Dehai

"ኣመል ከም መግነዝ " ዓሌታውን ፋሽሽታውን ጭፍራ ተሓሕት ከም ኣመላ ንዝቐረበ ደምዳም ምክላል ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምቡዕ ትርጉም ትህበሉ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 08 June 2018

ሰነ 08, 2018 ዓም ፈረንጂ

ዓሌታውን ፋሽሽታውን ጭፍራ ተሓሕት ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ከም ኣመላ ኣብ ዝሞተ ነገር "መንግስቲ ኢትዮጵያ ምቕባል ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣልጀርስ ውዕልን ፍርዲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን" ዝምልከትን ተኸቲሉ ቆሎ ጥጥቖ እናጸወየት እቲ ዝኣረገ ጸወታኣን ብናታ ቛንቛ 'ዝበስበሰ ትካላታን' ከም ሓድሽ ብዓቕሊ ጽበት ካዕቦ ሞዕሮ እናተንፈሰት ተዋስኦ ኣምጺኣ ካብ ጻዕረ ሞት ዓራታ እናተሳሕገት ህዝቢ ከተደናግር ትፍትን ኣላ። ኣነስ ናይ`ዛ ግዛዕ ጭፍራ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ትሕስዎን ትስንዖን ትሰርቆን ተደናግሮን ማእለያ ዘይብሉ ሸርሕታት ይገርመኒ እዩ። እስከ እቲ ፋይዳ ዘይብሉ ሃጠውቀጠዋ ባዕልኹም ስምዕዎ።

https://www.youtube.com/watch?v=SkVl66Y-2UU&feature=share

*ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events