Dehai

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ-ቀዳማይ ክፋል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 30 August 2018

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)

08/30/2018 04:19:53 PM
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ እኣምን ነይረ ይብል። ብርግጽ ካብዚ ኣቋም እዚ ዝፍለ ሰሚዕናሉ ኣይንፈልጥን። ይኹን እምበር፡ ህዝባዊ ወያነ ንናጽነት ኤርትራ ምድጋፉ ከም ንረብሓ ትግራይ ዘራጉድ "ስልታዊ" መትከል ድዩ ሒዙዎ ነይሩ ወይስ ንሓቀኛ ናጽነት ኤርትራ ኣሚኑ ዝወሰዶ መትከል እዩ? ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ነዚ ሕቶ'ዚ ንምልዓል ዝደፋፍኡ ብዙሓት ምዕባለታት ተቐልቒሎምን ይቕልቐሉን ኣለዉ። ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ'ዚ ክንፍትሾ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ምዕባለታት፡ ወያነ ክሳብ ዝጥዕሞ ይሕንክስ ከምዝነበረ እዩ ዘርኢ። ንምዃኑ ኸ ንናጽነት ኤርትራ እኣምን ነይረ ክብል ከሎ፡ ርእሰ-ተኣማንነታ ዝሓለወት ናጻ ኤርትራ ድያ ትረኣዮ ነይራ ወይስ ሓንቲ ርእሳ ኣድኒና ኣብ ጽላሎቱ ጥራይ ትነብር ኤርትራ? ንሎሚ ናብ መደምደምታ ኣይክቐዳደምን እየ። ንሎሚ ኣብተን ኣቶ ገታቸው ዝሰንደወን ነጥብታት እየ ከተኩር።

ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል ሻድሻይ ዓመት ሞት ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዝነበረ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣቶ ገታቸው ረዳ- ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት፡ ብዛዕባ እቲ ህዝባዊ ወያነ ይኹን መለስ ዜናዊ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበሮም መርገጽታት መደረ ሂቡ ነይሩ። ታሪኽን ሓድግን መለስ ዜናውን ውድቡ ህወሓትን ንኢትዮጵያውያን፡ ብቀንዱ ድማ ንትግራዎት ዝምልከት'ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን መራሕቲ ወያነ ብሕሳብ ኤርትራ ክረብሑ ይሓስቡ ስለዘለዉ ንገለ-ገለ ካብቲ ኣብ ሓሶት ዝተሰረተ ትንታነ ኣቶ ገታቸውን ዝንቡዕ ኣቀራርብኡን መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።........................
..............ምንባብ ኣብ ታሕቲ ቀጽል
ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰኪዔት መስከረም

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events