Dehai

ልባዊ ምስጋን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 11 January 2021

ምስጋና ንኹሎም/ለን ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ኣብ ሞያ ሕክምና ተዋፊሮም ዘለዉ/ዋ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኤርትራውያን። ሩሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም/ክን እምነ።

ኣብ 2020 ዓለም ዘስግኤ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ተቐልቀለ ብሓያል ፍጥነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣብጺሑ በሽሓት ሚእትታት ምስ ኣጥቅዔ ኤርትራውያን ኣብ ሕክምናዊ ስራሕ ተዋፊሮም ተዋፊረን ዝርከቡ፡ ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም ምህላዎም/ወን ብዘየገድስ ኤርትራዊ/ዊት ሂወት ንምድሓን ብዘለዎም ፍልጠጥን ተገዳስነት ዘርኣይዎ ስራሕ ንከተመስግኖም ፍጹም ቃላት ዘይርከቦ ብተወፋይነት ኣበርኪቶም። ሕክምናዊ ስራሕ ምስ ሂወት ሰባት ዝተኣሳሰረ ከም ምዃኑ መጠን ክሳብ ክንደይ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ኩልና ንርድኦ ጉዳይ እዩ። እዞም ንሂወት ኤርትራውያን ንምድሓን ግዚኦምን ፍልጠቶምን ከይበቐቑ ኣብ ሓደገኛ ዝኾነ ግዜን ቦታን ተደራራቢ ሰዓታት ክሰርሑ ዝጸንሑን ዝሰርሑ ዘለውን ሓካይምናን መሳርሕቶምን፡ ኣብታ ንእሽቶይ ዕርፍቲ ንቑርሲ ትኹን ምሳሕ ዘላቶም ግዜ ብተለፎናትን ኢመይላት ኮምኡ ብማንዛ መምርሒታ ክህቡን ኣጠቓቕማ መድሃኒት ክነግሩን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሞራል ሕሙማትን ጥዑያትን ሓፍ ከብሉ ከለዉ ዝስማዓና መንፈስ ካብ ክንገልጾ ንኽእል ንላዕሊ እዩ። ብሳላ ፍልጠቶምን ምዕዶታቶምን ግዚኦምን ካብ መልከፍቲ እዚ ሕማን ዝሓወዩን ዝሓወያን ቁጽሪ ብዙሕዩ። ብዝሃብዎ መካላኸሊ ሜላን ማዕዳን ካብ መልከፍቲ ዝደሓና ኩልና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ኣብ ቅድመ ግንባር ናይዚ ለበዳ ተሰሊፎም ግዳይ ክንከውን ኢና ከይበሉ ኣገልግሎት ክህቡ ከለዉ ብሓፈሽኡ ሞያ ሕምና፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ ሓልዮት ርኢና፡ እንቋዕ ኤርትራዊ ኣሕዋትን ኣሓትን እዞም ሞያውያን ኮንኩ ብምባል ብትሑት ዓቕመይ ኣመስጊነ ናብ ኣመስገንቲ ጽሕፈይ የተሓላልፍ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events