Dehai

ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን ይሕብር !! ፐቲሽን ብህዝብን ብውዳበታትናን !!

Posted by: ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን

Date: Tuesday, 16 March 2021




ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን የዕሩኽቲ ኤርትራውያንን   
ብኤርትራውያንን የዕሩኽቲ ኤርትራውያንን ዝተበገሰ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘቶኮረ ምሕጽንታ/ፔቲሽን ተጀሚሩ ኣሎ።  
እዚ ፐቲሽን ብህዝብን ብውዳበታትናን ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሊንክ


ብምእታውን ተዳልዩ ዘሎ ሓጺር ቅጥዒ ብምምላእ ብነፍስወከፍ ሰብ ተመሊኡ ይስደድ።


እዚ ናይ ኢንተርነት ፐቲሽን ሓደ ሰብ ምስ ፈረመ፡ ኣርባዕተ ኢመይል ናብዞም ዝስዕቡ ኣድራሻታት ይኸይድ ኣሎ። 




እዚኣቶም ሰብስልጣን ኤውሮጻዊ ሕብረት ኢዮም። ኩሉ ዜጋ ነዚ ፔቲሽን ኣብ ምዕዋቱ ኣበርክትኡ ከም ወትሩ ከዕዝዝ ንላቦ። 
ኣብ ምምልኡ ምናልባት ንዘጋጥም ጸገማት ንምፍትሑ ክንተሓጋገዝ እውን ነዘኻኽር።

 

ዓወት ንሓፋሽ!

ዶ/ር ተስፋይ ዓብለሎም 
ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን

402975-ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ፔቲሽን.pdf
402975-FM-Press-Release-130321.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events