Dehai

ECSS-Online.com: መእተዊን መደምደምታን መጽሓፍ ዓቢ ፖለቲካዊ ጸወታን ሻውዓይ ምዕራፍ ባይቶ ጸጥታን ባይቶ ጸጥታ ኣንጻር ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ ቁ.1907

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 28 October 2018

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ወርሂ ትቕምጢ ዕለት 28, 2018 ዓም ፈረንጂ


ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ብቁጽሪ 1907፡ ብ5 ታሕሳስ 2011 ብቁጽሪ 2023፡ ብ24 ሓምለ 2013 ድማ ብቁጽሪ 2111 ዝፍለጥ ዓማጽን ዘይፍትሓውን ውሳኔታት እገዳ ኣንጻር ኤርትራ ከም ዘሕለፈ ይፍለጥ። መበገሲ ናይቶም ዳሕረዎት ውሳኔታት እቲ ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ ውሳኔ ስለዝኾነ ድማ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፈይ ናብኡ ዘተኮረ ክኽውን እዩ።ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ መበል 6254 መጋባእያ፡ ንምዕራፍ 7 ቻርተር ው.ሕ.ሃ መሰረት ብምግባር ኣንጻር ኤርትራ መርትዖታት ዘይብሉ ዓማጺን ዘይፍትሓውን ውሳኔ ኣሕሊፉ። ነዚ ውሳኔ’ዚ ከሕልፍ ከሎ ዘቕረቦ ምኽንያታት፡ “ሃገረ ኤርትራ ንዕጡቓት ምንቅስቓስ ሶማል ፓለቲካዊ፡ ፋይናንሳውን ሎጂስቲካውን ሓገዝ ትህብ ኣላ፡ ንመሰጋገሪ ፈደራላዊ መንግሰቲ ሶማል ኣፍልጦ ኣይሃቦቶን፡ ሓይልታታ ካብቲ ምስ ጂቡቲ ዘዳውባ ከባቢታት ብፍላይ ከኣ ካብ ራስ ዱሜራን ደሴት…


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events