Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai
<< Back
"እተን ከብቲ'ሞ ቀደም ወሲዶመን እዮም፣ እንተ ጸርፊ ግን ከቶ ዝገደፍናሎም የብልናን"!!!
Posted by: Berhane Habtemariam
Date: Friday, 26 February 2021
"እተን ከብቲ'ሞ ቀደም ወሲዶመን እዮም፣ እንተ ጸርፊ ግን ከቶ ዝገደፍናሎም የብልናን"!!!
==============================================================================
ለባማትን በላሕትን ኣቦታትናን ወናማት/ሓብሓብቲ ኣዴታትናን እንክምስሉ "እተን ከብቲ'ሞ ቀደም ወሲዶመን እዮም፣ እንተ ጸርፊ ግን ከቶ ዝገደፍናሎም የብልናን" ይብሉ።
ገለ ደምበ ዕንክሊል ኤርትራውያን ድማ፣ ንምመላእታ 20 ዓመታት ብመስፍናዊትን ኣረመናዊትን ዕስለ ህውሓት/ማሌሊት ከም ግልያ [ባሮት] ኣብ ኢትዮጵያ [ትግራይ] ብገንዘብን ጥቕምን ተዓሲቦም ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን ብግብሪ ዓጢቖም፣ ገለ'ውን ካብ ሃገር ሃዲሞም ብመገዲ ትግራይን ሱዳንን ኮብሊሎም፣ እታ መሊሳ ዘይትፍጠርን ዘይትትርከብን እንኮ ሓንቲ ኽብርቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ሞት ኣእትዮም ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣተዉ፣ ብመልሓስ ምጽላምን ምጥቃንን ብናይ ጽልእን ቂምን ልኡኻታ [ካድረታታ] መልሚላ ብንዋይ ቘጺራ ኣዋፊራ ፣ ታሪኽን ባህልን ሕቡንን ጽኑዕን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ብምጅላሕ፣ ምስኣ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ሰሪሖምን ሓይሎይ ሃስያ/በደል ኣብ ሃገሮምን ሕብረተ-ሰቦምን ፈጺሞም እዮም።
ሕጂ ድማ ያኢ ህውሓት መራሒቶምን ቀላቢቶምን ዓሳቢቶምን መዋሊቶምን ተደምሲሳ ምስ ሞተትን ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ተቐብረትን፣ ንኸምስሉ ክዝልፍዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተለመቶ እኩይን ነውራምን መደባት ብዝፈጸመቶ ኣዕናዊ ተግባርን ክረግምዋ፣ እንሆ ኣብ ዝተፈላለየ መሐሰዊ መሳኹቲ ወጺኦም ክናዘዙን ክለፋለፉን ንዕዘቦም ኣሎና።
እዚ ድማ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ "እተን ከብቲ'ሞ ቀደም ወሲዶመን እዮም፣ እንተ ጸርፊ ግን ከቶ ዝገደፍናሎም የብልናና" ወይ ድማ "ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ" ይበሃለልኩም።
ስለምንታይሲ እዚ ኹሉ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ውሻጠታቶም ተሓቢኦም ጺኒሖም፣ እታ ዘይትፍወስን ዘይትሓውን ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ነውራም ዕስለ ህውሓት ሞይታ ምስ ተቐብረት፣ ኣብ ሕጂ በጺሖም ክቀላቐሉን ርኣዩና...ረኣዩና ክብሉ ብምጅማሮም እዩ።
ወዮ ደኣ ዘይርድኦም ኮይኑ ድዩ ኾይኑ ወይ'ሲ ብፍላጥ እምበር፣ ብወገነይ እዛ ናይ ስርቅን ዝምታን ሓሶትን.....ዕስለ ሕውሓት ስርዓት ነበር፣ ኣብ ሓደ እዋን ከም ትጠፍእን ትቕበርን ንኣብ'ቲ ኣስታት 20 ዓመታት ዘቕረብክዎ ጽሑፋተይ ብግልጺ የተምብህ ኔረ እየ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ምልስ ኢልካ ምንባብ ጥራይ ኣኻሊ እዩ።
እዛ ናይ ናይ ጥፍኣትን [ዕንወትን ሞትን] ምብትታንን ጽልእን ቂምን ስርቕን ዝምታን ስስዐን ሓሶትን ጃህራን ፈኸራን ትዕቢትን ......ወዘተረፈ መመስርሒት ትካል [Industry] ዝኾነት መዋሊትኩምን መልማሊትኩምን ዝነበረት ሕማም መንሽሮ ኣረሜናዊት ህውሓት/ማሌሊት እሞ፣ ባዕላ ብዝወልዓቶ ሓዊ ነዲዳ ሞይታ ንዘልኣለም ኣብ ትሕቲ ዐሚቕ ባይታ [መሬት] ሃሪሳን [ደቂሳ] ተቐቢራን እያ።!
እዚ ዎ'ደሓንኩም፣ ኽቡራት ኣሕዋትን እሓትን!
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
================================================================================
ጠዊቕካ ስማዕ
https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3685360391518974/3685108781544135
"ወይለኻ ኸዳዕ"
ብስነ ጥበባዊን ድምጻውን ሓርበኛ ተስፋይ መሓሪ [ፍሒራ]
https://www.youtube.com/watch?v=QtISJ9zJVUU&ab_channel=AWS
"ወዶ ገባ"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ እስጢፋኖስ ኣብርሃም [ዘማች]
https://www.youtube.com/watch?v=jXAsWNvCMzM...
5 Mal geteilt
Back to Dehai
ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
Mercouris Explains Possibility of Russia and China Becoming Iran’s Protector
he Misconceptions That U.S.-and-allied Publics Have About the War in Ukraine
America’s Republicans’ Hatred of the Poor
Verge Launches the Bini Legacy Line: A Tribute to Biniam Girmay and the Future of African Cycling
Water is Egypt’s only existential threat, Nile rights non-negotiable: FM Abdelatty on GERD
Eritrea to train 50,000 soldiers for Sudan
Does Israel control U.S., or U.S. control Israel?
Germany’s (and the EU’s) Economic Suicide
A Supremely Corrupt Country & Trump quietly acknowledges China manufactures better than U.S. does.
Understanding Hitler