Dehai

ዓቅሊ ዋጋ በቕሊ

Posted by: Germay Berhane

Date: Monday, 02 July 2018

ድሕሪ ሉኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሖም መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ ክብሃል ይክኣል። ሉኡኻት ሒዞሞ ዝኸዱን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸብዎ መልስን እንታይ ምኻኑ ጸብጻቦም ከምዘቅርቡ ርዱእ እዩ። ብግዜ ክርኤ እንከሎ ሓደ ሰሙን ኣይመልኣን። ንሕና ግን ንሰላም ክንደሊ ዕስራ ዓመት ኢና ተጸቢና። 
ሕጂ እንታይ እዩ እቲ ተርባጽ? መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ኣጽኒዑ መልሲ ከምዝህበሉ ርዱእ እዩ። ተቀዳዲሙ ግን ኣብ ቆዮቃ ቆልዑት ኣይኣቱን እዩ። ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ ድማ ርክብ ክልተ መራሕቲ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ተመርኩሱ ከምዝካየድ ብወገነይ ይተኣማመን እየ። 
ስለዚ ስምምዕ ኣልጀርስን ንክልታኣዊ ዝምድና ዝምልከት መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ክንጽበ ኣሎና። ልዕላውነት ኤርትራ ግን ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን።
ግርማይ የማነ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events