Dehai

YouTube.com፡ 1. "መንእሰይ ኣስተውዕል፣ኤርትራውያን ታሪኽ ዘይብልኩም ሽፍታ ኢኹም ይብልኹም ኣሎዉ" 2.***"ዝገብር ንአዲኡ ነይነግር"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 14 November 2018

"መንእሰይ ኣስተውዕል፣ኤርትራውያን ታሪኽ ዘይብልኩም ሽፍታ ኢኹም ይብልኹም ኣሎዉ"

 

"ሰማእታት ኪጽረፉን ኪናሸውን እንከለዉ፡ ጠጠው ኪተብልዎም ይግባእ። እንታዎት ኮይኖም ኢዮም ዝጸረፉ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ጎሓፍ ዝኾነ ታሪኽ ሒዞም፡ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ንዝተቓለሰሉን ንዝተሰዉኡሉን ፡ሽፋታት ኢዮም ይብሉኻ ኣለው። ኦ! መንእሰይ ሽፍታት ኢዮም ነይሮም ወለድኻ ይብሉኻ ኣለው" ይብል ኣሎ እዚ ለባም መንእሰይ ኤርትራዊ ዜጋ

YOUTUBE.COM
 
ሰማእታት ኪጽረፉን ኪናሸውን እንከለዉ፡ ጠጠው ኪተብልዎም ይግባእ። እንታዎት ኮይኖም ኢዮም ዝጸረፉ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ…
 
 

"ቅሉዕ ስነ-እእምሮኣዊ ወራር"

ወርሒ ሕዳር 14, 2018 ዓም ፈረንጂ

 

ተስፋጽዮን ዝበሃል ዕሉል ጀላሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጥሩፍ ሃይማኖታዊ ሰረት ጌሩ ኣብ ውሻጠ እስራኤል ተኾይጡ (ተኾዲሙ) ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ክፈላልን ንመንእሰያት ኤርትራ ከሀውትትን ከደናግርን ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ ሕውስውስ ዝበለ ፕሮፖጋንዳዊ ወፈራ ኣካይዱን እንደገናውን ይቕጽሎ ኣሎ። ኣብ`ዚኣ ፈነውኡ ግን ንሱ ከይተፈለጦ ድዩ ብፍላጥ ወይ ብወዝቢ ሓደ ክልተ ሓቅታት ብዛዕባ ህግሓኤ ወይ ሕውሓት ሰው ኣቢሉ ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ ንዕኡን ካልእን ዝመስሉ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝሽቅጡን ገንዘብ ዘኻዕብቱን ባእታታት ሳለ ግዜ ዘምጽኦ ስነ-ጥበብ ኣፎም ዝሃቦም ኩሉ ሕብሪ ዘለዎ መደናገርን መሀውተትን ቅሉዕ ስነ-እእምሮኣዊ ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብተዓጻጻፊ ይደፍኡሉ ኣሎዉ። ኣነ ነቲ ንሱ ዝጸውዮ ነገራት ከም ስነ-ሞጎት ዋጋ ኣይህቦን እየ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ቁንጭብ ኣቢለ እምበር ብምሉኡ ሰሚዔዮ`ውን ኣይፈልጥንየ። ትማሊ ግን ነዛ " እንታይ ኢዬ ኔሩ ዕላማ ዑደት ኢሰያስ አፈወርቂን ሄለን መለስ አብ መቀለን ጎንደርን?" እትብል ዛዕባ ንመጀመርያ ብሙልኣ ሰሚዔያ። ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘላ ብሓደ መስተውዓሊ መንእሰይ ኤርትራ ዝተፈነወት እዋናዊት ማዕዳ ንመንእሰያት ኤርትራ ሓንቲ ተንቀሳቃሲት ስእሊ ንኸተነጻጽርዋ ግን ሎሚ ንኽልቲኡ የመሓላልፈን ኣሎኹ። ግለ ቁሩብ መረዳእታ ክኸውን ስለ ዝኽእል።

 

ናተይ ግብረ-መልሲ፣

***"ዝገብር ንአዲኡ ነይነግር"

"ዝገብር ንአዲኡ ነይነግር" ይብሉ ለባማት ኣቦታትና። ዝገብር ብዙሕ ኣይዛረብን፣ ከም ዋኻርያ ከምዚ ከማኻን መሰልትኻን ኣይሃድምን! ብዙሕ ዘይምዝራብን ግን ብግብሪ ምስራሕን ንኹሉ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖ ብድሆታትን ሽግራትን ብጅግንነት ብምቅላስን ንኩሎም መሰናኽላት ደምሲሱን ስዒሩን ብዓወት መሰስ ካብ ዝበለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክትምሃር ምተገብኤ፣ ከማኻን ከም መሰልትኻን ሃዲሙ ሓስዩ ወይ ድማ ቢራ ዊስኪ ሰትዩ ጮማ በሊዑ ኣይኮነን ኣብ ዓወት በጺሑ ። እንታይ ደኣ፣ ብግብርን ብሓቅን ጠምዩ ዓሪቑ ተቓሊሱ ተዋጊኡ ደምዩ ተሰዊኡ ከቢድን ክቡርን ዋጋን እንኮ ህይወቱን ከፊሉን እዩ ነዛ ንስኻ ብሓሶት ተጸልማናን ትድውናን ዘሎካ ሃገረ ኤርትራ ካብ ሰንሰለታውያን ባዕዳውያን መግዛእትታት መንዚዑ ዘምጽኣ። ካውኡ ከማን ክትምሃሩ ምተገብኤ። ግን ኣይተዓደልኩምን!

እዞም ዘመን ዘምጽኦም ገለ ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ብሓሶትን በለጽን ምድንጋርን ስርቅን ምድሕርሓርን ትልለዩ ናይ ጥፍኣት ሃዋርያት፣ ነቲ ስሱዕ ሸውሃትኩም ንምርዋይ ሃገርን ህዝቢን ኣብ ሽግርን ኣንጻር ተጻይ ደው ኢሎም ኣብ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ዝነበሩሉን ዝሃለውሉን እዋን፣ ከም ማንቲለ ናብ ደገ ብምህዳም ኣብዚ ናኣሽቱን ማእከሎትን ናይ በለጽን በለካ-ለኽዓካ ደዃክን መስሪትኩም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ትሽቅጡን ገንዘብ ኣኻዕቢትኩም ጁባኹም ተሕብጡ ዘለኹም ሎኽመኛታትን ተመጻደቕትን፣ ያኢ ኣብ ማዕዶ ኬይንኩም`ሲ ተሓለቕቲ ህዝቢ ንኽትመስሉ ዓጀውጀው ክትብሉ መሕፈረኩም። ስለዚ እዚ ኩሉ ንሰምዖ ዘሎና ሃለፍለፍ እቲ ዝምውለኩምን ኣቕራሽ ዝቶኽበልኩም ዝነበረ መስፍናውን ዓሌታውን ጭፍራ ሕውሓት ካብ`ታ ን 27 ዓመታት በትረ-ስልጣኑ ብህዝባዊ ብመኸተን ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ስለ ዝተዓልወ ስለ ዝሓለቐን ናይ ፍጹም ተስፋ ቑርጸትን ካብኡ ሓሊፉን ናብ ጽላለ ዘድሃበ ዓበድበድን ኣዩ።

ኣነ ኣብ መለኮታዊ ሓይሊ ኮነ ማይጨሎት እኳ እምነት እንተዘይብለይ፣ ከምቲ ባህልናን ልምድናን ግን ናብ ጋብር ደርዓንቶን ኣቡነ ተኽለሃይማኖትን ………….ወዘተረፈ ኬድኩም እስከ ናይ ክልተ 7 መዓልትታት ማይጨሎት ተሓጸቡ፣ እንተተመሰለልኩምን ናብ ልብኹም እንተተመለስኩምን።

 

***እዚ ነቐፌታ`ዚ ነቶም ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሃገራውያን እሞ ብስነ-ስርዓት ህይወቶም ዝመርሑን ንሃገሮምን ህዝቦምን ብኹሉ መዳያት ዝሕግዙን ንመሬት እንዳኣባ ዝጣበቑን ንኤርትራን ህዝባን ብግብሪ እጃሞም ዘበርክቱን ዘተኮረ ኣይኮነን።

***ብርሃነ ሃብተማርያም

YOUTUBE.COM
 
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events