Dehai

*** ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ *** ብገዲም ተጋላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ** ጀርመን **

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 04 March 2019

***  ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ***

 ዝዓሰወ እንጀራ ኣብ ሓድሽ መሶብ 
ማዕበላት ፓልቶክ  ናይ ኢንተርነት መርበብ
ሕጂ ዶ ሞ  ጸብሒ በሶሮ መቂሩ
ንሶም እዮም ከሸንቱ  እቶን እንተቐየሩ

    ትልኽ እትብል ዕምሪ ሕጂ ሩሕ ለቂባ
ድሕሪ ገይም ኦቨር ንሃተምተም እዩ  ናይ ቃላት ዳርባ
ብርሃን ዶ ትዕድል ኣብ ከብዲ ዕትሮ ዝተወለት ቀንዴል
ወለላ መዓር  ጥዑም ልሳን ዶ ትጽበ ካብ ዓኮ ዓንዴል

         ድኑስ  ኣብ ምሕላቑ  ገበታ እንተግዓረ
ዘይዓፍራ ዩ  ዘውጽእ ትንፋስ እንዳተዓዝረ
ኣብራኽ ምስ ጠለመ ዕንክይክይ ምስ ኮነ ዳንጋ
 ምርኩስ ተደጊፍካ ፍኒሕኒሕ እንታይ ኣለዎ ዋጋ

       ካብ ጸባ ዘይተረኽበ ካብ ማይ ጨባ
ኣብ ባይታ ምስ ኣንገርገርካ ድጂታል ግርም እባ
መስመራት መላኻዕቲ  ሰራዊት መድያታት  ኣዋፊርካ
ኣርሆታት መዳሮ የዕሲብካ፥ዝተጸንቀቐ ትንፋስ  ዶ ኣስሪርካ

        ኣበሳ ብዓይበት ሓጥያት ብኸፈር
ወንጀልን ቅጥፈትን ፈጺምካ ደቂስካ ዶ ይሕደር
ሕጂ ኣብ መድፈና ተሸጉጥካ ውሻጠ ከም ጉብጥሽ
ምህዞ ተረኺቡለይ ያኢ መርበብ ዲጂታል ክትህንድስ 
       
      ኣብ ዝተሓውቀመ ኣስናን ፣ዝቐሓረ ልቢ
ኣብ ዝተበደለ ገርሂ፣ ለዋህ ህዝቢ
ክንዲ ይቕሬታ ዓገብ ጌርና ኢና ምባል
ሕጂን ከኣ ጣቃ ተረኺቡለይ ናይተንኮል ዲጂታል

      ሳላ  ሽያጥ ወንጂ ዝተረኽበ ፥ሹመት ዶክተር
ማዕርግ ሸመታ ፥ብዝተዘመተ ሃብቲ ሽኮር
A b c  d  ዘየፍልጥ ዘይርድኦ ገይም ኦቨር
እንበር ድሕሪ ሞት  ዶ ደኣ ዕድመ ምንባር ይቑጸር

        እከይ ክሓልም ከይደቀሰ ዝሓድር 
ሕጂ ድማ ዲጂታላውያን ሕሉቛት ከዋፍር
ጥዕና ዘይቀብጽ ድሕሪ ምግናዝ ረስኡ
ኣማውታና ዝብል  ኣብ መቐለ ተሓቢኡ

     ኣሽንኳይ ዶ ናይ ኢንተርነት ገበጣ 
ከም ነበርዕን ናይ ፔንታጎን ክረምሊን ካርታ
ሰጊድ ሰላም  ስዩም ከም ነብል ቅድታት ኣሰኒፍና
ሕጂ ውን ይፍለጡ ዲጂታላውያን ንሕና ኤርትራውያን ኢና

      ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጹ
ምስ ወደቕኩም ፋይዳ የብሉን እንትርፎ ክትልሕጸጹ
ናይ ጻዕረ ዕርበት መሐከሊ በዓቲ መድያ
ምዋጽኦ የለን ደጊም መርሖ ተረጊጣ እያ

       ****
        3/3/  2019


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events