ይብሉ። ስለዚ ማንታ ባህሪ ክውግዝዎ ንርኢ። ብሕልፊ ደርጊ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ከይኣንጸላለዎ ኣይተረፈን። ንኣብነት፡-
 
-       ንጃንሆይ ኣብ ስልጣኖም ኣለው እንዳበለ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ድላዩ ይውስን፡
 
-       መርማሪ ኮሚሽን ይምዝዝ፡ ብኣንጻሩ ንዝተኣስሩ ብምርጫ ይርሽኝ፡
 
-      ካቢኔ ይምስረት፡ ጸኒሑ  ናይ ገዛእ ርእሱ ካቢኔ ይምድብ፡
 
-      ኢትዮጵያ ትቅደም ይብል፡ ብሓለፋ  ኣባላቱ ናይ ኮንጎ ካሓሳ ይከፈለና ይብሉ፡
 
-       ንሕና ወታሃደራት ኣካል ናይ’ቲ ተራ ህዝቢ ኢና ይብል፡ በቲ ሓደ ወገን ቀይ ሽብር የካይድ፡
 
-      ንኣማን ሊቀ-መንበር ኢዩ ኢሉ ይእውጅ፡ ግን  ኣባልና ኣይኰንካን ይብል። ለሰው ውደደው እንጂ ኣትመነው። ንሰብ ፍተዎ እምበር ኣይትእመኖ።
 
-      ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ክንፈትሖ ይብል፡ በቲ ሓደ ወገን ውግእ ይእውጅ።
ከም ዝመስለኒ፡ “ማንታ ባህሪ” ኣብ ውድቀተ ደርጊ ድሕሪ ጉዳይ ኤርትራ ብኻልኣይ ደረጃ ይስራዕ።
4     ገዛእ-ጥፍኣት (The Modern Frankenstein or Prometheus)
 
        እዚ መጽሓፍ ብሸሊ ዝተደርሰ ከኸውን ከሎ፡ ታሪኹ ሓደ ሊቅ (scientist) ናብ መቃብር ከይዱ፡ ሓደ ኣስከሬን ብከሚካል ገይሩ ናብ ህይወቱ ክመልሶ ይፍትን። ግን ዘይሓሰቦ ሓደ በላዕ ሰብ (monster) ይፈጥር እሞ፡ ሙሉእ ህይወቱ ደድሕሪኡ እናጐየየ የፈራርሖን፡ ይህውጾን፡ ይርብሾን። ብተመሳሳሊ ጃንሆይ እቶም “ ሃይለስላሴ ይሙት” ኢሎም ዝምሕልሎም ዝነበሩ ወታሃደራት ካብ ስልጣኖም ኣውሪዶም ክኣስርዎም ክትርኢ፡ ይድንጽወካ። ከም ዝብልዎ ባዕሎም ኣምሂሮም ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሕዎም መኳንንትን ወታሃደራትን ብምዃኖም። በገዛ እጄ እባብ ጠመጠምኩ።
 
ከምዚ ዝኣመሰለ ኢሰብኣዊ ተግባራት እንዳራኣኻ፡ ዝበሉኻ ትሰምዕዶ? እዚ’ውን ማንታ ባህሪ ኢዩ (Dualism/ Dichotomy).
 
ደራሲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ንጉሳውያን ቤተ-ሰብ ብመጠኑ’ኳ እንተጠቀሰ፡ ብወገነይ ነብሲ ቅትለት ጽገማርያም ኣበበ ( መሪ ጓል ኣቶ ኣበበ ረታ)፡ ብዓልቲ ቤቶም ንነብሲ ሄር ዶ/ር ስዩም ሓረጐትን ካልኦትን ብሓገዝ ወጻእተኛታት ካብ በረኻታት ከንያ ብነፋሪት ዝወጻ ዝዝከር ኢዩ። ካልእ ሓሊፉ  ኣናብስን ኣኽላባትን ቤተ-መንግስቲ ኣበይ ኣተው? ከም ዝሰማዕክዎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሰፈር እንስሳታት (Zoo) ተዓቂቦም ነይሮም።
 
        ካፕተይን  ሚካኤል  ኣዝዩ ዘካሪን፡ ተዓዛቢን፡ ደፋርን፡ ጥንቁቁን ኢዩ። ብልኡም እንግሊዝ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብምድላው የደንቆ። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምኡ ወጻእተኛታት ዝሓብእዎን ዝሸፋፈንዎን ሓቀኛ ታሪኽ ግልጽልጽ ኣቢሉ ብምቅራቡ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ  ዀነ መጻኢ ወትሩ ከመስግኖን ክዝክሮን ኢዩ።
 
        ሃይለ ቦኹረ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events