Dehai

"ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ?"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 24 December 2018

 

ብመራሒ ጉጅለ-15 ዝፍለጥ ሃይለ ወልደትንሳኤ [ድሩዕ] ገለ ኣባላት ግምባርን መንግስትን ነበር ተሓባበርቱን ወኪሉ፣ ኣብ`ቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውግእ ብሸምገልቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን መንገዲ ኣቢሉ ንጸላእትና ዓሌታዊ ስርዓት ህውሃት ምስጢር ምምጣዉ [ምሕላፉ] ሃገራዊ ክሕደት ምፍጻሙን ብጭብጢ እንክግለጽ...........

 

ሃገርና ኤርትራ ኣንጻር ኣረሜናዊ ወራሪ ህውሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርሱን ውግእ [1998-2000] እንከላ፣ ብኣብ`ቲ እዋን`ቲ ናይ መንግስትን ሃገረ ኤርትራን ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕ ብመንገዲ ዓረቕቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ጌሩ ንጸላእትና ህውሓት ከም`ዚ ዝስዕብ ምስጢራዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፣

"ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ".................ኢሉ ሓላፍነትን ካብ ከምኡ ላዕለዋይ መሪሕነት መንግስት ህዝባዊ ግምባርን ዘይትጽበዮ መልእኽቲ ምሕላፉስ......ከም ህዝቢ ሃገራዊ ክሕደትን ጥልመትን ተፈጺሙ ክንብል`ዶ ኣይኽእልን ኢና ወይ ኣይግብኣናን ድዩ?

 

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዑይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ትዕበ ትንኣስ ምስጢር ብኢደ-ወነንካ ብፍላይ ክንድዚ ገዚፍ ስልጣንን ሓላፍነትን መንግስቲ ግምባርን ተሰኪምካ ንጸላእትኻን ክወሩኻ ኲናት ብዕሊ ኣዊጆምን ተሃንዲዶምን ዝመጹ ደመኛታት ጸላእቲ ምምንጣው`ሲ [ምሕላፍ ምሃብ] ሃገራዊ ክሕደትን ወይ ድማ ጥልመት ብግልጺ ክበሃል ይግባእ`ዶ ኣይኮነን? ብወገነይ ቀደም ሒዘ ዝሰምዖን ዝጥርጥሮን ስለ ዝነበርኩ፣ ካብቶም ሓደ ኣይ`ቲ ጸወታ ተዋሳእቲ ዝኾነ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ድሩዕ ሕጂ ባዕሉ ሓደ ክፋል ናይ`ቲ ምስጢራዊ ርክብ ምስ ጸላኢ በጨቕ ኣቢሉ ስለ ዝጸወዮ፣ ዓው ኢለ ይግባእን ፈረቓን ይብል።

 

እዛ ሰራምን ተበላጺትን ጉጅለ-15 እምበርኣር፣ ኣብ`ቲ መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣንጻር ወራሪ ስርዓት ህውሓት ናይ ሞትን ሕየትን ርሱን ውግእ ኣብ ዘካይድሉ ዝንበሩ እዋን ኣሽሓት መንእሰያትን ዓበይትን ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ኣንስትዮን ኣብ ዝወድቁሉን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዝኸፍልሉን ዝነበሩ ትንፋስ ዘይህብን ዘየዛኒን እዋን፣ ኣብ ውሻጠ ኮይና ምስ ወጻእተኛታት ተመሓዝያን ተዃሺማን ኣንጻር ሃገር ሸርሒ ትኣልምን ኣዕናዊን በታታንን ዕላምኣ ንምዕዋት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ሰዓብታ ኣደናጊራን ወዳዲባን ኣጻፊፋን ትሰርሕ ኔራ። እቲ ውግእ ብትብዓትን ጀግንነትን ተኻፈልቱ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ ብፍላይ ብተባዕ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሻ ኣብ 2000 ዓም ምስ ፈሸለን ምስ ተዓወተን ግና፣ እዛ ጉጅለ-15 ብዝብል ስም ዝተተመቐት ባእታ፣ ዝኣለመቶ ዕላማ ስዕረት ሰራዊትናን ዘይቕዱስ ኪዳን ምስ ጸላኢና ህውሓትን ጥልመትን ዕልዋ መንግስትን ስለ ዘይሰለጣ፣ ብሃትሃታ ካብ`ቲ ውሻጠ ወጺኣ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ኣየናይ ወዶም-ጓሎም ከም ተሰውኡን ብዝወጹዎ ከም ዝተረፉን ከይፈለጡን እዚ ዓቢ ሃገራዊ ኪሳራ ከየገደሳ፣ ጌግኣ ክትሓብእን ክትሽፍንን "ካባ ደሞክራሲ" ብዓቐና ኣስፍያን ተኸድዲናን ተመሻሺጣን ሎቖትኣ ኣጸባቢቓን ሒዛን ብማይ ዘይሓለፎ ኣምር "ዲሞክራሲ" ክትሽቅጥን ህዝቢ ከተታልልን በሎኽ ኢላ ወጺኣ። እዛ ጉጅለ-15 ብመንግስቲ ኤርትራ ተጋጊኺ ናብ ልብኺ ተመለሲ ተባሂላ ከተብቅዕ ግን፣ ነዚ ነጺጋ ኣብ ጽሑፍን ቆይቚን ዘለፋን ኣትያ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሕንፍሽፍሽ ክትፈጥር ተበጊሳን ሰሪሓትሉን። እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ "ጌጋኻ ንምሽፋን" በዛ ጉጅለ ዝካየድ ዝነበረ ወፈራ ንምግታእ ሕጋዊ ስጉምቲ ብ2001 ዓም ወሲዱላ። እቲ ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ከይተገትኤ ብሸለልትነት ተገዲፉ እንተትነብር፣ ዕጫ ኤርትራ ልክዕ ከም ደቡብ ሱዳን [ውግእ ሓድሕድን መንግስቲ ምፍራስን] ምኾነ። ስርዓት ህውሓት ድማ እቲ ብውግእ ዘይረኸበቶ ዓወት ሰተት ኢላ ብቐሊሉ ንኤርትራ ተመሊሳ ምስተቘጻጸረታ ኔራ።

 

ብናተይ ገምጋምን ሚዛንን፣ በዚ መራሕ ጉጅለ-15ን ኣባላቱን ዝተኻየደ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፣ ኣብ`ቲ ግዜ ወራር ንጸላኢኻ ምስጢር ኣልሒዂካ ምሃብን ሃገራዊ ክሕደት ጥልመትን ምፍጻምን ሳዕቤናቱ፣

 

  • ንተጻይ መንግስቲ ህውሓት እቲ መሪሕነት መንግስትን ግምባርን ኤርትራ ስምምዕ የብሉን ዝብል ግጉይ ግምት ብምሃብን ሞራላ ሓፍ ኣብ ምባልን እቲ ውግእ ካብ ዓቐኑን ግዜኡን ንኽምጠጥ ተራ ምጽዋቱን፣ ኣደዳ ኣሽሓት ምሩጻት መንእሰያት ኤርትራ ግዳያት መስዋእትን መውጋእትን ስንክልናን ምግባሩን፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝፈናቐሉ ኣብ ምግባር

 

  • በዚ ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ውልቀ-ሰብን ጉጅለኡን ነቲ ብመንግስትን ላዕለዎት ሓለፍቲን ዓቂቦም ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ፖለቲካውን ዞባውን ዓለምለካውን ምውሳእ [ዲፕሎማሲ] ወትሃደራዊ ቅዲ ኲናት ኣብ ግዜ ውዑይ ናይ ምትሕንናቕ ውግእ ንጸላእትና ስለ ተመጠወ፣ ህውሓት ናይ ሓሶት ሞራል ሰኒቓ ነቲ ግጭት ብሸምገልቲ ብቕልጡፍ ብሰላም ንኽፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ዘይምኽኑይ ቅድመ ኩነትን ዕባራን ቀምሽ ኣደይ ሓንኮለኒን ዝመስል ሓንካስ ምኽንያትን ብምቕራብ ክትነጽጎን፣ እቲ ውግእ ከተናውሖን ክትደፍኣሉን ዕድል ሂቡዋ እዩ። ሳዕቤኑን ውጽኢቱን ድማ ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ እዩ።

 

  • ኣብ`ቲ ምስ ሰላም ሸምገልቲ [ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ብዝተሓተ ክብደት ድማ ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት] ዝግበር ዝነበረ ምይይጥ ድማ ብሰንኪ`ቲ ምስጢር ሃገር ምልሓዂን ንጸላኢ ምምጣውን፣ ስርዓት ሕውሓት ነቲ ድርድር ከም ግዜ መግዝኢን ሓይሊ ሰባ መመልመሊን መዓለሚን መዳለውን ኣጽዋር መሸመትን ብግቡእ ተጠቒማትሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሰላም ተኽእሎ ኣማህሚና ንውግእን ደም ምፍሳስን ጥራሕ ከም ተተኩር ጌሩዋ ኣዩ።

 

  • ናይ`ዚ ኹሉ ድምር ከኣ ብፍላይ ኣብ`ቲ ቅድሚ ድሮ ሳልሳይ ወራር ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ቅኑዕን ምቕሉልን ናይ ሰላም ድሌት ቅሩብነትን ብግብሪ ንምርኣይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብበይናዊ ዘይግዱድ ስጉምቲ ካብ ግምባር ቡረ ንኽልተ ዓመታት ብጽኑዕን ድልዱልን ዝሃነጾ ዕርድታቱ ኣስታት 37 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ ኤርትራ ከም ዝሰሓበን ብተመሳሳሊ ኣገባብ`ውን ካብ ግምባር ዛላ ኣምብሳውን ከምኡ ከምዝገበረን፣ ብወገን ስርዓት ጭፍራ ወያነ ግን ነቲ ናይ ኤርትራ ምቕሉል ናይ ሰላም ተበግሶን ድሌትን ዓለምለኻዊ ሸምገልትን ጻውዒት ብትዕቢት ነጺጋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሰለስቲኡ ግምባራት ማለት [ግምባር ቡረ-ዓሰብ ንዓሰብ ንምሓዝ፣ ብግምባር ዛላምበሳ ንከበሳን ኣስመራን ንምሓዝ፣ ብግምባር መረብ-ሰቲት ንቆላዊ መታሕት ኤርትራ ንምሓዝ] ሓያል መጥቃዕትን ወራርን ኣበጊሳ።

 

  • ኣብ`ቲ ንሰላም ሽምግልና ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን`ውን መሳፍናዊት መሪሕነት "እናተዋጋእና ክንደራደር ኢና እናተድርራደርና ድማ ክንዋጋእ ኢና" ዝብል ጭርሖ ብዕሊ ኣዊጃ ንሰላም ካብ መጀመርያ`ቲ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ዝፈሸለትሉን ዝተሳዕረትሉን፣ ንሰላም ፍጹም ዕላማን ቅሩብነት ከም ዘይነበራ ብግብሪ ኣርእያ እያ። እዚ ኹሉ እኩይ ናይ ህውሓት ኢትዮጵያ ወርራ ግን ብሳላ ከቢድ መስዋእቲን ጅግንነትን ሰራዊት ኤርትራ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ፈሺሉን ተሳዒሩን እዩ። እዚ`ውን ውጽኢት ክሕደት ጉጅለ-15 መራሕኡን እዩ።

 

  • እቲ ውግእ ኣብ 2000 ዓም ብውዕል ሰላም ጠጠው ምስ በለን እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ድማ ናብ ዓለምለካዊ ቤት ፍርዲ ምስ ተመርሐን፣ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ 2002 ድማ እቲ "ናይ መጨረሽታን እግባይ ዘይበሃሎ ፍርዲ" ምስ ተፈርደ፣ ስርዓት ህውሓት በቲ ናይ ሽዕኡ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ስዩም መስፍን ኣቢሉ "ባድመን ከባቢኣን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ዘይሓተትናዮ ናይ ኤርትራ መሬት ተፈሪዱልናን ዝተዋሂቡናን ኣሎ" ኢሉ ዓይኑ ብዘውጼ ጻዕዳ ሓሶት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣውጺኡ ከም ዝጭፍሩ ጌሩዎም፣ "ንሕና ምሉእ ብምሉኡ ተቐቢልናዮ ኣሎና፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኤርትራ ኽትቅበሎ ከገድዳ ኣሎዎ" ኢሉውን ከይሓፈረ ተጠሊዑ ተዛሪቡ። "ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፎኩስ" ከም ዝበሃል ግን እቲ ኩሉ ነፍሒ ጥሩምባ ህውሓት ሓሶት ምዃኑ ንኽቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። ካብ`ዚ ሓሉፉ`ውን እታ ሓሳዊትን ሰራቒትን ስርዓት ህውሓት ቃላ ዓጺፉ ነቲ ናይ ዶብ ውሳኔ ተሓሲማ ንኣስታት 16 ዓመታት ንህዝቢ ጅሆ ሒዛቶ ጸኒሓ እያ። እቲ ብድሕሪኡ ዝተኸስተ ምዕባለን ለውጥን ግን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ገሊጸዮ ስለ ዝኾንኩ ኣብ`ዚ ምድጋሙ ኣየድልን። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ቀሊል ዘይኮነስ ከቢድ እዩ ነይሩ ሕጂ`ውን ከምኡ እዩ።
 

እቲ ጉድን ሓቂን ግን መዓልቱ ሓልዩ ብዕሊ ከም ዝውጽእ ፍሉጥ እዩ። ሒጂ ንግዚኡ ኣብዚ ጠጠው ከብሎ።

 

እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!
ዓወት ንሓፋሽ!
ብርሃነ ሃብተማርያም
****************************************************************************
"ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተና ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ገላገልቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ' ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ ኣያ ኔራ .............. ኢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልእኽትኡ ከም ዝሰደደ ንዓይውን ከም ዝነገረኒ"............ ኢሉ ምስክርነቱ ኣብ ፓልቶክ ተዛሪቡ።
*****************************************************************************
ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ሰንሰለታዊት ሕጥበ-ጽሕፍቲ ጠዊቕኩም እቲ ትሕዝቶኡ ባዕልኹም ሰሚዕኩም ምዘንዎ።

ሰናይ ለይቲ!

ብርሃነ ሃብተማርያም
https://www.youtube.com/watch?v=lobdqoN2zZI

****************************************************************************
ሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ድሩዕ G15 ገበነኛታት ሙዃኖም ገሊጹ፡ ካብ ቃል ሓዉ ዝሰማዕኩዎ ኢሉ ኣቃሊዑዎም

Sahel Kem hager
Am 07.10.2018 veröffentlicht

ተሓቢኡ ዝነበረ ምስጢርን ገበናቶምን ሽርሕታቶምን ናይ (ጉጅለ15) ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ይቃላዕ ኣሎ።ካብ ቃል ሓዉ፡ንሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ'' ሰንጋል ወልደትንሳኤ ።

 

ቡዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጉጅለ-15 ምእሳር ገበናቶም ይነገረና ኣብ ፍርዲ ይቅረቡ፡እንታዩ ገበኖም ክበሃል ንሰምዕ ኔርና'ይና ሕጂ ግን ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ነቲ ንዓመታት ዓቊርዎ ዝነበረ ጥጅእ ኣብ ፓልቶክ ቶግ ኣቢሉ ኣውጺኡዎ።ኣቶ ሰንግል ይብል፣G15 ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምንቅስቃሳት ብረቂቕ ይዕዘቦን ይከታተሎን ኔረ'የ፡ኣብ ጎኖም ውን ደው ኢለ ኔረ'የ ክሳብታ ናይ መወዳእታ ዕለተ-ምእሳሮም ውን ምስ ሃይለ ድሩዕ ሓወይ ይራኸብን ይዘራረብን ኔረ'የ ክብል ኣብ ~ፓልቶክ~ተዛሪቡ ።

 

ጉጅለ-15 ድሕሪ ምእሳሮም ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዘውጸኦ መግለጺ ኔሩ ኢዩ።ከምኡ ውን ኣባላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ዝተኣከቡሉ ውን፣ሙስጦፋ ኑር ሒሴን ብቃሉ ልክዕ ምስ ናይ ሰንጋል ትተኣሳሰር መልእኽቲ ኣተምቢሁ-ምንባሩ ይዝክር፡ንሳ ከኣ፥ኣብዚ ጉዳይ'ዚ እቶም ዜፋቀሩ ዝነበሩ ሰባት'ዮም ተሰማሚዖም ነዚ ጉዳይ ፈጺሞሞ ክብል ከሎ እቶም ሰባት መን ኮን ይኾኑ ንብል ኔርና ንኸውን ወይ ትኾኑ/ከምዚ ናተይ?እታ ዘይተመለሰት ሕቶ ግን ሕጂ ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ኣብኣ'ኸላ ብዘይ ወልደፍደፍ መሊሱዋ ኣሎ።

/

ኣቶ ሰንጋል ከምዚ ይብል፣ጴጥሮስ ሰለሙንን ሃይለ ድሩዕን ኣይፋተዉን'ዮም ኔሮም።ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ግን ተዓሪቆም ክልቲኦም ምስ ሸሪፎ ኮይኖም ነቲ ምንቅስቃን ውዳቤታትን ይመርሑዎ ኔሮም። ኣብ ጎርጉስም ተራኺቦም ውን ብዛዕባዚ-ጉዳይ ንነዊሕ ሰዓታት ዘትዮም ክብል ነታ ሓቂ በጨቅ ኣቢሉዋ።

 

ጉጅለ15 ብቁጽሪ ኣዚዮም ዉሑዳት ኮይኖም ምስ ጸላኢ ወጊኖም ኣብ ግዜ ወራራት ነቲ ኲናት መሪሖም ኣንፈቱ ብምጥዋይ ንቡዙሓት መንእሰያት ጀጋኑ ሰራዊት ኣብ ሓዊ ከም ዝጥበስ ከም ዝገበርዎ ውን ብቡዙሕ ኣጋጣሚታት ይስማዕ ኔሩ'ዩ። ዘይተ-ገግረ'ምበር ዘይተገብረ የልቦን ከም ዝበሃል`ካብቲ ክግበር ዘይግበኦ ዘይ-ስነምግባራዊ ስራሓት ከም ዝተሰርሐ ውን ኣብቲ ፓልቶክ ክዛረቡሉ ቀንዮምን ከምኡ ክብሉ ከም ዘይብሎምን እዚ ብሂል ከሰማመዖም ከም ዘይክእል ውን ኣቶ ሰንጋል ብቃሉ ኣቀሚጡዋ ኣሎ።ቀደም ውን ብሩህ'ዩ ኔሩ !!

 

ጉጅለ-15 ይፈትሑ'ዶ ኣይፈትሑ ንዝብል ሕቶ ዝምልከቶ ኣካል ኣሎዎ።ጌጋ ኔሩዎም'ዶ ኣይነበሮምን ንዝብል ሕቶ ውን ኣብኡ ዝወዓሉ ዕልዋ መንግስቲ ክገብሩ ዝሓሰቡ ከም በዓል ሰንጋል ወልደትንሳኤ ብዘይ ቀለዓለም ግቡእ መልሲ ሂቦሙሉ ኣሎዉ። ምቅናይ ጥራሕ ዘይንሰምዖን ዘይንርእዮ እኳ የልቦን?

 

ኣብ መወዳእታ፣ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ፓልቶክ እንዳ ሕድሪ ገዋኑ ውን ፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ምቁራን ጸጋ'ዩ ነዓና፡ነዚ ፈደረሽን ብዝያዳ ክንደፍኣሉ ከም ዘለናናይ ኩሉና ሓላፍነት ስለ-ዝኾነ ብትሪ ክንሰርሕ ኣሎና ኢሉ ኔሩ። ስለዚ ወዲ ዱሙ ነይገድፍ ግብረ-ኡሙ ኢዩ ንገሩ-ስ!!!!

****************************************************************************
The Secret of G15 ሚስጢር ምእሳር ናይ G15 ኣብ 2001 ብሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)።
991 Aufrufe

Wekema EPLF1
Am 20.10.2018 veröffentlicht
The Secret of G15-ሚስጢር ምእሳር ናይ G15 ኣብ 2001 ብሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)።
*******************************************************************

"ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተና ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ገላገልቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ' ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ እያ ኔራ .............. ኢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልእኽትኡ ከም ዝሰደደ ንዓይውን ከም ዝነገረኒ"............ ኢሉ ምስክርነቱ ኣብ ፓልቶክ ተዛሪቡ።


ኣብዛ ታሕቲኡ ዘላ ሰንሰለታዊት ሕጥበ-ጽሕፍቲ ጠዊቕኩም እቲ ትሕዝቶኡ ባዕልኹም ሰሚዕኩም ምዘንዎ።

ብርሃነ ሃብተማርያም
https://www.youtube.com/watch?v=lobdqoN2zZI

 
 
Weitere Reaktionen anzeigen
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events