Dehai

(ኤፍ.ቢ.ሲ) ኢትዮጵያ ነባር በዓል 10፣ 50ን 100ን ኖታት ብር ዝትክኡ ሓደሽቲ ዓይነታት ገንዘብ ዕላዊ ገይራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 14 September 2020

ኢትዮጵያ ነባር በዓል 10፣ 50ን 100ን ኖታት ብር ዝትክኡ ሓደሽቲ ዓይነታት ገንዘብ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ነባር በዓል 10፣ 50ን 100ን ኖት ገንዘብ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቕያር መተዓዳደጊ ዝኸውን ሓዱሽ ዓይነት ገንዘብ ምጥቃም ከምእትጅምር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።
 
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ እቲ ሓዱሽ ገንዘብ በዓል 200 ብር እውን ዝሓወሰ ኢዩ።
 
እቶም ሓደሽቲ ዓይነታት ገንዘብ ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝግበር ደገፍ፣ ግዕዝይናን ስራሕቲ ኮንትሮባንድን ንምክልኻል ዝሕገዝ ኢዩ ኢሎም።
 
ኣብቶም ሓደሽቲ ኖታት ገንዘብ ዘለዉ መፍለዪታት ኣመሳሲልካ ገንዘብ ንምሕታም ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምክልኻል ዝሕግዙ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
 
ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ሕትታት እቲ ሓዱሽ ኖት ተዛዚሙ ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

 

ስርዓትን ትልምን ምውዛዕ ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣቢሉ ተግባራዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ።
 
ኣብ ከይዲ ምቕያር እቲ ገንዘብ ግደ ኣካላት ፀፅታ ልዑል ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ከምዘፈፅሙ ተገሊፁ።
 
ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፣ ፌዴራል ፖሊስ ዝተውፃእፀአ ኮማንድ ፖስት ብምጥያሽ ነቲ ከይዲ ብላዕለዋይነት ከተሓባበር ኢዩ ተባሂሉ።
 
ከምኡ’ውን መንግስታት ክልል ተመሳሳሊ ኮማንድ ፖስት ብምጥያሽ ነቲ ስራሕቲ ከምዝፍፅሙ ተገሊፁ።
 
ኣብቶም ኖታት ገንዘብ ዘለዉ ቁፅሪታት ብመሳርሒ እንትረኣዩ ካብ ፀሊም ናብ ሓምለዋይ ፍሎረሰንት ሕብሪ ከምዝልወጡ እቲ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍሊጡ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events