Dehai

ማሕንቖ + ብብጻይ ወልዳይ ተከስተ ካብ ማንሃይም - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 01 November 2020


********ማሕንቖ********
ሕኑቕ ዓፍራ የዉጽእ ከምዝተባህለ
ከምዛ ጭፍራ ዘላ ተዕለብጠሉ
ነብሳ ትፈርድ ትጠፍኣሉ
ዊዒላ ዘይትሓድረሉ
ወዳጀ ዕንደራ ቀይዲ በተኽ
ብግብራ ሓኒኻ ከይትምብርከኽ
ከም ዝመሽመሸ ረሳ ትፈራኸሽ
መንግስቲ የለን ትብል ከይሓነኸት
በጃ ፕ/ኢሰይያስ ትደፋእ ዛጊሒላ
እዛሓሳድ ናይ ዓይኒ ሓበላ
ንሱ እንዲዩ ትማሊ ኣብ መዳ
ንሓድነት ኢትዮፒያ ዝመሃራ ዝመዓዳ
ንምፍንጫል ዝሓለመት ሓንጊዳ
ሸዓብያ ኢዩ ጸላኢና እናበለት
ንህዝባ ዘይኣንፈቱ እናኣትሓዘት
ትዕድሞ ዘሎ መኣዲ ቅዝፈት
ንሕና እንዲና ህዝቢ ኤርትራ
ካልእ ኣሎ ዲዩ ብዘይካና
ኣንጻር ኢሰይያስን ኣቢን ትብል ሓግዙና
ኣታ ክንደይ ትዕሹ ንሕናደኣ ሓደ እንዲና 
ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና 
ሓደ ልቢ ሓደ ህርመት እንዲና
በዓልቲ ደምና ዘራፊት ንብረትና
ኣዕናዊት መዕረፊ ሰማታትና
እዚኣስ ክትብል ኣሕዋት ኢና
ደፋሪት መስጊድ በተ ክርስትያና
ቀንጣጢት ዚንጎ ዘማቲ ታኒካ
ንብረት ሰማንያ ሽሕ ዘሪፋትና 
ኣታ ሕጂ ክትብል ኩኑ ምሳና
ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ኢሰይያስ ሓግዙና
እርደኣዶ ኣሎ መን ንመን ትብል ከምዘላ
ነዚ ስሑል ዉፉይ ሃገሩን መንግስቱን 
እዚ ኢዩ ሕልማ ፍንፉንን ምህሙንን
ኣታ ክንደይ ትዕሹዛ ጠራሪት
ትማል ጸላእትና ኢላ ዝእወጀትሉ ኪናት
ሎሚ ክትብሎ ኣንጻር ኢሰይያስ ኢና ኣሕዋት
ንሱ እንዲዩ ካባ ዘሰከማ ሕፍረት
ንሕና ዘይንፈልጦ ሰራዊት ኣሎ ዲዩ
ወያነ ትብሎም ምሳና ጉየዩ
የኣይ ንሓደ ሓደ ሓከልቲ ኣሚና
ዕጥቂ ኣልቦ ጀጋኑ ዘና
ሰብኡት ዝመስሉ ኣብ ዲገ ዝብሉ ኣለና
ብግስ ዝብል ዘይብሎም ዶላር ምስዝጎድሎም
ኣይፈጥዎምን ሽዩጣት ምኻኖም ንኸብዶም
ኣይንህዝቢም ኣይንሃገሮም
እዛ ማለሊት ሰዓታ ኣኺሉ
ኪዒታቶ ኣላ መቓብራ ትቕበረሉ
ወታሃደራት ሓለፍቲ ሰጊጋ ሓንኪራ
ሕጂ ተገቲራላ ታ ማዓንከር
ትሽንቆቕ ኣላ ከቀትላ ሓርሒራ
ገመዳ ሰቒላ ኣላ ታማሕኖቓ
ንሓና ሓድነትና ከም ቀደምና ንንደቃ
ነታ ዘለዉኣ ርሻን መቐለ ከዉድቓ
ነዛ ጭፍራ ክንገብራ ሰደቓ
ክትፍደዮ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮፒያን ዝበልዓቶ ሰሪቓ
ከም ገንሸል ኣዉደኣነት ከነዉድቓ
ዘለኣለማዊ ዝጅርብ ክብርን ንሰናታትና 
ዓ  ወ  ት  -  ን  ሓ  ፋ  ሽ
ወልዳይ  ተከስተ 
ማንሃይም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events