Dehai

Shabait.com: ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቃለ ቡራኬ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ (2020)

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 10 September 2020

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቃለ ቡራኬ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ (2020)

 

                  ቃለ ቡራኬ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ፳፻፲፫ን (2020)

     በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ  ኣሜን

ክቡራንን ክቡራትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ብሓፈሻ ኩልኹም ሕዝቢ ኤርትራን ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ተዓቑብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ኣብ ሓያል ጻዕሪ እትርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻልን ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራትን እንኳዕ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናንን ንብል።

 ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ (መዝ. 65:11)

ዘመን ሓሊፉ ዘመን ዝትክእ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ትውልዲ ዘሕልፍን ትውልዲ ዝትክእን እግዚኣብሔር ኣምላኽ እዩ ( ዘፍ. 1:14-18) (ዳን.2:20-22) እነሆ ኲሉ ዝከኣሎ እግዚኣብሔር  ኣምላኽ ዓመት 2012  ኣፈጺሙ  ኣብ ዋዜማ 2013 ኣብጺሑና ኣሎ።

እዛ ንዛዝማ ዘሎና ዓመተ 2012 (ግ) ካብ ፈረቓ ዓመት ጀሚሩ ብዝወረደ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዓለም ብምልኣ ብከቢድ ፈተና ዝሓለፈትሉን ጌና’ውን እትሓልፈሉን ዘላ ጊዜ እዩ። ዝሠልጠኑ ሓያላን ሃገራት ከይተረፈ ኪቆጻጸርዎ ዘይከኣሉ ሕማም ኮሮና ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ሕዝብን ብሓያል መኸተ መንግስትናን  ብዉሑድ ቁጽሪ ሕሙማትን ካብተን ብሰንኪ  እዚ ሕማም እዚ ናይ ሞት ሓደጋ ዘይተራእየለን ውሑዳን  ሃገራት ዓለም ብምዃንና ተመስገን ዘብል እዩ። ሕጂውን  ምሕረቱ ዘይውዳእ እግዚኣብሔር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ ቁጥዕኡ ናብ ትዕግስት  ቀይሩ ምሉእ  ምሕረት ክህበና ዘወትር ክንጽሊ ይግባእ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሃገርና  ዝናመ ክረምት ድሕሩ እኳ እንተጀመረ ጽኑዕ ዝእምነቱ ጻዕራም  ሕዝብና ደድሕሪ ማይ ብምጉያይ ንዘርኢ ብምቕድዳም ዝተዘርአ በቊሉ  ገጸ ምድር ለምሊሙ ወሓይዝ ዛርዩም ብሓያል ጻዕሪ ዝተሠርሑ ዲጋታት ወሰኖም መሊኦም ይርከቡ።

እዚ ይኹን እምበር  ሓድሽ ተርእዮ እኳ እንተዘይኮነ ኣብ መወዳእታ  ወርሓ ነሓሰ ዝተራእየ ወራሪ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ካብ ቆላ ክሳብ ከበሳ ብምድያብ  ኣብ ዘራእቲ  ከውርዶ ዝነበሮ ሓደጋ  ብኣሃዱ ምክልኻል ኣንበጣን ብምትሕብባር ሕዝብን ሰራዊትን ብዝተገብረሉ መኸተ ይኹለፍ ምህላዉ ዓቢይ ምስጋና ዜውህብ እዩ ። በዚ ከይተዛነና  ፍርያትና ናብ ቆፉኡ ክሳብ ዝኣቱ ኣብ ምክትታሉን ምክልኻሉን ከነተኩርን ብዓቢኡ  ድማ ዘየባትኽ ጸሎት ክንገብር  ሓደራ ንብል ።

ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን

 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ << እቲ ጸበባ ትዕግስቲ ከምዘምጽእ  ስለዝፈለጥና ግና ብጸበባ ድማ ንምካሕ እምበር በዚ ጥራይ ኣይኮነን ብትዕግስቲ ጽንዓት ብጽንዓት ከኣ ተስፋ ይርከብ (ሮሜ 5: 3- 5) ይብለና። ነዚ ተረዲእና ንዘሎ እዋናዊ  ሕማም ኮሮናን ዘስዓቦ መንፈሳውን ማሕበራውን ጸገማት ብትዕግስቲ ጼርና ናብ ብሩህ ተስፋ ምእንቲ ክንበጽሕ ከምቲ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ <<ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ኬዕርፈኩም እየ ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት ጌርና ናብ ፈጣሪና ተመሊስና ንለምን ።

ብምኽንያት እዚ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ብልቢ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና ዓቢይ ነገር ግና ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዓመታትን ዘመናትን ዝመደበሉ ብታሪኽ ዝዝከር ሥራሕ ክዓይይ እምበር ዘመናት ኪቆጽርን ብዘይ ፍሬ ክሓልፍን ኣይኮነን። ነዚ ዓቢይ ህያብ ፈጣሪና ዝኾነ ምስግጋር ዓመት ናብ ዓመት ብሓድሽ ልብን መንፈስን ተቐቢልና ንሓጢኣት ብግብሪ ጽድቂ፥ ንትክህኪት ብትግሃት፥ ብምቕያር ናይ ሕሊናን ባህርይን ለወጢ ክንገብርን ኣምላኽ ነቲ ዘመን ሓጢኣትና ብውሑድ መቕጻዕቲ ሓሊፍዎ ኣሎሞ ሕጂ ግና ብንስሓ ተሓጺብና ኣብ እምነት ብምጽናዕ ኣሠር ጽድቅን ቅድስናን  ፍቕርን ሰላምን ክንስዕብ ቃልና ከነሐድስ ይግበኣና።

ዘለዎ ንዘይብሉ ኪመቅልን ክተሓጋገዝን ዕሴተ ሃይማኖትናን ሃገራዊ ባህልናን መግለጺ ሕብረትናን ሓድነትናን ስለዝኾነ ክሳብ እግዚኣብሔር ፈውሰ ምሕረቱ ዝህብ ከምቲ ክግበር ዝጸሐ ኩልና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎና ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ወገናትና ብቀጻሊ ክንረድእን  ዕቤራት ወዕጓለማውታ ክንበጽሖምን  ሓደራ ንብል ።

መተርጉማን ከምዘገልጽዎ ካብቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ቅዱስ ማቴዎስ ዘብእሲ ማቴዎስ  ተባሂሉ እዩ ዝስመ ። እዚ ድማ  ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝጽልን  ዝረድእን ምዃኑ ስለዝግለጽ እዩ። ስለዝኾነ ቅዱስ ማቴዎስ ከምቲ ቅጽል ስሙ ክረድኣናን ክሕልወናን  እናለመንና ፥ ቅዱስ እግዚኣሔር ኣምላኽና ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክገብረልና ሃገርና ባሪኹ  ምሕረቱን ሰላምን ከብዝሓልና ኮሮና ቫይረስ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኣልናን ፍረ ገራውህና ክንሓፍስን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና ኣሜን።

                                      እግዚኣብሔር ሃገርና ይባርኽ!

                     ኣቡን ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ዘመንበረ ፓትርያሪክ

                                    መስከረም  ፳፻፲፫  / 2020


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events