Dehai

(ኤፍ.ቢ.ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ንምፍፃም ኣብ ፅቡቕ ቁመና ከምዝርከብ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ገሊፁ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 13 October 2020

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ንምፍፃም ኣብ ፅቡቕ ቁመና ከምዝርከብ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ንምፍፃም ኣብ ዘኽእሎ ፅቡቕ ቁመና ከምዝርከብ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ቀንኣ ያደታ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት በጀት 2013 ዓ.ም ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተቐባልነቱ እናወሰኸ ምምፅኡ ኣረጋጊፅና ኢና ዝበሉ ሚኒስትር ዶክተር ቀንኣ፥ ዘይሻራዊ ትካል ምህናፅ ከምዝተኽኣለ እውን ኣፍሊጦም።

እቲ ሰራዊት ካብ ፐለቲካዊ ውግንና ናፆ ኮይኑ ሕገ-መንግስታዊ መርህ መሰረት ብምግባር ልእኹትኡ ይዋፅአ ከምዘሎ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ህንፀት ፀፅታ ክልላት ደረጃ ብደረጃ ንምድላው ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ዝገለፆ እቶም ሚኒስትር፥ ምስዚ ተተሓሒዙ ህንፀት ፀፅታ ክልላት ንብሄራዊ ሓድነት ሓደጋ እንተዘየምፂኡን ሰላምን ፀፅታን ንምርግጋፅ ሓገዝ ዝገብር እንተኾይኑን ክንድዚ ዘኣክል ርኡይ ፀገም ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ፖሊስ ፌዴራልን ኣካላት ፀፅታ ክልልን ዘለዎ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ፅቡቕ ምዃኑ ከምዝተገምገመ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዘፈር ህንፀት ዓቕሚ መንግስቲ ዘቐመጦም ስትራቴጂታት ህንፀት ዓቕሚ መሰረት ብምግባር ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ህንፀፅ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂን ካልኦት ተተሓሓዝ ስራሕቲን ብቕልጡፍ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ሰላም ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓባር ንምሕላው፥ ቐጠናዊ ምትሕብባር ንምጉልባት ድማ ስራሕቲ ወታደራዊ ዲፕሎማሲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ጠጠው ንምባልን እቲ ኸባቢ ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንምምላስን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ኮማንድ ፖስት ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ከባቢ ፀገም ፀፅታ ክፍጠር ብምግባር ዝተጠርጠሩ ኣካላት ድማ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተሓተትቲ እናኾኑ ይርከቡ ኢሎም።

ድሕሪ መስከረም 30 መንግስቲ የለን ብዝብል እናተናፈሰ ዝነበረ ወረ ንኢትዮጵያ ብኽክል ካብ ዘይምፍላጥን ዘይምርዳእን ዝተበገሰ ከምዝኾነ በምሕባር፤ “ድሕሪ 30 መስከረም መንግስቲ ከምዘሎን ሃገር ከምዘይፈረሰትን ንርኢ ኣለና” ኢሎም።

ብሃይለሚካኤል ዴቢሳ


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events