Dehai

ንጣዓሞትና,,,,,,,,,,,,,,,,,, ወይ ጻዕዳ ገዛ - ወልዳይ ተኸስተ - ማንሃይም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 08 January 2021

ንጣዓሞትና,,,,,,,,,,,,,,,,,,
ወይ ጻዕዳ ገዛ

ሃየ ተዓዘብ ህዝቢ ኤርትራ
ትማሊ ዝፈረደካ ንመከራ
ብዘይ ድልየትካ ዝሓነቐካ ብናዓንከራ
በቱ እምበር ክትነድድ ጀሚራ
ኣብ ዉሽጣ ተኹሲ ከፊታ
ንመሰል ርእሰዉሳነና ዝነፈገቶ
ህላወና ንኢትዮፒያ ዘርከበቶ
እዛ ገዛ ጻዕዳ ሕብራ
ራህዋ ዘይርከባ እንትርፎ መከራ
ደም ዘብዓትና ምስ ወያነ ዓስኪራ
ክብሪ ልእላዉነትና ብጋሶታ ደፊራ
ክሳብ ኣላሽ ዝበለት ብዋርሳይ ሓሪራ
ኣየዛ ዓለም ንዕድመ ዝሃቦ
ብዙሕዩ ዝርኢ ኣብ ጉዕዞ
ጻዕዳ ገዛ ብጸለምቲ ዝተሃንጸት
ንዕኡካ ዘየናሕሰየት
ብኣፍሪቃዊ ጉልበት ተሃኒጻ ብስክላቫ
ክትነድድ ጀሚራ እሳተጎመራዊ ላቫ
በዓልቲ ክፉእና ከነብረላ ኢና ዕምባባ
እንተተማህረት ካብቲ ክፉእ ግብራ
ገፋዒት መዋረዲት ዓለምና
ብነፈርቲ ብድሮን ቀጥቂጣ ዓንዲራ
ኣነየ ደሞክራሲ ናይ ሓሶት ጃህራ
ሎሚ ረኣናያ ተኣጊዱዋ ነጋሪያ
ሰማዒ ረኺበን ኣደታት ዝኣዉየያ
ሰማዒ ረኺቦም ህጻዉንቲ ሃዋሪያ
ጻዕዳ ገዛ ተተኺሉዋ መጋሪያ
ነነሔድሕዳ ክትባላዕ ተታኺሳ
ኣብ ኣዳራሻ ኣትዩዋ ቶኽላ
ኣታ መካቲ ህዝቢ ኤርትራ
ኣታ ቅኑዕ መሪሕነት ኤርትራ
እንቃዕ ኣርኣየካ ጥፍኣት ኣንጻርካ ዝሓንከራ
መጀመርታ ጃንዳ ዓሪባ
ጻዕዳ ገዛ ብጥይት ተኸቢባ
ብጽንዓትና ኮሮና ክትሰዓር ቀሪባ
ናይ ሰላሳ ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ዓድና
ከነብዕሎ ኢና ኣድሚቕና ኣማዕሪግና
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events