Dehai

ሙሉእ ጸብጻብ ዉዕሎ ጅኔቫ 21 ሰነ 2016 ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦታት እንሆልኩም..

Posted by: Aklilu Abraham

Date: Monday, 27 June 2016

ጀኔቭ ዝብል ስም ክልዓል እንከሎ፡ ዝበዝሕ ነዛ ከተማ ዝፈልጥ ሰብ፡ ነታ ቃል ምስ ሰላም ወይ ምስ ጽሬትን ስነ- ስርዓትን’ዩ ዘተኣሳስራ። ብፍላይ ድማ ምስ ሰላምን ርግኣትን። ከመይ’ሲ ነዛ ከተማ ብዛዕባ ጸጥታኣ፡ እተአንግዶ ናይ ሰላም ዋዕላታት ብዙሕን ኣቓልቦ ዝስሕብን ስለዝኾነ። እዚ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን።

ሃገረ ስዊዘርላንድ ብሓፈሻ፡ ካብ መፋርቕ 18 ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢዳ ዘይትመልስን፡ ኣብ 2002 ዓ.ም. ማለት እቲ ጉዳይ ብድምጺ ህዝቢ ክሳብ ዝውሰን – ከም ካልኦት ሃገራት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይነበረትን’ያ።

ክሳብ ሕጂ ድማ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣይኮነትን። እዛ ሃገር ከም’ዚ ምስሊ ብምሓዛ፡ ኩሉ ኣብኣ ዝግበር ኣህጉራዊን ዓለም-ለኻውን ዋዕላታት ሰላም፡ ብቕንዕናን ብፍትሕን ዝካየድ ዝመስለና ብዙሓት ገርሀኛታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። እቲ ሓቂ ግን፡ እታ ሃገር ድኣ’ያ ብኸምኡ ተመሪጻ እምበር፡ እቲ ኣብኣ ብስም ኣህጉራዊ ዋዕላ ይኹን ሰብኣዊ መሰላትን ርግኣትን ዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ኣዝየን ድኻታትን ዘይማዕበላን ሃገራት፡ ንቕድሚት ንኸይስጉማን እናተሓመሳ ንኽነብራን ብዝደልዩ ወገናት ናይ ጥፍኣት ዋዕላ ዝግበረላ ከተማ ምዃና’ውን ምዝካር የድሊ።

ንኤርትራ ሓንቲ ካብ ግዳያት ንምግባራ ድማ፡ ብስም ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ብመንገዲ ‘መሪማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ ዝጽዋዕ ጉጅለ ክሲ ቀሪቡላ’ሎ። እዚ ብቀንዲ ጸላእቲ ኤርትራ ዝኾናን ብዶብ ኣመኽንየን ምስ ኤርትራ ኩናት ዝገጠማን ክገጥማ ዝደልያን ጎረባብቲ ሃገራት ዝቐረበ ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉን ዝኾነ ኣኽባሪ-ሕጊ፡ ነቲ ጉዳይ ርእዩ መርሚሩ ናብ ክሲ ንኽሰጋገር ከሕልፎ ዘይክእልን ውጹእ ጠቐነን ጸለመን’ዩ። ገለ ካብ’ቲ እቲ ጉጅለ ቀሪቡኒ ዝብሎን ባዕሉ ከወዓውዖን ከቃምሞን ዝውዕልን ሕሱር ‘ክሲ’ ምስ እንርኢ፦ ‘መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ፡ ተኩስካ ቅተል፡ ጃምላዊ ምግሳስ- ደቀንስትዮ፡ ጃምላዊ ምስግጋር ደቂ- ኣዳም. . ኮታ ክትሰምዖ ዘሰቅቕ ግፍዕታት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ፈጺሙን ይፍጽም ኣሎን።’’ ዝትሕዝትኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝራት ክሲ ኣቕሪቡ’ሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ፡ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 50’ታት ዝተጠልመ፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ’ዚ ውድብ ከም ሕሱም ዝተቐትለ፡ ዝተኣስረ፡ ንብረቱ ዝተዘምተ፡ ዝተገፍዐ እዩ።

ግፍዕን ሕሰምን ኣጸቢቑ ብግብሪ ዝርኣየን ዝጸረን ህዝቢ ስለዝኾነ ድማ፡ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ብቐዳምነት ዝቃለስን ብዛዕባ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት መብርሂ ዘየድልዮን’ዩ። ግፍዕታት ተጻዊሩን መኪቱን፡ ኣብ መወዳእታ ብሓይሊ ብረትን ድምጺ ህዝቢ ብመንገዲ ረፈረንደምን፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝስማዕ ንዝገበረን ከም መሪሕ ብምዃን ናጽነት ዘምጽአን ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ እውን፡ ‘ካብ ፈለማ ሓርነት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘይተኣደነ ግፍዒ ይፍጽም ኣሎ’ ክትብሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምንዓቕን ንልኡላውነት ኤርትራ ምምርሳሕን ጥራሕ’ዩ።

እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ጠቐነ- ዘመተን ምስይጣንን፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ 2009፡ ኣብ 2011. ‘’ኤርትራ፡ 2000 ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣእትያ፡ ንኣልሽባብ ትሕግዝ ኣላ’’ ብዝብል ጠቐነ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብኣስገዳድ ኣሜሪካ ዝተበየነልና ማዕቀብን እገዳን ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ።

እቶም 2000 ዝተባህሉ ሰራዊት ኤርትራ ድኣ ኣበይ ኣተዉ? ኣብ’ቲ ተሳቲፎሞ ዝብሃል ውግእ’ከ፡ ከም ጭብጢ ንምስክር ዝቐርብ፡ ዝሞተ፡ ዝተማረኸ፡ ዝቖሰለ....ሙሉእ ባብ አብዚ ጠውቁ  https://adalvoice.wordpress.com/




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events