Dehai

*** ነባዒ ኣይትበሉኒ ***ብገዲም ተ/ ኣሸናፊ ኣብርሃም / 2018 ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 15 November 2018

  ***  ነባዒ ኣይትበሉኒ ***
ረቲና የዒንተይ ጨው ነዚዐን
ንብዓት ሓጎስ ዶ ጸረርታ ሓበን
ከይተፈለጠኒ ማንታ ዛርየን
ክግላህ ርእየ ጸዋግ ዘበን

         ትማሊ ኣብ ዕለቱ ሰነ  መዓልቲ  ሰማእ
ንክብሩ ነቢዐ ንኽብሪ  እቲ  ሞባእ
 ተበሲረ  ብስራት ሰላም ከምታ  ባህጉ
ሎሚ ንብዓት ሓጎስ መናፊት የዒንተይ  ዚዒጉ

        ለካ እቲ  ጸረርታ ካብ ሓጎስ ሓዘን እዩ ዝምንጩ
ደርት የብሉን ምጉግርትኻ ከጠልቂ  ግዜ መሪጹ
ካብ ዓወት የብሉ  ካብ ስዕረት  ከበሮ የዒንቲ ዘይዓግቶ
ጸረርታ ጨው ንብዓት ፈለጉ ጢሒሱ  ቀልብኻ ዝብሕቶ

         ከመይ ዘይነብዕ ንብዓት ሓበን ሓጎስ
ከመይ ዘይንኽንኽ  ሰላም እንድዩ  እቲ ደበስ
ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ነበረ ዝኾነ ግብታ ግዜ
ሓሳዳት ንዕርበቶም ክድነሱ በጺሖም ኣብ ንዛዘ

         ግዜና ዝሃንኮቱ ሳጥናኤላት መሲልዎም ዘይወግሕ
ብዝግታ ዘገምታ መሪሽና ናብ ዚ ህሞት ከም ክንበጽሕ
 ከመይ ዘይነብዕ ጸረር ዘየብል መዓስ ጨካን ኮይነ
ሕግደት ንስለ ሰላም ፍቕሪ ሰናይ ጉርብትና እንድየ ዝምነ

          ነቢዐ እወ ዘኪረ ትማሊ እቲ ሕብሪ ዓይነይ ዘይብርሆ
ብሳላ ደፋእታ ተበጺሑ፣ የዒንተይ  ርእየን መስተርሆ
ዕርበትና  ዝተጠጀኤ ሓቒንና ዘፍ ከነብሎ
ደበስ ወጽዓና  ሓፊስና  ዝተቕልወ ይቆሎ

 ተመስገን
ከመይ  ጸረር ዘየብል ማንታ ንብዓት ንብዓት ሓበን
ብጻዕርን  ጽማመን ዓቕልን በጺሐዮ ሰናይ ዘመን
ሕንቕንቕ ኢለ ኣበጥም ርእየ ወጽዓይ ክውገን

       ካሕሳ ናይቲ  ጸኒዑ ዘጽንዐ
 ናይቲ ጅሆ ሰላም ኮይኑ ብዝርያ ዝተገድዐ
ዕጽፊ ተፈድዩ  ሓለዋ ተጸሚዱ ኣብ መዝገብ ዘድፈዐ
ስለ ዚ እየ እንበኣር ንብዓት ኩርዓት  ንብዓት ሓበን ነቢዐ

               ከምዚሕጂ ክትቃበጽ እታ ትልኽ ዕምሪ
         ክሕጎስ እየ እንበር ንብዓት ሓበን ከዛሪ
ውሑድ ዶ ተጸሚመ ሐጎጽጎጽ ክምድምድ ኩርኳሕ ከዕሪ
ኣብ ዛ ታሪኻዊት ዕለት ክዝምር እየ ምስ ንብዓት ሓጎስ ፈልፋሊ
          
      ሰለስተ የዕዋፍ ብሓንቲ ዳርባ እምኒ
ዘርጠብጠብ ክብላ ዝረኣየት ርሑቕ እተቋምት ዓይኒ
ጸረር ከብል እየ እንበር ምስ ሕራኒ ምሕርቃም ስኒ
ጨው ንብዓት ዓይነይ ኣዝርየ ሕሉፈይ እንዳተራእየኒ
          
       ሰላመይ ዝሓንኩሩ ግዜይ ዝበልዑ
ሂወት ብሉጻተይ ካብ ሕቑፈይ ዝመንዝዑ
ዝተኸስኩሉ ሰብኣዊ መሰል መንበረይ ኣጠጢሐሉ
እገዳ ኣበርዒነ መኸተይ ጽማመይ ዘመስከርኩሉ

      ቦቕባቕ ኮይነ እንበር መዓስ ጃጅየ
ኣስተማሲለ መዓስ ኮይነ ንብዓት ኣዝርየ
ሕሱም እዋን ክመሖ  ጸላም ክስገር እንድየ ርእየ
ከመይ ዘይነብዕ ፍረ ሰማእታተ እንዳፈረየ

       ነባዒ ኣይትበሉኒ  ንብዓት ሓጎስን ሓበንን እዩ
ንኡሳተይ ተራእዮሙኒ  ነዚ ናይ ሕጂ ከርእዩ
ወጽዓ ህዝበይ እዩ ኣነኽኒኹኒ ጸረር ኣቢለ
ፍዳ ብዓዕበት ክከሓስ እየ ርእየ እቲ ዝተበደለ
         
     ነባዒ ኣይትበሉኒ

        ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
 ጀርመን
        15/11/2018


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events