Dehai

እዋን ዝጠልቦ ተበግሶ….

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 03 June 2018

Jun 03, 2018
http://hornofafrica.de/wp-content/uploads/2012/06/0384.jpg

ካብ 1961 ክሳብ ግዜ ነጻነት ኣሽሓት መንእሰያት ናብ ተ.ሓ.ኤን ህዝባዊ ግንባርን ተሰሊፎም ምእንቲ ሃገሮም መስዋእቲ ብሂወቶም፣ ብጉልበቶም፣ ብፍልጠቶም፣ ንዋቶምን ኣበርኪቶም እዮም። እቶም ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝተሰለፉ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ብ1981 ምስ ወጸት እቲ ዝበዝሕ ሓይሊ ናብ ስደት እዩ ኣምሪሑ። ገለ ካብ’ዚ ክፋል በቲ ዝነበሮ ውድባዊ እምነት ክሳብ ሕጂ ከም ተቃዋሚ ሓይሊ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ። ዋላ ኤርትራ ሃገርና ነጻ ወጺኣ’ውን ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ዝተረኽበ ዓወት ዘይተዋሕጠሎም ብዙሓት እዮም።

እዞም ካብ ሓንቲ ውድብ ናብ ስደት ዘምርሑ ንህዝባዊ ግንባር እንዳተቃወሙ ከም ተቃወምቲ ሓይሊ ብሓደ ተጠርኒፎም ብሓባር ክጓዓዙ ኣይካኣሉን። ኣብ’ዚ እዋን ልዕሊ 20 ዝኾና ጉጅለታት ክእከባን ክፍንጥሓን ይራኣያ ኣለዋ። ገለ ውልቀ-ሰባት ነቲ ስነ-ኣእምራዊ ኣተሓሳስባ ናይ ሰባት ብምምዝማዝ ከም ስራሕ ወሲዶም ዝነግዱሉን ናብራኦም ዘጣጥሕሉ መስርሕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

https://i.ytimg.com/vi/riHiPEtliD4/hqdefault.jpg

*ስእሊ ናይ ገለ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር

...........................ምንባብ ቀጽል
258195-እዋን ዝጠልቦ ተበግሶ…..pdf


Dehai Events